Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ኣብ ከባቢ ዓዲ መስገነን ኣኽራንን ቁኒቁንቶን ወተሃደራዊ ግጭት ተኻይዱ።

By   /  June 12, 2016  /  Comments Off on ኣብ ከባቢ ዓዲ መስገነን ኣኽራንን ቁኒቁንቶን ወተሃደራዊ ግጭት ተኻይዱ።

    Print       Email

ኣብ ከባቢ ዓዲ መስገነን ኣኽራንን ቁኒቁንቶን ብዕለት 11 ሰነ 2016 ኣብ መንጎ ኣሃዱታት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራን ሰራዊት ኢትዮጲያን  ወተሃደራዊ ግጭት ከምዝተኻየደ ምንጭታት መድረኽ ካብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ሓቢሮም። እዚ  ኣብ ሰዓታት ፍርቂ ለይቲ ማለት ሰዓት 12፡45  ዝፈለመ ረጽሚ ኣሃዱታት ወተሃደራዊ ስለያ ዘሳተፈ ኮይኑ ክሳብ ኣርባዕተ ርብዒ ጎደል ወጋሕታ ማለት 3፡45 ቀጺሉ ሓዲሩ።

ኣብዚ ግጭት ብወገን ኤርትራ ዝበዝሓ ካብ ኣሃዱታት ወተሃደራዊ ስለያ ጸኒሑ ድማ ገለ ኣጋር ሰራዊት ዘሳተፈ ኪኸውን ከሎ፥ ብወገን ሰራዊት ኢትዮጲያ ውን ኣሃዱታት ወተሃደራዊ ስለያን ህዝባዊ ሚሊሽያን ዘሳተፈ ኢዩ ነይሩ። እዚ ግጭት እዚ ካብቶም ቅድሚ ሕጂ ዝካየዱ ዝነበሩ ብዝተፈለየ ኣገባብ ክሳብ ሞርታራትን ኣርፒጂን ዝኣመሰሉ ማእከሎት ፈኮስቲ ብረት ዘሳተፈ ምንባሩ ውን እቲ ሓበሬታ ገሊጹ ኣሎ።

ምስዚ ብዝተኣሳሰር ሰንበት ወጋሕታ ኣብ ከባቢ ማይ ውራይ ዝርከባ ኣሃዱታት ከቢድ ብረት ሓይልታት ምክልኻል  ኤርትራ፥ ናብቲ ረጽሚ ዝተኻየደሉ ከባቢ ከም ዝተጸጋዓ ተፈሊጡ ኣሎ።መንግስቲ ኤርትራ ኣቀዲሙ ንኹለን ኣሃዱታት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፥ መንግስቲ ኢትዮጲያ ናይ ወራር መደብ ከምዘለዎ ክገልጽ ምጽንሑ  ዝዝከር ኮይኑ፥ እዚ ናይ ሕጂ ግጭት ነቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን  ብኮሚሽን ምጽራይ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ተዋሂቡ ዘሎ መግለጺ ብምምዝማዝ ክልቲኦም መንግስታት ንነናቶም ኣጀንዳ ንኽጥቀሙሉ ናብ ከምዚ ዝኣመሰለ ግጭት የምርሑ ክህልዉ ከምዝኽእል ተንተንቲ ይሕብሩ።

 

    Print       Email

You might also like...

ኢዮብ መድሃኔ ዝተባህለ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ስርዋ ንልዕሊ 10 ዓመት ተኣሲሩ ዝጸንሐ ኮንትራክተር; ካብ ማእሰርቲ ምስ ሓለውቱ ኣምሊጡ።

Read More →