Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ኣብ ኤርትራ ምእሳር፥ ምስዋር፥ ንኩናት ምድላው ይቕጽል

By   /  June 21, 2016  /  Comments Off on ኣብ ኤርትራ ምእሳር፥ ምስዋር፥ ንኩናት ምድላው ይቕጽል

    Print       Email
ብዕለት 17 ሰነ  ሰዓት 6.30 ናይ ንግሆ ሚጀር ተኽላይ ፋሲል {ሊባን} ኣባል ሚንስትሪ ምክልኻል ክፍሊ ርክባት ኣብ ኣስመራ ኣብ ከባቢ ጣባ ካብ ዝርከብ መንበሪ ገዛኡ ብረት ዝሓዙ ኣባላት ሃገራዊ ድሕነት ቀፊዶም ብምውሳድ ብላንድ ኩርዘር ዝዓይነታ ማኪና ከምዝሸረብዎ ጽዒኖም ተፈሊጡ። ሚጀር ተኽላይ ፋሲል {ሊባን} ብኣባላት ጸጥታ ድሕሪ ምውሳዱ ኣበይ ከምዝተወሰደን  ኣበይ ከም ተኣሰረን ኣበይ ቦታ ከም ዝኣተወን ከም ዘይተፈለጠ ይሕበር።
 ድሕሪ ምእሳር ሚጀር ተኽላይ ኣብ ኣጋ ምሸት ናይ ተመሳሳሊ ዕለት በዓልቲ ቤቱ ኣልማዝ ግርማይን፥ ሓፍቱ ሚካል ፋሲልን  ብኣባላት ሃገራዊ ድሕነት ተኾብኪበን ከምእተወሰዳን  መንበሪ ገዛ ሜጀር ተኽላይ ፋሲል ብ ሲቢል ልብሲ ዝተኸደኑ  ኣባላት ጸጥታ ይሕለው ከም ዘሎን ተፈሊጡ ኣሎ።
እዚ ከምዚ ከሎ ብዕለት 18 ሰነ ወን ኣብ ደቀምሓረ ሃዳሙ  ክልተ ኣካለ ስንኩላን ተጋደልቲ ማለት ተጋ ተኽለሰንበት ኣርኣያን ተጋ ስምኦን { ወዲ ጥልያንን } ሲብል ልብሲ ብዝተኸደኑ ኣባላት ሃገራዊ ድሕነት ከም ዝተኣሰሩ ተፈሊጡ ኣሎ።
 ኣብ ካልእ ዜና፡ ብስንኪ እቲ ኣብዚ ቅንያት እዚ እብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጲያን ዝተኻየደ ውግእ  ዝተፈጠረ ጸቕጥን  ስክፍታን ዝበዝሕ መንእሰይ ናብ ስግረ ዶብ ክሃድም ይኽእል እዩ ብዝብል ግምት ሚኒስቲሪ ምክልኻል ኤርትራ ኣብ መስመር ኣስመራ ተሰነይ ተወስኽቲ ኬላታትን ጽኑዕ ሓለዋን ይግበር ምህላው ተፈሊጡ።
እዚ ኪላታት ኣቐድም ኣቢሉ ተሪፉ ካብ ዝነበረ ኮይኑ፥  ኣብዚ እዋን እዚ ነብሲ ወከፍ ምንቅስቓስ መካይን ጽዑቕ ተፍትሽ ክግበረለን ብ ምኒስትሪ ምክልኻል ትእዛዝ ተመሓላሊፉ ኣሎ።
ብፍላይ ኣብ ከባቢታት ሓጋዝን ባረንቱን ተሰነይን ተፍትሽ ኣዚዩ ተሪሩ ምህላዉ ዝሓበሩ ምንጭታት፥  ኣብዚ ቅንያት ጥራይ  ኣብ ሓጋዝ ልዕሊ 456 ዝኾኑ ናብ ስግረ ዶብ ክትከዱ ሓሲብኩም ዝተባህሉ መንእሰያት፥ ከምኡውን ብርክት ዝበሉ ምስ መንቀሳቐሲ ወረቐት ብዝተኣሳሰር ጸለመታት ከም ተታሓዙ ገሊጾም። እዞም ክሳብ 456 ዝኾኑ ሰባት  ድሕሪ መርመራ ብቐጥታ  ናብ ሓሽፈራይን ዓዲ ኣቤቶን ከም ተላእኩ ውን ተፈሊጡ ኣሎ።
ምስዚ ኣብዝተኣሳሰር ዜና  ድሕሪ እቲ ኣብ ሰነ 12 ዝተኻየደ ውግእ  ሚኒስትሪ ምክልኻል ብዝሃቦ ትእዛዝ መሰረት፥ ብዙሓት  ብምኹብላል ተባሂሉ ዝግለጽ ምሕታት መሰል፥  ከምኡውን በቲ ግፋ ተባሂሉ ዝግለጽ ዓመጽ  ኣብ ዓዲ ኣቤቶ ተኣሲሮም ዝጸንሑ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት፥ ኩናት ቅድሚ ምጅማሩ ሓይሊ ሰብ ኣሃዱታት ንምብርካት ነናብ ኣሃዳኦም ይላኣኹ ከም ዘለዉ ተፈሊጡ።
    Print       Email

You might also like...

ኢዮብ መድሃኔ ዝተባህለ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ስርዋ ንልዕሊ 10 ዓመት ተኣሲሩ ዝጸንሐ ኮንትራክተር; ካብ ማእሰርቲ ምስ ሓለውቱ ኣምሊጡ።

Read More →