Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

‘ኣደይን ጓል 11 ዓመት ንእሽተይ ሓፍተይን እንዳረኣኽወን ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ጥሒለን ‘ ወዲ 13 ዓመት ኤርትራዊ ህጻን

By   /  June 3, 2016  /  Comments Off on ‘ኣደይን ጓል 11 ዓመት ንእሽተይ ሓፍተይን እንዳረኣኽወን ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ጥሒለን ‘ ወዲ 13 ዓመት ኤርትራዊ ህጻን

    Print       Email

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጥራይ ኣብ ዘጋጠመ ህልቂት ልዕሊ 800 ህይወት ስደተኛታት ከምዝጠፍአ ምንጭታት ገሊጾም። እቶም ስደተኛታት ኩሎም ካብ ሊብያ ናብ ኢጣልያ ዝሰግሩ ዝነበሩ ኮይኖም ካብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዝመጹ እዮም።

ሬድዮ ኤሬና ኣብ ዝሓለፈ ፈነውኡ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ  ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ካብ ዝጠሓሉ ኣስታት 500 ሰባት መብዛሕቶም ኤርትራውያን ምንባሮም ገሊጹ ኣሎ።  ውድብ ንድሕነት ቆልዑ ማለት save chlildren እውን መብዛሕተኦም እቶም ዜጋታት ቆልዓ ሰበይቲ ዝርከቦም ኤርትራውያን ምንባሮም ድሕሪ ምግላጹ ሓንቲ ካብቶም ዝደሓኑ ጓል 4 ዓመት ኮይና ኣዲኣ ቀቅድሚ ናብታ መርከብ ምስቃለን ኣብ ሊብያ ብሓደጋ መኪና ከምዝሞተት ገሊጹ።

ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ እታ 500 ሰባት ሒዛ ዝነበረት ሞቶረኣ ደው ዝበለት ጃልባ በታ ካልእ 500 ሰባት ሒዛ ዝነበረት ካልእ ንእሽቶ ጃልባ እንዳተጎተተት እንከላ እታ ካልአይቲ ስለዝጠሓለት ኣብታ ጃልባ ዝነበሩ 500 ሰባት መብዛሕተኦም ከምዝሃለቑ ተፈሊጡ።

ኪዳነ ዝተባህለ ወዲ 13 ዓመት ህጻን ‘ኣደይን ጓል 11 ዓመት ንእሽተ ሓፍተይን እንዳረኣኽወን ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ጥሒለን ፥ እቲ ባሕሪ ሬሳ ብሬሳ እዩ ኮይኑ’ ክብል ገሊጹ። እዚ ፍጻመ እዚ 4 መዓልታት ድሕሪቲ መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ሙኻኑ እታ ዕለትን ናጽነትን ክሳብ ክንደይ ተረሓሒቐን ምህላወን ዘመስክር እዩ።

ኣብ ተመሳሳሊ ዜና ኣብዚ እዋን እዚ መንግስቲ ሱዳን ብኣልማማ ኤርትራውያን ይገፈሉ ኣብ ዘሎ እዋን፥ ብዙሓት ዜጋታት ብድሕሪት ሓዊ ብቕድሚት ሓዊ ኮይንዎም ካብቲ ናብ ኤርትራ ዝመልስ ግፋ ንምምላጥ ኣብዚ እዋን እዚ ብዘይመደብ ናብ ሊብያ ይውሕዙ ምህላዎምን ነዚ ዝመዝመዙ ኣሰጋገርቲን ነጋዶ ደቂ ሰባትን ዕጽፊ ከኽፍሉ  ጀሚሮም ምህላዎም ተገሊጹ።

 

    Print       Email

You might also like...

mideast

ሓድሽ ዓለማዊን ዞባውን ስርዓት (order)፤ ንኤርትራ ብኸመይ ይጸልዋ ኣሎ።

Read More →