Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ኣብ ጽባሕ ውሳነታት ኮሚሽን ምጽራይ ሰብኣዊ መሰላት፥ መንግስቲ ኤርትራ ከም ልሙድ ብዘይ ዝኾነ ሕጋዊ መስርሕ ሰባት ምእሳር ይቕጽል ።

By   /  June 30, 2016  /  Comments Off on ኣብ ጽባሕ ውሳነታት ኮሚሽን ምጽራይ ሰብኣዊ መሰላት፥ መንግስቲ ኤርትራ ከም ልሙድ ብዘይ ዝኾነ ሕጋዊ መስርሕ ሰባት ምእሳር ይቕጽል ።

    Print       Email

ኣብ ጽባሕ ውሳነታት ኮሚሽን ምጽራይ ሰብኣዊ መሰላት፥  መንግስቲ ኤርትራ ከም ልሙድ ብዘይ ዝኾነ ሕጋዊ መስርሕ ሰባት ምእሳር ይቕጽል ። ካብ ዝሓለፈ ሰንበት ጀሚሩ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ኣባይቲን ትካላትን ንግድን እንዳኸዱ ልዕሊ 20 ዝኾኑ ሰባት ከምዝኣሰሩ ተፈሊጡ። እዞም ነጋዶ ሙኻኖም ዝንገረሎም ሰባት ምኽንያት መእሰሪኦም ብወግዒ እኳ እንተዘይተገለጸ ምስ ባጤራ ዶላርን ናቕፋን ዝተኣሳሰር ኪኸውን ከምዝኽእል ይግመት። እዚ ይኹን እምበር መን ከምዝወሰዶም ናበይ ከምዝኸዱ ስለዘይፍለጥን ዝተመስረተሎም ክሲ ይኹን ወግዓዊ ሓበሬታ ንስድረኦም ስለዘይተዋህበን ከም ኩሉ ኣብ ኤርትራ ዝግበር ማእሰርታት ዝርዝራት ዘለዎ ኣይኮነን። 

ብዘይካ እዚ ኣብ ኣስመራ ፍሉጣት ካብ ዝኾና ሱፐር ማርኬታት ዝርከበኦ ንግዳዊ ትካላት በቶም ኣባላት ጸጥታ ተዓሺጉ ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ ኣብቲ ንግዳዊ ትካል ዝነበረ ብሙሉኡ ንብረት መንግስቲ ብዝለኣኾም ሓይልታት ጸጥታ ከምዝተዘመተ ተረጋጊጹ። 

ምስ ምምጻእ ብዙሓት ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ዜጋታት ናብ ኣስመራ ሒዞሞ ዝመጹ ዶላር ብኻልኦት ከይውሰድን ከይሽረፍን መታን ቁጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ዘሽርፉ ሰባት ድሕሪ ምውፋሩ ክሳብ ዝሓለፈ ሰሙን ከባቢ 28 _30 በጺሓ ዝነበረት ሸርፊ ዶላር ኣብዚ ሳልስቲ ናብ 22 ወሪዳ ምህላዋ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። ገለ ካብዞም ሕጂ መንግስቲ ኤርትራ ዝኣስሮም ዘሎ ሰባት ድማ ቁጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ባዕሉ እብ ምምእራር ዶላር ኣዋፊርዎም ዝነበሩ ኪኾኑ ከምዝኽእሉ ይሕበር። 

    Print       Email

You might also like...

ሃንደበታዊ ምቅይያር ኣዘዝቲ በራጊድን ቦጦሎኒታትን ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ይካየድ ምህላዉ ተሓቢሩ።

Read More →