Loading...
You are here:  Home  >  Columns  >  Current Article

ሃገራዊ ለበዋ

By   /  July 4, 2016  /  Comments Off on ሃገራዊ ለበዋ

    Print       Email

peaceዝሓለፈ ባሕቲ ሓምለ 2016 መበል 32 ስሩዕ ርክብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብቑጽሪ A/HRC/32/L. ብዝፍለጥ ብይኑ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ውሳኒኡ ኣሕሊፉ ኣሎ። እቲ ብይን ንኣስታት 3 ዓመታት ብዛዕባ ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፥ ፖለቲካዊ፥ ማሕበረ ቁጠባዊ፥ ፍልሰታዊ ጸገማት ኤርትራ ኣብ መላእ ዓለም ድሕሪ ምዝታይ ዝሓለፈ ውሳነ እዩ።

ሃገርና ኤርትራ ኣብ ዓለም ብስደት፥ጥሜት፥ከርተት፥ብስግኣት ንዓለማዊ ርግኣት ክትጥቀስን ክዝረበላን፥ እቲ ብኽብረቱ፥ ጭውነቱ፥ ኣመሉን፥ ትግሃቱን ዝልለ ዝነበረ ክቡር ህዝባ ‘ዘይተደለየ ስደተኛ፥ ቁጠባዊ ጾር፤ ዘይሕጋዊ ሰብነት፥ ዓለማዊ ሓደጋ’ ኣብ ትሕቲ ዝብሉ ዛዕባታት መውዓሊ ዓለማዊ መጋብኣያታት ኪኸውን ማንም ኤርትራዊ ዝብህጎ ኣይኮነን። እታ ክሳብ ሎሚ ብውግእ ሓድሕድን ባዕድን ግብረሽበራን እተሓመሰት ሃገር ሶማልያ ናብ ሃገራዊ ምርጫታት ቀኒዓን በቒዓን ፥ ብዛዕባ ኤርትራን ዘስካሕክሕ መዛግብቲ ሰብኣዊ መሰላታን ክትገልጽ ምርኣይ ልብኻ ዝጭንድሕ ሸቕታ – ግን ከኣ መሪር ሓቂ እዩ። ኤርትራ ናብዚ ደረጃ ምውራዳ ድማ ንነብሲወከፍ ዜጋ ዘሕዘነ ፍጻመ ኢዩ ጥራይ ዘይኮነ ነቲ ሕፉር ኤርትራዊ መንነት ውርደት ኮይንዎ ኣሎ።

ጉዳይን ሽግርን ኤርትራውያን ዝፍታሕ ብኣና ብኤርትራውያን ጥራይ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ እዚ ሓቂ እዚ ንሓንቲ ደቒቕ ውን ትኹን ስሒትዎ ኣይፈልጥን። ህዝቢ ኤርትራ ኣፉ ምስተዓብሰ ድምጺ ዝኾንዎ፥ ተዳሂኹ ምስተረገጸ ኢዶም ዘርጊሖም ዘተንስእዎ፥ ኣብ ባሕርን ምድረበዳን ምስተዘርወ ዓገብ ዝብሉሉን ዘስምዑን  ናይ ባዕሉ ነጻ ትካላት፥ ከምኡ ድማ ዝሰምዖ መንግስቲ  እንተዝህልዎ፥ ስግር ባሕሪ ኣይሞቋመተን።

ህዝቢ ኤርትራ ናቱ ባይቶ እንተዝህልዎ ኣብ ባይቶ ዓዲ ሃገር ሰጊሩ ኣቤት ኣምበይምበለን። ህዝቢ ኤርትራ ሰብ ዝቖጽሮ ዘይንዕቆ መንግስቲ እንተዝነብሮ ምስቲ ናቱ ዝብሎ መንግስቲ ኢሂን ምሂን ክብል እምበር ምስ ካልኦት ክመክር ኣምበይምተገደደን። ኮይኑ ግን እቲ ቅዋም ከውሕሰሉ ዝግባእ ደቁ ከፊሉ ዝረኸቦ ሃገራዊ መሰላቱ ስለዝተመንዘዖ፥ ናብቲ መንግስቲ ኤርትራ ዘይመንዘዖን ዘይኣሰሮን ኣህጉራዊ መሰላቱ ክወፍር ተገዲዱ። ህዝቢ ኤርትራ ዝዳንዮ ሕጋዊ ፍርዲ፥ድምጺ ዝኾንዎ ነጻ ማዕከናት፥ ተገፊዕና ኢሉ ዝግዝተሉ ሰሚዑ ድማ ዝብጀውሉ ምሕደራ ስለዝሰኣነ ባህ ከይበሎን እንዳተሾቕሮረን ናብ መጋበኣያታት ዓለም ከይዱ ስቕያቱ ደው ከብሉሉ ኡይ! ክብል ተቐሲቡ ኣሎ።

ክንድዝኾነ ኣብ ጀነቫ ዝተራእየ ክስተት ዕረ እንዳጠዓሞ ዝኸዶ መንገዲ እምበር ባህ ኢልዎ ውሽጣዊ ጉዳያቱ ንንፋስን ጓናን ክህብ ስለዝመረጸ ኣይኮነን። ንብይን ጀነቫን ይኹን ድሕሪኡ ዝመጽእ ዝኾነ ጉዳይን እውን ናይ ሓደ ዓወት ወይስ ናይ ካልእ ክሳራ ጌሩ ኣይርእዮን። ክሳራ ጌሩ ዝርእዮ ነገር እንተሃልዩ ኤርትራውያን ከምቲ ኣብ 50ታት ሕጂውን ድሕሪ ሰለስተ ርብዒ ዘመን ጉዳይና ኣብ ሕቡራት ሃገራት ክውሰን ምግዳድናን ምጽባይናን እዩ።

ኣብ ሓምሳታት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ‘ብዓይኒ ፍትሒ ምስዝረአ ህዝቢ ኤርትራ ናጽነቱ ክወሃብ ይግበኦ፥ይኹን ግን ስለ ጂኦ ፖለቲካዊ ረብሓና ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ፈደረሽን ኢትዮጲያ ክትቁረን ንውስን’ ስለዝበለት እዩ ጉዳዩ ብሕቡራት ሃገራት ተወሲኑ። ሎሚ ድማ ፕረሲደንት ኢሳያስ ‘ብዓይኒ ፍትሒ ህዝቢ ኤርትራ ከቢድ ዋጋ ከፊሉ ዝረኸቦ ናጽነትን ሰብኣዊ መሰላቱን ክጎናጸፍ ይግባእ፥ ይኹን ግን  ስለ ውልቃዊ ስልጣነይ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕተይ ተቖሪኑ ክነብር ይግባእ’ ስለዝበለ ኢዩ ህዝቢ ኤርትራ ከም ኣብ 50ታት ሎሚ ውን ጉዳዩ ብባዕዲ ብሕቡራት ሃገራት – እረ ብኣፍሪቃዊ ሕብረት – ዝውሰን ዘሎ።

ጀነቫ ‘ኣነ ተዓዊተ ኣነባ’ ዝበሃሎ ጉዳይ ኣይኮነን። ተዓዊተ ዝብል ወገን ዝህሉ ጉዳይ ኤርትራ ብኤርትራውያን ምስዝተሓዝ፥ ምስዝተሓዝ ጥራይ ዘይኮነ ግብራዊ ሓቀኛ ፍታሕ ምስ ዝመጽእ ጥራይ እዩ። ጉዳይ ኤርትራውያን ናብ ዓዲ ጓኖት ስለዝኸደን ስለዝዘተዩሉን ፍታሕ ወይ ዓወት ሙቕጻሩ ዘይቅኑዕ ወይ ውን ብዉሑዱ ዘይጥንቁቕ መደምደምታ እዩ። ብግዳማዊ ምትእትታው ራህዋን ሰላምን ቅሳነትን ዝረኸባ ሃገራት የለዋን። ሶርያ፥ የመን፥ ሊብያ፥ ኣፍጋኒስታን፥ እቲ ናይ ቀረባ ኣብነት ብዙሕ እዩ።  እዚ ዓንቀጽ ይጸሓፈሉ ኣብ ዘሎ እዋን ሕጂ ኣብ ዒራቕ ብሰንኪ ዝተኻየደ ነብሰ ቅትለታዊ መጥቃዕቲ 200 ሰባት ሞይቶም ኣለዉ። ናይ ሎሚ ዒራቕ ውጽኢት ግዳማዊ ምትእትታው እያ። ዓለማዊ ኣሃዛት ከምዝጠቕስዎ ዛጊት ካብ ድሕሪ  ምትእትታው ግዳማውያን ሓይልታት ኣብታ ሃገር ጥራይ፤ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ከምዝሞቱ ይገልጹ። እታ መንግስቲ ኤርትራ ውን ኣትዩዋ ዘሎ የመን ትኹን፥ ከቢድ ውግእ ዝካየደላ ዘሎ ሲርያ፥ ከምኡውን ጣሊባንን ኣፍጋኒስታንን ከይተረፈ ድሕሪቲ ኩሉ ዘካየድዎ ደማዊ ኩናት ክልቲኦም ወገናት ናብ ጠረጴዛ ኮፍ ኢሎም ጉዳዮም ይዝትዩ ኣለዉ። ስለዚ ለበዋ እዚ ዓንቀጽ ንኹሉ ወገን ብኣውራኡ ድማ ንመንግስቲ ኤርትራ እዚ ዝቐነየ መጋበኣያ ዋናታት ጉዳይናን ኣኽበርቲ ዘተን  ክንከውን ክድርኸና ከምዝግባእ ንምዝኽኻር እዩ።

ክልቲኦም ወገን ማለት ቀጽሪ ንፍትሓዊ ለውጥን መንግስቲ ኤርትራን ‘ድሕሪ ጀነቫ እንታይ ተማሂርና’ ዝብል ሕቶ ከልዕሉ እዋኑ እዩ። ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ወጻኢ ዘሎ ህዝቢ ከምኡውን ኣብ መንግስታዊ ስራሕ ዘለዉ ኣባላትን ላዕለዎት ሓለፍትን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ተመሳሳሊ ስምዒትን ሻቕሎት ብጉዳይ ሃገርን ከምዘለዎም ርዱእ እዩ። ገዛእ ጉዳይና ካብ ኤርትራዊ ኣእዳው ወጺኡ ናብ ዘይወጾ ዓዘቕቲ ከይኣቱ ብኸመይ ብኣግኡ ንእለዮ ንዝብል ናይ ዜጋታት ምኽኑይ ስኽፍታ ድማ መንግስቲ ኤርትራ ልቦና ገይሩ፥ ቀዳምነት ሰሪዑ ክርእዮ ዝግባእ ሕቶ እዩ።

ጀነቫ ዘሰቕቕ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ህዝቢ ኤርትራ ኣበየናይ ደረጃ ከምዘሎ ንዓለም ነጊራ ትኸውን፥ ንዓና ነቶም ግዳያቱ ዝኾና ኤርትራውያን ግን ሓድሽ ነገር ኣይኮነን። ሓድሽ ነገር እንተሃልይዎ እቲ ጉዳይ ህጹጽ ፍታሕ እንተዘይረኺቡ ጉዳይ ኤርትራውያን ክሳብ ክንደይ ካብ ቁጽጽርና ወጺኡ ናብ ዝተሓላለኸ ንሕና ዘይንውንኖ ኣንፈት ክኸይድ ከምዝኽእል ዘርኢ ክፋሉ በቲ ሓደ ወገን፥ በቲ ካልእ ወገን ድማ መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ሓይሊ ዝሰኣነ ህዝቡ እንተዘይሰሚዑ ነቶም ሓያላት ክሰምዕ ዝግደድ ሙኻኑ እዩ። ብኽልቲኡ መልእኽታት ኤርትራዊ ጉዳዩ ባዕሉ ክፈትሕ ከምዘለዎ ዘዘኻክር ፍጻመ ድማ።

ዝቕጽል መድረኽ፥ ንሕና ኤርትራውያን ጉዳይና ብጓኖት ኣብ ክንዲ ክፍታሕ ንጽበ ሽግራትና እንፈትሓሉ፥ ካብ ልቢ ዝብገስ ዘተ ምግባር እዩ። ነዚ ዕማም ቀዳማይ ሓላፍነት ዝስከምን ንህዝቢ ኢዱ ዘርጊሑ ኪቕበልን መሰረታዊ ለውጢ ኪግበርን ዝግባእ ድማ መንግስቲ ኤርትራ እዩ።ሽግር ህዝቢ ኤርትራ ብህዝቢ ኤርትራ ክፍታሕ እንተኾይኑ መንግስቲ ኤርትራ ንሰላም፥ ዘተ፥ ድሕነትን ቅዋማውነትን ሃገር ዝነቅል ሰፊሕ ልቦና ዘሰንዮ ሓላፍነታዊ ተበግሶ ክወስድ ይግባእ።መሰረታዊ ለውጢ ኪገብር ሙኻኑ ዘውሕስ ምስናይ ተሓታትነት ዝርዝራቱ ዝቐርብ እማመ ንህዝቢ ኤርትራ ከረክብ ይግባእ። ለውጢ ማለት ጽገናዊን ምድሓን ነብስን ዘይኮነ፥ ንህዝቢ ኤርትራ ዝግበእዎ ኩሎም ሰብኣዊ መሰላትን ቅዋማዊ መንግስትነትን ብዘይ ዝኾነ ቅድመ ኩነት ምርግጋጽ ማለት እዩ።

መንግስቲ ኤርትራ ምስ ኩሉ ኣብ ሉዓላውነት ዝኣምን ወገን ስለ ድሕነትን መጻእን ኤርትራ ክዝቲ፥ ቀዳማይን ህጹጽን ዕማሙ ጌሩ ክሰርሓሉ ይግባእ። ቀዳማይ ተሓታትነቱ ንህዝቢ ኤርትራ ስለዝኾነ፥ እቲ ንሕቡራት ሃገራትን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላትን ኤውሮጳዊ ሕብረትን ዝህቦ ዘሎ መብርሂን መልስን፥ ልዕሊ ዝኾነ ካልእ ወገን ዋኒንን መሰልን ጉዳይ ህዝቢ ኤርትራን ሙኻኑ ተገንዚቡ፥ ንህዝቢ ኤርትራ ይቕረታ ክሓትት፥ ነብሱ ንተሓታትነት ከቕርብ፥ ዝተጋገዮ ክኣምን  ብዓቢኡ ድማ ንምዕራይ ክብገስ ይግባእ።

ካብ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝርከቡ ማሕበራት፥ ምሁራት፥ ክኢላታት፥ ሲቪካዊ ማሕበራት፥ መራሕቲ ሃይማኖት፥ ቀጽሪ ተቓውሞ ወዘተ ሃገራዊ ሽማግለ ኣቑሙ ንቕድሚት ዝጥምት ሰላምን ዕርቅን ድሕነትን ቅዋማውነትን ኤርትራ ዝማእከሉ ዕዮ ክስራሕ ከፍቅድን ከተባብዕን ይግባእ። እዚ እዋኑ ኮይኑ እንተዘይተሰሚዕዎ ድማ ከም መበገሲ ምስ ነብሰ ሕልንኡ ክዝቲ፥ ዓጽመ ደሙ ክፍትሽ፥ከምኡ ብምግባር ድማ  እቶም ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘይኣትዉ መሰረታውያን ጉዳያት ማለት፥ ምትግባር ቅዋም ብኡ መሰረት ድማ ምፍቃድ ፖለቲካውያን ውድባትን ሰልፍታትን፥ምቛም መሰጋገሪ መንግስቲ፥ ምክያድ ሃገራዊ ምርጫ፥ምፍናው ኩሎም እሱራት ብዘይቅድመ ኩነት፥ ምቛም ኮሚሽን ዕርቅን ሰላምን፥ ምጅማር ሃገራዊ ዘተ ምስ ኩሎም ግዱሳት ዜጋታት፥ ንምምልካት ዶብ ብመሰረት ብይን ኮሚሽን ምጽዓር ዝብሉ ሃገራውያን ውራያት ፥ ባዕሉ ከተግብር ይግባእ።

ብወገን ቀጽሪ ደለይቲ ፍትሒ’ውን ኣብ መንጎ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘይኣቱ ሉዓላዊ ሃገራዊ ሕቶን ካልኣዊ ጉዳያትን ዘሎ ገዚፍ ፍልልይ ብንጹር ክርእዩን ከ-ርእዩን፥ ሃገርን ሰማእታትን ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነት ኣብ ጠረጴዛ ዘይወርዱን መባድልቲ ናይ ዝኾነ ኣጀንዳታት ኪኾኑ ዘይፍቀዱን ብጹኣት ጉዳያት ሙኻኖም ክፈልጡን ኸኽብሩን ይግባእ።

ድሒሮም ኣብ ዝመጹ ጉዳያት ድማ፥ ሉዓላውነት ኤርትራ ንባዕዲ ብዘየረክብ መንገዲ ዋናታት ጉዳዮም ባዕሎም ኪኾኑ፥ ናይ ሕቡራት ሃገራት ዕዮ ድማ ኣብቲ ዝግበኦን ምእንቲ ህዝቢ ኤርትራን ጥራይ ከምዝኸውን ብምርጋግጽ ዕማማቶም ብግሉጽነት ዘፈጽም መቓን ስራሕ ምውሓስ የድሊዮም።

ስጡም ምስግጋር ስርዓት እቲ ቀንዲ ተኣፋፊ ጉዳይ ስለዝኾነ፥ ዋንነት ህዝቢ ኣብ ኩሉ መዳያት ዘረጋግጽ፥ ሰራዝነት ትካላውነት ዘይደግም፥ ካብ ዝሓለፈ ጌጋታት ዝመሃር፥ ሉዓላውነታ ዝተኸበረ፥ ናይ ግዳም ምትእትታው ዘይተፍቅድ፥ ስጡም ምስግጋር ዘረጋገጸት ሃገር ንምህላው ዘድሊ ጥንቁቕ ዕዮ ብምስልሳል ነቶም ኣብዚ መዳይ ሃገራዊ ሓላፍነት ዘንቀሎ ስኽፍተኦም ዝገልጹ ዘለዉ ወገን ብልቢ ምድማጽ የድሊ።

ኩሎም ንመንግስቲ ዝድግፉ ይኹን ዝቃወሙ፥ እቶም ኣብ ኤርትራ ጠፊኦም ዘለዉ ምጽውዋር፥ ልዕልና ሕጊ፥ሓድነት፥ ፍትሒ፥ ዲሞክራሲ፥ ተሓታትነት፥ ትካላውነት፥ ልዝብ ዝብሉ ኣምራት ኣንጊሶም ቅድም ንሃገር ዘቐድም ምእንትኡ ድማ ክውገዱ ዝኽእሉ ፍልልያት ክእለዩ፥ ክውንዘፉ ጥራይ ዝኽእሉ ፍልልያት ተኾይኖም ድማ  ክውንዘፉ፥ ከምኡ ብምግባር ድማ ንፍታሕ ዝጠመተ ጻዕርታት ከካይዱ ይግባእ።

መሰረት ናይ ዘተ ሓባራዊ ባይታ ምርካብ፥ ካብ ናብቶም ዝፈላልዩኻ ናብቶም ዘሰማሙዑኻ ረቛሒታት ምትኳር ስለዝኾነ፥ ናይ ቆይቂ ባህሊ፥ ናይ ፍረ ዘይብሉ ምጭቕጫቕ ልማድ፥ ኣድሪ ናብ ክልተ ዝመቅል ናይ ምግምማዕ ዝንባለ፥ ናይ ኣነ ይፈልጠልካ ትዕቢት፥ ናይ ገዛእን ተገዛእን መንፈስ ተሓግሒጉ ካብ ልቢ ነብሲ ወከፍና ይቀንጠብ።

ሎሚ ብጸገማትናን ዝተደወነ ስምናን ንዓለም ከም ሓደጋ ተቖጺርና ምህላውና ዘኪርና፥ ንድሕነት መላእ ህዝብን ንድሕነት ሃገርን እጃምና ነበርክት። እዚ ዕማም እዚ ድማ ቀዳማይ ሓላፍነት ናይቲ ናይ መላእ ህዝቢ ሓላፍነት ዝስከም መንግስቲ ኤርትራ እዩ። ሃገራዊ ቅዋም ከም ዋሕስ ተሓታትነቱ ናብ ህዝቢ ተኺሉ ብህዝቢ ዝሕተት፥ ብህዝቢ ዝውነን፥ ናብ ህዝቢ ዝሰግድ እምበር ንህዝቢ ዘየስግድ ስርዓት ኮይኑ፥  ሃዋህው ሰላምን ምስግጋርን ክፈጥር መንግስቲ ኤርትራ ህዝብን ታሪኽን ግዜን ይጽውዕዎ ኣለዉ። ከምኡ እንተገይሩ ሰፊሕ ልቦና ህዝቢ ኤርትራ ዓጸፋ ክምልሰሉ ሙኻኑ ብርግጸኝነት ክዝረብ ዝከኣል ሓቂ እዩ። ነዚ ወርቃዊ ዕድል ተጠቒሙ ከምኡ እንተዘይገይሩ ድማ ዝኸፍሎ ዋጋ ኣዚዩ ከቢድ ኪኸውን ሙኻኑ ንምግማቱ ስንክሳር ኣእምሮ ምውናን ኣይሓትትን።

 

 

 

 

 

    Print       Email

You might also like...

ኢዮብ መድሃኔ ዝተባህለ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ስርዋ ንልዕሊ 10 ዓመት ተኣሲሩ ዝጸንሐ ኮንትራክተር; ካብ ማእሰርቲ ምስ ሓለውቱ ኣምሊጡ።

Read More →