Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ኣብ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጲያን ናይ ኩናት ምድላዋት ይግበር፥ ኩናት ክህሉ ከምዘይኮነ ግን ይግለጽ።

By   /  July 5, 2016  /  Comments Off on ኣብ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጲያን ናይ ኩናት ምድላዋት ይግበር፥ ኩናት ክህሉ ከምዘይኮነ ግን ይግለጽ።

    Print       Email

newsብ27 ሰነ 2016  ኣብ ሞንጎ ኣሃዱታት ስለያ ናይ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጲያን ኣብ ከባቢ ግንባር ዓሰብ ንኣስታት 45 ደቓይቕ ዝቐጸለ ፉኽስ ዝበለ ርጽም ከም ዝነበረ ምንጭታት መድረኽ ሓቢሮም። ድሕሪ እቲ ናይ ኣጋር ግጥም ውን ን15 ደቓይቕ  ዝኸውን ናይ ሞርታር ተኹሲ ከም ዝቀጸለ ብእዋኑ ድማ ከምዘቓረጸ እቲ ሃበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ። ጠንቂ ናይቲ ረጽሚን ዝወረደ ክሳራን ብዝምልከት ዝተሓበረ እኳ እንተዘየለ ፥ኣብ መንጎ ክልቲኡ ወገን ዘሎ ምፍጣጥን ቀጻሊ ስለያዊ ኮለላታን ተደጋጋሚ ረጽሚ የስዕብ ምህላዉ ይፍለጥ።

ብኻልእ ወገን ኣብ ኩሉ ግንባራት ብክልቲኡ ወገን ንመጠነ ሰፊሕ ዝመስል ኩናት ምድላዋት ይግበር ምህላዉ ምንጭታት ሓቢሮም።

ብዘይካ እቲ ኣብ ግንባራት ዛላምበሳን ጸሮናን ባድመን ብኽልቲኡ ወገን ኪካየድ ዝጸንሐ ሰራዊትን ኣጽዋርን ናይ ምጉራት ንጥፈታት፥ ኣብ ግንባር ዓሰብ ወን ብዝሒ ዘለዎ ኣጽዋራትን ከበድቲ ብረትን ብኽልቲኡ ወገን ኣብ ምጽጋዕ ከምዝርከብ እቶም ምንጭታት ገሊጾም።

እቲ ምድላዋት ከም ድፍዓት ምስራሕ፥ ንሕክምና ዝኮኑ ንቑጣታት ምድላው፥ ውሰንቲ ቦታታት ብፈንጂ ምሕጻር ዝኣመሰሉ ንጥፈታት ዘጠቓለለ ኮይኑ  ብዕለት 30 ሰነ ነፈርቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ከባቢ ባድመን ጸሮናን ናይ ስለያ ነፈርቲ ዘንብየን ከምእተመለሳ ውን ተረጋጊጹ።

ብኻልእ ወገን ብኣንጻር እቲ ኣብ ዶባት ዝረአ ዘሎ ምንቅስቓስ፥ ኣብ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን መዳይ ናይቲ ዞባ፥ ክልቲኤን ሃገራት ናብ ኩናት ከምዘይከዳ ዝእምት ጭብጥታት ምህላዉ ዝገለጹ ካልኦት ምንጭታት፥ እቲ ኣብ ባይታ ዝግበር ዘሎ ምንቅስቓስ ምስቲ ብኽልቲኦም መንግስታት ተወሲዱ ዘሎ ፖለቲካዊ ውሳነ ዘይሳነ ሙኻኑን፥ እዚ ዝግበር ዘሎ ምድላዋት ዕላምኡ ብንጹር ንምፍላጥ ከምዘጸግምን ኣብ ዲፕሎማስያውን ፖለቲካውን ዓንኬላት ዝርከቡ ምንጭታት መድረኽ የገንዝቡ።

    Print       Email

You might also like...

HvdS-0051

ኩባንያ ሓራትን ምኒስትሪ ሞጎዓዝያን መራኸቢታትን ኤርትራ ናብ መንግስቲ ሱዳን ዘቕረቦ ፍቓድ ናይ ህዝቢ ሞጓዓዝያ ከምእተነጸገ ተሓቢሩ።

Read More →