Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ኣባላት ሃገራዊ ድሕነትን ካድረታትን ፣ነቲ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኣጋጢሙ ዘሎ ህልቂት ዜጋታት ንፕሮፖጋንዳ ይጥቀሙሉ ምህላዎም ተገሊጹ ።

By   /  June 9, 2016  /  Comments Off on ኣባላት ሃገራዊ ድሕነትን ካድረታትን ፣ነቲ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኣጋጢሙ ዘሎ ህልቂት ዜጋታት ንፕሮፖጋንዳ ይጥቀሙሉ ምህላዎም ተገሊጹ ።

    Print       Email

ኣባላት ሃገራዊ ድሕነት፡ ካድረታት፣ ከምኡ`ውን ብዋህዮታት ዝጥቀሳ ዘቤታውያን ሰለይቲ ነቲ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኣጋጢሙ ሂወት ኣማኢት ዜጋታትና ወሲዱ ምህላዉ ዝንገረሉ ዘሎ ህልቂት ብናይ “ኣይበልናን`ዶ”፣ “ሃገር ዝራሕረሐ ኣብኣትደዮ!” ዘስምዕ ቃና ፣ ናይ ልዕልና ዕላላት ይዘርዉ ከምዘለዉ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ሃገርና ዝርከቡ ወኪላት ድምጺ መድረኽ ሓቢሮም።

እቶም መሓዉራት ኣበየ ህዝቢ ዝእከበሎም ከባቢታትን ህዝባውያን ትካላትን ነቲ ናይ ብደዐ ቃና የራብሑ ከምዘለዉ ዘረድኡ እቶም ወኪላት፥ ዕላማ ናይዚ – ኤርትራዊ ካብ ሃገር ምስ ወጸ ዝገጥሞ ጸገም ካብ`ቲ ኣብ ሃገር ኮፍ እንተይሉ ዘሕልፎ ሽግር ከምዝዓቢ ንምጒስጋስ እዩ ይብሉ።

እዚ ጸቢብ ዝዕላማኡ ጎስጓስ ብፍሉይ ናብ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻልን ሰራሕተኛታት መንግስቲ ዝኾኑ መንእሰያትን ኣመልኪቱ ከምዘሎ ዝጠቐሱ እቶም ወኪላት፥ መንግስቲ ጸሊኡ ሃገር ዝገድፍ ዜጋ ኣማስያኡ ድራር ዓሳ ከምዝኸዉን ከእምን ብዝፍት ቆልዓዊ ዕላላት ዝተተኽተኸ ጎስጓስ ብምዃኑ ነቲ ኣብ ከቢድ ሓዘን ዝርከብ ህዝብና መሊሱ የቕሕር ከምዘሎ ኣስሚሮምሉ።

መንግስቲ ኤርትራ ካብ መንግስቲ ሱዳን ንዝርከቦም ዘሎ ዜጋታትና ከም ካልእ መጎሳጎሲ መሳርያ ይጥቀመሎም ከምዘሎ እዉን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ምስ`ዚ ኣብ ዝቃረብ ዜና፥ ገለ ስድራቤታት ናይቶም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኣብ ራብዓይ ሰሙን ናይ ወርሒ ግንቦት ዝሃለቚ ዜጋታትና ብዘይወግዓዊ መንገዲ ክርደኣ ጀሚረን ኣለዋ። እቲ ናይ ምርዳእ መስርሕ ብዘይስሩዕ ኣገባብ ይትግበር ብምህላዉ ሓያሎ ስድራቤታት ደሃይ ናይቶም ሞይቶም`ውን ክኾኑ ዝኽእሉ ደቀን ንምፍላጥ ተሸጊረን ኣብ ከብዲ-ሕቑፎ ከምዝርከባ እዩ ዝግለጽ ዘሎ።

ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝርከብ ህዝብና እንተስ ደቊ እንተስ ደቂ መቕርቡ ክርዳእ ኣብ ፍቐዶ ኣብያተ-ኢንተርነት ተሰሪዑ ደሃይ ከጣልል ይውዕል ከምዘሎ ዝሕብሩ ወኪላትና፥ ኣብያተ ኢንተርነት ሃገርና ኣብያተ-መርድእ ተቐዪረን ምህላወን ይዛረቡ።

መንግስቲ ብዛዕባ እዚ እዋናዊ ህልቂት ከም ልሙድ ዝኾነ ወግዓዊ መግለጺ ከምዘይሃበን፣ ደቀን ንዝሰኣና ስድራቤታትን መቕርብን ብግህዶ ከይሓዝኑ ከልኪሉ ከምዘሎን ዝፍለጥ ኮይኑ፥ ህዝቢ ነተን ዝተገድዓ ስድራቤታት ብስቱር ክድግፍን ከጸናንዕን ይረአ ኣሎ።

ካብ 25 ክሳዕ 27 ኣብ ዝተኸስተ 3 ሓደጋታት ጀላቡ ጠፊኡ ካብ ዝበሃል ዘሎ ሂወት ልዕሊ 700 ስደተኛታት እቲ ልዕሊ ፍርቊ ናይ ኤርትራውያን ከምዝኾነ እዩ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ዝእምት ዘሎ።

 

    Print       Email

You might also like...

_106539_eritrea300

ንኡስ ምልክታት ናዕቢ ኣብ ሰራዊት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ

Read More →