Loading...
You are here:  Home  >  Columns  >  Current Article

ግብሩ ዝፈረዶ ህግደፍ ንተዓዘብቲን ኮሚሽነራትን ይኸስስ

By   /  June 29, 2016  /  Comments Off on ግብሩ ዝፈረዶ ህግደፍ ንተዓዘብቲን ኮሚሽነራትን ይኸስስ

    Print       Email

finger-pointing-stkxchgኣብ ኤርትራ ብህግደፍ ዝተፈጸመ ገበናት ተራ ገበን ዘይኰነ፡ ንመላእ ዓሌት ደቂ-ሰብ ከም ምብዳል ዝቝጸር ኣሰቃቒ ግፍዒ መላእ ህዝቢ ምዃኑ ተመስኪሩሉ’ዩ። እዚ ሕጂ መራሕቲ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ኣህጉራዊ ቤትፍርዲ ክቐርቡሉ ይግባእ ዝበሃል ዘሎ በደላት ካብ ፈለማ ናጽነት ኣትሒዙ ዝተፈጸመ ዘይሰብኣዊ ግፍዕታት’ዩ። እቲ ግፍዕታት ኣብ መደበራት ታዕሊም፡ ኣብ ወተሃደራዊ መዓስከራት፡ ኣብ ዝተፈላለየ መዳጐኒታትን ኣብያተ ማእሰርትን ካልእ ቦታታትን ኣብ መላእ ሃገር ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ዝተፈጸመ ኣሰቃቒ ኣተሓሕዛን ቅትለትን ዝርከቦ’ዩ። እቲ ገበናት ብግዱድ ዕስክርና ዝብገስ ባርነት፡ ዘይሕጋዊ ማእሰርቲ፡ ምስዋር ዜጋታት፡ ኣካላዊ ግፍዒ፡ ምስጓጕ፡ ጾታዊ ዓመጽ፡ ቅትለትን ካልኦት ሓያሎ ገበናትን የጠቓልል።

ብዘይ ዝዀነ በደል ዓመጽ ዝወርዶም ተኸተልቲ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት፡ ደቀንስትዮ ኣገልገልቲ ወተሃደራውያን ሓለፍቲ ዝዀናሉን ብፍርሕን ብሓይልን ዝዕመጻሉን ኩነታት ተዘርዚሩ ኣሎ። ሰባት ብዘይሕጊ ዶብ ክትሰግሩ ፈቲንኩም ተባሂሎም ዝቕተሉሉን፡ ኣብ ቤትፍርዲ ከይቀረቡ ብውሳኔ ወተሃደራውያን ሓለፍትን ኣባላት ጸጥታን ዝእሰሩሉን ሕጊ ዝተረስዓሉ ኣገባብ’ውን ካልእ ካብቲ ሓያሎ ዝተጠቕሰ ገበናት’ዩ። እቲ ንተዓለምቲ ዝተፈላለዩ መዓስከራት፡ ንእሱራትን ንወተሃደራትን ዝግበረሎም፡ ዋሕዲ መግቢ፡ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ግፍዒ፡ ዋሕዲ ሕክምናን ጽሬትን ካልእ መሰረታዊ ቐረባትን ዝርከቦ ሕማቕ ኣተሓሕዛ’ውን ተገሊጹ ኣሎ።

ብመሰረት ጸብጻብ እታ ኮሚሽን፡ እቲ ገበናት ብመሰረቱ ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ይኹን ብቐጥታ ብሓለፍቲ መንግስትን ግንባርን፡ ወተሃደራውያን ሓለፍቲ ከምኡውን ኣባልት ወኪል ሃገራዊ ጸጥታ ዝተፈጸሙ ምዃኖም ይገልጽ። እቲ ኮሚሽን ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሕጋዊ ትካላት ስልጣን ስለዘይብሉ፡ ነቶም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ገበናት ዝፍጽሙ ዘለዉ ገበነኛታት ኣብ ፍርዲ ኣቕሪቡ ዝግባእ ክሲ ኸሕልፈሎም ተስፋ ኸምዘየለ ገሊጹ። ኣብ ኤርትራ ፍርዳዊ ኣካል ስልጣኑ ስለዝተመንዝዐ ብዝሰዓበ ናይ ሕጊ ባዶሽ፡ በቶም ኣባላት መንግስትን ግንባርን ዝዀኑ ሓለፍቲ ዝፍጸም ገበናት ኣዝዩ ግኑን ክኸውን ከምዘኽኣሎ ይገልጽ። ኣቦ መንበር’ቲ ኮሚሽን፡ ብሰንኪ ምፍራስ ግዝኣተ ሕግን ብሰንኪ ጭካነ ሓለፍቲ መንግስቲ፡ ግንባር፡ ሰራዊትን ጸጥታን ህዝቢ ኤርትራ ብርቱዕ ግፍዕታት ይወርዶ ኸምዘሎ ብምጥቃስ፡ ኣባላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝዀና ሃገራት ኣብ መሬተን ንዝረገጹ በዚ ጉዳይ ዝኽሰሱ ሰባት ብምሓዝ ኣብ ፍርዲ ከቕርብኦም ጸዊዑ። እቲ ኮሚሽን፡ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነዚ ጉዳይ ናብ ኣኽባሪ ሕጊ ኣህጉራዊ ቤትፍርዲ ገበነኛታት ከቕርቦን ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ኤርትራ ተሓታትነት ዝህልወሉ ሜላ ክነድፍን እማመኡ ኣቕሪቡ።

እቲ ኮሚሽን ኣብ ጸብጻቡ፡ መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ብፖለቲካውያን መራሕቲ ተፈጸመ ገበናት ፍርዳዊ መዕለቢ ኽገብረሉ ፖለቲካዊ ድሌት ይኹን ከምዘይብሉ ደምዲሙ። ብዝሕን ብርታዐን ናይቲ ግፍዕታት ነቶም ተኸሰስቲ ኣብ ሃገራዊ ቤትፍርዲ ዘይኰነ ኣብ ኣህጉራዊ ቤትፍርዲ ክኽሰሱ ዘገድድ’ዩ። ነቶም ኣብ ዓለም ዝርከቡ ኩሎም ደቂ ሰባት ወኪለን ኣብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ካብ ዝተሳተፋ 47 ሃገራት፡ እተን ዝበዝሓ ነቲ ኣብ ኤርትራ ኣንጻር ሰብኣውነት ዝፍጸም ዘሎ በደላት ዝዝርዝርን፡ እቶም ገበነኛታት ኣብ ኣህጉራዊ ቤትፍርዲ ክቐርቡ ዝብል እማመን ዝበዝሓ ሃገራት ተቐቢለንኦ ኣለዋ።

ነቲ ዝቐረበ ኽስታትን እቶም ኣብ መንግስቲ ኤርትራን ህግደፍን ዝርከቡ ገበነኛታት ኣብ ፍርዲ ክቐርቡ ዝብል እማመን ዝበዝሓ ሃገራት ሃገራት ክቕበልኦ ኸለዋ ሒደት ሃገራት ብዝርርብ ክፍታሕ ዘለዎ ጉዳይ ምዃኑ ርእይቶአን ሂበን። መራሒኣ ኣብ ዳርፉር ብዝተፈጸመ ምጽናት ዓሌት ተኸሲሱ ብኣህጉራዊ ቤትፍርዲ ዝድለ ሱዳን፡ ንመንግስቲ እታ ሃገር ዝመርሕ ዑመር ኣልበሽር ናይ ገበን መጐራብትቲ ህግደፍ ስለዝዀነ ነቲ ጸብጻብን ነቲ እማመን ነጺጋቶ።

ህግደፍ ኣብ ሃገር ንዘሎ ህዝቢ ንምትላል እቲ ኣብ ልዕሊ’ቲ ሓላዪ ዝሰኣነ፡ ብገዛእ መንግስቱ ዝጭፍጨፍ ህዝቢ ኤርትራ ዝወረደ ግፍዕታት ከጽንዕ ዝቘመ ኮሚሽን ዝቐረበ ጸብጻብ ይኹን ነቲ ኮሚሽን ክቕበሎም ዝጽበ የለን። ስለዚ ድማ፡ ብማዕከናት ዜናን ናይ ጐደና ወረ ብዝነዝሑ ዕሱባቱን ኣቢሉ ንህዝቢ ኤርትራ ከታልሎ ኽፍትን’ዩ። ብዝዀነ መገዲ ይቕረብ እቲ ሕጂ ህግደፍ ዝደጋግሞ ሓሳብ ንሱ ሓላዪ ህዝቢ ምዃኑ፡ እቲ ፍርዲ ድማ ንሓልዮት ህዝቢ ኤርትራ ዘይኰነ፡ ንፖለቲካዊ ዕላማ ገለ ሃገራት ምዕራብን ካልኦት ጐረባብትን ዝተሰርሐ ምዃኑ ኽገልጽ’ዩ።

እንተዀነ፡ ኣብ ርሑቕ ዝርከባ ሃገራት ምዕራብ ይኹና ምስ ኤርትራ ኣብ ኲናት ዝተጸምዳ ጐረባብቲ ሃገራት ካብ 1991 ንነጀው ብዘይካ ኣብ እዋን ኲናት ናብ ውሽጢ ኤርትራ ኣትየን ሰባት ኣሲረን፡ ዓስኪረን ወይ ውን ኣጋፊዐን ኣይፈልጣን’የን። ኣብ ማእከል ርእሰኸተማ ሃገር ብባዕዳውያን ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ዝወረደ ግፍዒ ቅድሚ 1991 ኣብ እዋን ቃልሲ ንሓርነት ጥራይ’ዩ ተፈጺሙ። ስለዚ ድማ፡ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ውዱብ ዝዀነ ግፍዒ ተውርዱ ኣለኹም ክበሃሉ ኸለዉ፡ እቲ ኽሲ ዝጸልእኦም ሃገራት ዝፈተልኦ ተንኰል’ዩ ኽብሉ ኣይክእሉን’ዮም። ንህግደፍ ዝጸልኣ ሃገራት ይውሓዳ ይብዝሓ፡ ምስቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝወረደ ግፍዕታት ዘተኣሳስር የብሉን። ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘይሰብኣዊ ኣተሓሕዛ ዘዘርኣየ መንግስቲ፡ ዝጸልእዎ መንግስታት ምስዝርከቡ ክሕደገሉ ይግባእ’ዩ ዝብል መጐት ክርከብ ኣይክእልን’ዩ። እኳ ደኣ፡ ጸላእቲ በዚሖም ዝብል መንግስቲ ህዝቢ ኽይሓዘ ክምክት ስለዘይክእል፡ ህዝቡ ሓብሒቡ’ዩ ኽገጥም ዝግብኦ። ንህግደፍ ተጸላእቲ ዝገበሮም ባህርያቶም ስለዝዀነ፡ ኣብ ህዝቢ ኤርትራን ኣብ መንግስታት ዓለምን ተጸላእቲ ዝገበሮም ካልእ ሕቡእ ጉዳይ የለን።

ካልእ ብሕጂ ዘቕርብዎ መጐት ኣህጉራዊ ቤትፍርዲ ዘይሕጋዊ ምዃኑ ብምግላጽ ናብቲ ቤትፍርዲ ክቐርቡ ከምዘይግብኦም ከእምኑ ምፍታን’ዩ። እንተዀነ፡ እቲ ጉዳይ ኣብ ኣህጉራዊ ቤትፍርዲ ገበነኛታት ብዛዕባ ምቕራብን ዘይምቕራብን ዘይኰነ፡ ገበነኛታት ኣብ ቅድሚ ፍርዲ ክቐርቡ ከምዘለዎም ጥራይ’ዩ። ህግደፍ ነቲ ኣህጉራዊ ቤትፍርዲ ዘይድግፎ እንተዀይኑ፡ ጌጋኡ ተኣሚኑ ኣብ ናይ ዝዀነት ትኹን ሃገር ቤትፍርዲ ክፍረድ ጠለብ ከቕርብ ይኽእል’ዩ።

ህግደፍ ካብ ጸቢብ በደላት ሓሊፉ ንኹሎም ደቂ ሰብ ከም ምብዳል ክቝጸር ዝኽእል በደላትን ግፍዕን ኣብ ልዕሊ ህዝቦም ስለዘውረዱ፡ ንኹሎም ደቂሰብ ብዝውክል ኣገባብ ብመገዲ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራትን ብመገዲ ኣህጉራዊ ቤትፍርዲ ገበነኛታትን፡ እቶም ገበነኛታት ነቲ በደላት ክሕተቱሉ ይግባእ ይበሃል ኣሎ። ኣንጻር ዝዀነ ይኹን ሰብ ዝፍጸም ግፍዒ፡ ዝዀነ ዝረኣዮ ዘበለ ኽቃወሞ ዝግባእ’ዩ። ጉዳይ ኤርትራ ብኤርትራውያን ጥራይ’ዩ ኽፍታሕ ዝግባእ ዝብል መጐት እናቕረብካ፡ ንህዝቢ ኢደ እግሩ ኣሲርካ ኣፉ እናዓበስካ፡ ኣስዒብካ ኤርትራውያን ከምዘተበደሉ ኽገልጹ ዝእድሙ ኢትዮጵያውያን እንተደኣ ዓሲብካ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ብተቓወምቲ ጐረባብቲ መንግስታት ትሕሎ እንተደኣ ዄንካ ነገር ስልጣንን ሓይልን ተወዲኡ’ዩ። ብሕጂ ዝስዕብ፡ ሃገርን ህዝብን ዘይልከሙሉ ኣፈጻጽማ ክኸውን እምበር፡ መገዱ ስሒቱ ዘዝሓዞ ዘበለ ፋሕ ዝብሎ ዘሎ ህግደፍ ከጽንሖ ዝኽእል ሓይሊ ከይህሉ ዘጠራጥር የለን።

    Print       Email

You might also like...

Human brain research and memory loss as symbol of alzheimer's concept with missing pieces of the puzzle

ምድዕሳስ ኣእምሮ (Senility) መራሕቲ፡ሓደገኛ ክስተት ንሃገራት

Read More →