Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተላዒሉ ዘሎ ግጭት ብዘይ ዝኾነ ቅድመ ኩነት ደው ክብል መድረኽ ንሃገራዊ ዘተ ይጽውዕ።

By   /  June 13, 2016  /  Comments Off on ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተላዒሉ ዘሎ ግጭት ብዘይ ዝኾነ ቅድመ ኩነት ደው ክብል መድረኽ ንሃገራዊ ዘተ ይጽውዕ።

    Print       Email

cropped-medrek.pngኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጲያን ኣብ ክንፊ ግንባር ጸሮና ወተሃደራዊ ግጭት ተኸፊቱ ከምዘሎ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ገሊጾም ኣለዉ።

መድረኽ ንሃገራዊ ዘተ ኤርትራ፥ እዚ ግጭት እዚ ብዘይ ዝኾነ ቅድመ ኩነት ደው ክብል የተሓሳስብ። ህዝብታት ክልቲኡ ሃገራት፥ ሰራዊት ክልቲኡ ሃገር፥ ምሁራት፥ ሲቪካውያን ማሕበራት፥ ማሕበረሰብ ዓለም እውን፤ እዚ ኣብ ውሱን ከባቢታት ጀሚሩ ዘሎ ግጭት ናብ ዝለዓለ መልክዑ ከይዓረገ ክገትእዎ ውሁድ ጻዕሪ ከካይዱ መድረኽ ይጽውዕ።

ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጲያን፥ ንዝሓለፉ ፍርቂ ዘመን መጀመርታ ንሓርነታዊ ቃልሲ ኤርትራን ንማዕርነት ህዝብታት ኢትዮጲያን፥ ደሓር ድማ ብሰንኪ ዶባዊ ግጭት ብሰለማውን ሕጋውን መስርሕ ክዓርፉ ይኽእሉ ንዝነበሩ ፍልልያት፥ ኪኽፈል ዘይነበሮ ኣእላፍ ህይወት ደቆም ከፊሎም እዮም። ዝኾነ ህዝቢ ግዳይ ውግእ ኪኸውን ኣይግበኦን፥ ብፍላይ ብፍላይ ድማ እቶም ልዕሊ ዓቕሞም ዝኸፈሉን ዝሓለፈ ፍርቂ ዘመን ኣብ ውግእን ወረ ውግእን ዘሕለፉ ህዝብታት ኢትዮጲያን ኤርትራን።

ዝኾነ ወተሃደራዊ ግጭት መቐጸልታ ፖለቲካዊ ረጽሚ እዩ፥ መወዳእትኡ ድማ ብፖለቲካዊን ሰላማውን ሕጋውን መንገዲ ጥራይ እዩ ዝፍታሕ። ክንድዝኾነ መድረኽ ንሃገራዊ ዘተ ኤርትራ እዚ ጀሚሩ ዝበሃል ዘሎ ውግእ ደው ክብል፥ ጠንቁ ዶብ እንተኾይኑ ብመሰረት ብይን ኮሚሽን ዶብ መስመራት ዶባት ኪኽበር፥ ካልእ ፖለቲካውን ጸጥታውን ደፍእታት እንተለዎ ድማ ብሕጋውን ሰላማውን መስርሕ ክዓርፍ ንኽልቲኦም መንግስታት ብትሪ ይጽውዕ።

13 ሰነ 2016

መድረኽ ንሃገራዊ ዘተ ኤርትራ

 

 

    Print       Email

You might also like...

ሃንደበታዊ ምቅይያር ኣዘዝቲ በራጊድን ቦጦሎኒታትን ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ይካየድ ምህላዉ ተሓቢሩ።

Read More →