Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ኣብ ውሽጢ`ዛ ኣፋሪቕናያ ዘሎና ዓመተ 2016 ፣ 2,920 ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ጥሒሎም ከምዝሞቱ ተገሊጹ

By   /  July 12, 2016  /  Comments Off on ኣብ ውሽጢ`ዛ ኣፋሪቕናያ ዘሎና ዓመተ 2016 ፣ 2,920 ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ጥሒሎም ከምዝሞቱ ተገሊጹ

    Print       Email

ኣብ ውሽጢ`ዛ ኣፋሪቕናያ ዘሎና ዓመተ 2016 ፣ 2,920 ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ጥሒሎም ከምዝሞቱ፣ እዚ ማለት ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ናይ`ዛ ፍርቂ ዓመት ፣ 13 ሂወት ስደተኛታት ጠፊኡ ማለት ከምዝኾነ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት (IOM) ሓቢሩ.

ኣብ ፍርቂ ዓመት ናይ 2015 ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝጠፍአ ሂወት ስደተኛታት 1,838 ምንባሩ ዘዘኻኸረ እቲ ውድብ፥ ኣብ ናይ ሎሚ ፍርቂ ዓመት እቲ ኣሃዝ ብ 1,082 ዛዪዱ ከምዘሎ ኣረዲኡ።

ኣብ`ዛ ናይ ሎሚ ፍርቂ ዓመት ጥራይ ኣስታት 230 ሽሕ ስደተኛታት ማእከላይ ባሕሪ ሰጊሮም ናብ ከም ዓዲ ጥልያን፣ ግሪኽ፣ ቆጵሮስን ስጳኛን ከምዝኣተዉ ዝጠቐሰ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ዝበዝሑ እቶም ናብ ዓዲጥልያን ዝበጽሑ ዘለዉ ስደተኛታት ዜጋታት ኤርትራ፣ ናይጀርያ፣ ሱዳን፣ ሶማል፣ ኣይቮሪኮስትን ጋምቢያን ከምዝኾኑ ይሕብር።

    Print       Email

You might also like...

Eritrean-docu-Limaat-Hagerawi-Amro

መንግስቲ ኤርትራ ናይ 2002 – 2010 ዝተጣየሱ ካርድ ስም እንዳተጠቐመ 29 ዙርያ ከምተጣየሱ ኣምሲሉ ንኤውሮጳዊ ሕብረት ብሓሶት ጸብጻብ ይህብ

Read More →