Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ኢሳያስ ንምርዳእ ሳዳም ምንባብ

By   /  June 6, 2016  /  Comments Off on ኢሳያስ ንምርዳእ ሳዳም ምንባብ

    Print       Email

IAANDSAAቅድሚ ካብቲ ዒራቓዊ ውልቀመላኺ ሳዳም ሑሴን ዝወደቐሉ እዋን ኣብ ታሕሳስ 1990 ወተሃደራዊ ኮሚተ ቤት ምኽሪ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሓደ ብዛዕባ ባህርያትን ኣተሓሳባን እቲ መራሒ ዝምልከት ጸብጻብ ቀሪቡሎም ኔሩ። እቲ ጸብጻብ እቲ ኮሚተ ንሳዳም ሑሴን ብግቡእ ንኽርድኦን ብእኡ መጠን ንኽምድብን ዝሕግዝ’ዩ ኔሩ። ከም ኩሎም ከም ዕቡዳት ዝቝጸሩ ናይ ሕሉፍን ናይ ህሉውን ውልቀመለኽቲ ባህርያት፥ እቲ ዒራቓዊ መራሒ ኣብ ዓንኬል ኣንነትን ርእሰ ኣምልኾን፡ ኣብ ጥልመትን ቅትለትን፥ ራዕድን ንሱ ዝፈጥሮ ጭካኔን፥ ዝዘውር ንህዝቡን ንጐረባብቱን ናብ ሓደጋ መሪሑ ዝጠፍእ ምዃኑ’ዩ ካብቲ ጽሑፍ ብቐሊሉ ምርዳእ ዝከኣል።

እቲ ብዶክተር ጃሮድ ኤም ፖስት  ኣብ ታሕሳስ 1990 ዝቐረበ ጸብጻብ ኤርትራውያን ምስዝሰምዕዎ ከሰምብዶም ዝኽእል ብዙሕ ሓድሽ ነገር የብሉን። እቲ ኸገርም ዝኽእል እቲ ህዝቢ ዒራቕ ካብ 1970ታት ክሳብ 2003 ዝሓለፎ ውርደትን እታ ሃገር ኣብ ጐረባብታ ሃገራት ዝነበራ ምስልን ብሰንኪ ቅዳሕ ናይቲ ሕማም ዘለዎ ኻልእ ሰብ ኣብ ኤርትራ ይድገም ምህላዉ’ዩ። ነዚ ንምውድዳር ሓጺር ጽማቝ እቲ ጽሑፍ ምቕራብ የድሊ።

እቲ ጸብጻብ ኣመራርሓ ሳዳም ኣብቲ ቕድሚኡ ዝሓለፈ 20 ዓመት ምርዳእ ሚዛናዊ ገምጋም ብዛዕባ ኹነታት እታ ሃገር ንምርካብ ከምዝሕግዝ ይገልጽ። ቀጺሉ ድማ ንፖለቲካዊ ህይወት ሳዳም ሑሴን የዘንቱ።

ሳዳም ኣብ 1937 ኣብ ማእከላይ ዒራቕ ኣብ ጥቓ ከተማ ቲክሪት ክውለድ ከሎ፡ ኣቦኡ ኣብ ጥንሲ ኸሎ’ዩ ሞይቱ። ስለዚ ድማ ብልምዲ መሰረት ንኣዲኡ ሓወቦኡ ተመርዕይዋ። ብንእስነቱ ሓንሳብ ኣቦይ መንዩ ሓንሳብ ድማ ኣደይ ካብ ካልእ ወሊዳትኒ ዝብል ጎዳኢ ስምዒት ነይርዎ። እዚ ብንእስነቱ ዘጋጠሞ ሽግር ድማ ቀናእ፡ተጠማማቲ ጌርዎ። ከንብብን ክጽሕፍን ዝኽእል ሓደ ወዲ ኣኮኡ ወዲ ዓሰርተ ዓመት ከሎ ክበጽሕ ናብ ገዝኦም ምስመጸ፡ ብባህርያት ናይቲ ወዲኩኡ ቀኒኡን ተደኒቑን  ንስድራቤቱ ከምህርዎ ምስሓተቶም ኣየፍቀዱሉን። ስለዚ ድማ ናብ ቲክሪት እንዳ ወለዲ ኣዲኡ ለይቲ መሊቑ ሃደመ። ኣኩኡ ኸይረላህ ብፖለቲካዊ ትምህርቲ ኣሰልጢኑ ኣዕብይዎ።

እቲ ሕሉፍ ጽልኢ ፋርሳውያንን ኣይሁድን ስለዝነበሮ ነቶም ህዝብታት ምስ ሃመማ ዘመሳስሎም ዝነበረ ሳዳም፡ በቲ ኣኩኡ ዝነግሮ ዝነበረ ዛንታታት ጅጋኑ ኣዝዩ ይምሰጥ ስለዝነበረ፡ ንነብሱ ምስቲ ኣብ ጥንታዊት ባቢሎን ዝነበረ 586 ዓመታት ቅድሚ ልደት ክርስቶስ ንዮርሳሌም ወሪርዋ ዝነበረ ንጉስ ነቡካዳነጾርን ኣብ 1187 ካብ መስቀላውያን ኤውሮጳውያን ንዮርሳሌም ዘግደፈ ሳላሓዲንን የመሳስላ ነበረ። ጀማል ዓብደልናስር ኣብ ግብጺ ንእሽቶ ሰውራ መሪሑ ኣብ ስልጣን ምስደየበ፡ ንሳዳም ዘመናዊ መመሳሰሊ ዀይንሉ። ብኣብነት ጀማል ዓብደልናስር ተባራቲዑ ኣብ ዒራቕ ኣብ ዝነበረ ማሕበራዊ ሰልፊ ባዓስ ኣባል ኰይኑ፡ ነቶም መራሕቲ ናይቲ ሰልፊ ብፖለቲካዊ ተወፋይነቱ ኣደነቖም። ሳዳም ወዲ 22 ዓመት ምስኰነ ንቐዳማይ ሚኒስተር ዓብደልከሪም ቓስም ክቐትል ሓሙሽተ ሰባት ዝሓዘ ጉጅለ ተዋሂብዎ ተላእከ። እቲ ፈተነ ቕትለት ዕዉት ስለዘይነበረ ግን ናብ ግብጺ ክስደድ ተገደደ። በቲ ዝነበሮ ናይ ሰልፊ ባዓስ ተፈላጥነትን ፖለቲካዊ ንጥፈቱ ኣብ ናይ ግብጺ ሰልፊ ባዓስ ኣብ ሓጺር ግዜ ሓላፋነታት ክወሃቦ ክሳብ ዝበቅዕ ፍሉጥ ኰነ። ኣብ 1963 ዓብደልከሪም ቓስም ተኣልዩ ናብ ዒራቕ ምስተመልሰ፡ ስነሓሳባዊ መራሒ ናይ ሰልፊ ባዓስ ዒራቕ ዝነበረ ሚሸል ኣፍላቕ ነታ ሰልፊ ኣብ ዓለም ዝበለጸት ሰልፊ፡ ሳዳም ከኣ ክትክኦ ዝኽእል ዝበለጸ ሰብ ምዃኑ ይገልጽ ነበረ።

ንኹሎም ኣዕራብ ክመርሖም ዝኽእል ሓደ ሰብ ምዃኑን፡ እቲ ሰብ ባዕሉ ምዃኑን ይኣምን ስለዝነበረ፡ ሓፊዝ ኣልኣሰድ ሰልፊ ባዓስ መሪሑ ኣብ ሶርያ ምስተዓወተ ኣዝዩ ስልለዘቐንኣሉ፡ ኣብ ናይ 1966 ኣብ ዒራቕ ዝተገብረ ኣኼባ ሰልፊ ባዓስ ንሓፊዝ ኣልኣሰድ ብዘረባ ተናኽዩ ባእሲ ፈጠረ። እቲ በቲ መኽንያት ዝተፈጥረ ፍሕፋሐ ናይ ክልቲአን ሃገረት ሰልፍታት ባዓስ ክሳዕ መወዳእታ ብኸምኡ ቐጺሉ።

ኣብ 1968 ብምስጢራዊ ሓገዝ ሓላፊ ወተሃደራዊ ስለያ ዓብደረሳዝ ኣል-ናየፍ ዕልዋ ጌሩ ምስተዓወተ፡ ከም ኣምሳያ ውዕለት ኣል-ናየፍ ኣብ ውሽጢ ኽልተ ሰሙን ተታሒዙ ካብ ሃገር ክስጐጕ ኣዚዙ፡ ድሕሪ ግዜ ኸኣ ኣብቲ ዘለዎ ቦታ ክቕተል ኣዚዙ። እዛ ቐዳመይቲ ጥልመት ሳዳም መግለጺት ጠቕላላ ካብቲ እዋን ዝሰዓበ ባህርያቱን ባህርያት ብዙሓት ውልቀመለኽትን’ያ። ተወፋይነትን ተኣማንነትን ንሳዳም ኣገደስቲ ኣይነበሩን። ኣብ ዘድልየሉ እዋን ሳዳም ንእሙናትን ንውፉያትን ከም ድላዩ ከጥፍኦም ይኽእል። ነዚ ንምግባር ሳዳም ዓው ኢሉ ሰውራ ከምኡ ዝኣመሰለ ኣድላይነት ከምዘገድድ ይገልጽ ነበረ።

ኣብ ቅድሚ’ቲ ቃልሲ መድሓኒ ኢሉ ዝሓስቦ ዝነበረ ጉዕዞኡ ዝዀነ ይኹን ዕንቅፋት ክርከብ ኣይክእልን’ዩ። ንገዛእ ርእሱ ብኸመይ ይርእያ ኸምዝነበረ ዘረድእ ካብቲ 6 ነሓሰ 1990 መልእኽቲ መዓልቲ ዓወት ኢሉ ዘቕረቦ መደረ ርኣይ ኣኻሊ’ዩ። ኣብቲ መግለጺ ብዛዕባ ኽብርታትን ጅግንነትን ብዙሕ ድሕሪ ምዝራብ፡ እታ መዓልቲ ዓወት ካብ ንጽህቲ ወይ ድንግል ኣደን ካብ ግቡእ ኣቦን ዝተወልደት መዓልቲ ዓወት ምዃና ብምግላጽ ነገዛእ ርእሱ መለኮታዊ ምስሊ የልብስ። ኣብቲ መደረ ብዙሕ ከይጸንሐ ብዛዕባ እቶም ዓወት ዝምልከቶምን ኣብ ጥርዚ ዕቤት ክበጽሑ ዝግብኦምን በቶም ንዑቓት ክሰዓሩ ኸምዘይብሎም ይዛረብ።ሳዳም ንገዘፍቲ ሓይልታት ብምጽራፍ ነብሶም ማዕረ ዝኾነት ስለዝመስሎ ዝነበረ ወትሩ ጎሊሖም ንዝረኣዩ ሃገራት ይኹኑ ምሁራት ወይ ተመራመርቲ ምንእኣስን ምዝላፍን ካብቲ ባህ ዝብሎ ዝነበረ ተግባራት እዩ።

ሳዳም ሑሴን ኣብ ሓሳቡ ዝጸንዕ፡ ዘይልወጥ ባህርያት ዘለዎን ክመስል ይፍትን’ኳ እንተነበረ፡ ንነብሱ ንምሕጋዝ ሓሳባቱ ክቕይር ፈጺሙ ድሕር ኣይብልን’ዩ ኔሩ። ብዙሕ ግዜ ኣብቲ ዝሓዞ ሓሳብ ከይተለወጠ ዝኸይድ፡ ለውጢ እንተገጠሞ ብዛዕባ ትክክልነት ሓሳባቱ ከም ተወሳኺ መተኣማመኒ ቘጺሩ መሊሱ ነቲ ጉዳይ ኣድሂቡ ኽቃለሰሉ ዝድፋእ ሰብ’ዩ ኔሩ። እንተዀነ እቲ ዝሰዓበ ውጽኢታት ኣብ ነዊሕ እዋን ተጋግዩ ኸምዝነበረ ዘርእዮ ምስኰነ፡ ተጋግዩ ኸምዝነበረ ከይኣመነ ምስቲ ሓድሽ ኩነታት ይጕዓዝ ነበረ። ነዚ ከም መርኣያ ጌጋኡ ዘይኰነ፡ ከም መርኣያ ተዓጻጻፍነቱ ይርእዮ ነበረ።

ሳዳም ብዙሕ ኣህጉራዊ ተመኵሮ ዘይነበሮ፡ ዝነውሐ ምስዘይኣዕራብ ዝቐረቦ ምስ ሶቭየታውያን ኣማኸርቱን ሓደ እዋን ኣብ 1976 ናብ ፈረንሳ ኸምዝተጓዕዘ እትግለጽ መገሻኡን ጥራይ’ዩ። ምስቲ ዝነበሮ ዋሕዲ ተመኵሮ ኣህጉራዊ ፖለቲካ፡ ኣብ ዙርያኡ ዝነበሩ ኩሎም እቶም ካብ ጭካነኡ ዝተረፉ መቀባጠርቲ ጥራይ ስለዝነበሩ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባኡ ሚዛን ክሕዝ ኣይክእልን’ዩ ኔሩ። ነቐፌታን ክድዓትን ሓዋዊሱ ስለዝርእዮም ርእይቶኡ ክህብ ዝደፍር በዓል ስልጣን ብህይወት ኣይቅጽልን’ዩ። ኣብ 1979 ንመሪሕነት ዒራቕ ምሉእ ብምሉእ ምስተቘጻጸሮ፡ ቀዳማይ ዝፈጸሞ ሓሳብ ምቕታል 21 ተኣማንነቶም ዘጠራጠሮ ፖለቲከኛታት’ዩ። ኣብ ፈለማ ዓመታት ፕረሲደንትነቱ፡ 500 ኣባላት ዴሳዊ ሰልፊ ኣለልዩ ንላዕለዎት ሓለፍቲ ረሸንቲ መሳርዕ ኣቚሞም ክቐትልዎም ኣዚዙ። እቲ ብጭካነኡን በቲ ጸቢብ ኣህጉራዊ ተመኵሮኡን ዝሰዓበ ድሩት ኣተሓሳስባኡ ብዙሕ ግዜ ንነገራት ጠምዚዙ ኽርእዮምን ዓበይቲ ጌጋታት ክፍጽምን ይግድዶ ኔሩ። ሳዳም ዝምነዮ ዕቤት ስልጣን ጫፍ ኣይነበሮን። ኣብ ኣእምሮኡ ዕምሩን ዕምሪ ዒራቕን ሓደን ዘይፈላለን’ዩ ኔሩ። ሰውራዊ ሕልሚ ሰልፊ ባዓስ ኣብ ግብሪ ዝገሃድ ኩሎም ኣዕራብ ሓደ ሓያል መራሒ ምስዝረኽቡ’ዩ፡ እቲ መራሒ ሳዳም ምዃኑ ድማ ብዘይጥርጥር ርጉጽ’ዩ ዝሓስቦ ኔሩ። ነቲ ባዕሉ ዝተሓርየ መድሓኒ ዝገብሮ ዝነበረ ኣተሓሳባን ዕላማታቱን ንምትግባር ክፍጽሞ ዝደሊ ዘበለ፡ ሕልንኡ ኣይዓግቶን’ዩ። ከየጕህዮ ዝደልዮ ሓደ ወገን እንተኔሩ ሳዳም ሑሴን ጥራይ’ዩ።

ደጋዊ ርጉእን ሓያልን ከምስሎ ዝጽዕር ባህርያቱ ነቲ ኣብ ውሽጡ ዝነበረ ዘይውዳእ ፍርህን ራዕድን ክሽፍን’ዩ ዝጥቀመሉ ኔሩ። ተጨባጢ ሓደጋ ይሃሉ ኣይሃሉ፡ ኣንጻሩ ዝእለም ተንኰል ኣዝዩ ዓቢ ምዃኑን መወዳእታ ኸምዘይብሉን ስለዝኣምን፡ ፖለቲካዊ ፖሊሲታቱ በቲ ናይ ራዕዲ ጥርጣረ ይምራሕ ነበረ። እቶም ዝቐርብዎ እሙናት ሚኒስተራቱ ነቲ ኣተሓሳባኡ ስለዝረዓምዎ ዝተሓርዩ ወይውን ንፖለቲካዊ ህላወኦም ክብሉ እወ እወ እናበሉ ዘቃባጥሩ ስለዝነበሩ፡ ብዛዕባ’ቲ ኢራን፡ ኣመሪካን እስራኤልን ተማሳጢረን ኸጥፍእኦም ዝሓስባሉ ዝነበራ ሕቡእ መደብ ፈጺሙ ኣይጠራጠርን ነበረ። ብሳዳምን ናይ ዜና ሚኒስተሩን ዝጽሎ ማዕከናት ዜና ነቲ ኣብ ልቢ ሳዳም ዝነበረ ናይ ደገ ራዕዲ ናብ ህዝቢ ይፍንዎ ነበረ።

ንሳዳም ሑሴን ዝገልጽኦ ንፖለቲካዊ ኣተሓሳስባኡ ዘቘማ መኽንያታት ንጹራት’የን ኔረን። ንገዛእ ርእሱ ከም መለኮታዊ መድሓኒ ቈጺሩ መወዳእታ ዘይብሉ ሓይልን ስልጣንን ምምናዩ፡ ሕልናኡ ዝጠለሞ ምንባሩ፡ መዕገቲ ዘይብሉ ጐነጽ ይፈቱ ምንባሩ፡ ከምኡውን ኩሉ ሳዕ ብፍርሒ ዝረዓደ ሰብ ምንባሩ’ዩ ፖለቲካዊ ባህራቱን ፖለቲካዊ ህይወት ዒራቕ ኣብ እዋኑን ዝጸሉ ኔሩ። እዞም ባህርያታት እዚኦም ድማ’ዮም ንሳዳም ሑሴን፡ ንሃገሩ ይኹን ንኻልኦት ሃገራት ኣዝዩ ሓደገኛ ሰብ ዝገብርዎ ኔሮም። ዓቕሚ ክህልዎ ኸሎ ስጉምቲ ክወስድ ድሕር ዘይብል፡ ምስዘይደልዎ ኸኣ ኣንፈቱ ቐይሩ ክሳዕ ዝጥዕሞ ብዓቕሊ ዝጽበ፡ ምእላም ተንኰልን ዘይገድፍ፡ ዝሓሰቦ ኽፉእ ዘይርስዕ፡ ንእሽቶ በደል ዘይርስዕ፡ ንኹሉ ዝርዝር ብደቂቕ ተኸታቲሉ ዝምድብ ሰብ ስለዝነበረ’ዩ ንኽንድኡ ዝኣክል ዓመታት ኣብ ስልጣን ክጸንሕ ክኢሉ።

ኣብ ሰማንያታት ኣድህቦ ዓለም ናብኡ ምስኰነ፡ እቲ ክብሪ ንምርካብ ዘለዎ ሸውሃት ሰፊሑ ስለዝተኸፍተ፡ ነቶም ኣንጻር ምዕራባውያን ደው ከምዝበለ እናሓሰቡ ዝድነቑሉ ኣዕራብ መሊሱ ምእንቲ ከደንቖም፡ ፖለቲካዊ ባህርያቱ እናኸፍአ ኸይዱ። ንመስዋእቲ ድሉው ዝዀነ ጅግና ናይ ምምሳል ብርቱዕ ድሌት’ኳ እንተነበሮ፡ ንገዛእ ርእሱ ኽስውእ፡ ወይ ውን ካብ ስልጣኑ ዋጋ ክኸፍል ግን ድሉው ኣይነበረን። ብቓላቱ ንነብሱ ግብራዊ መራሒ ሰውራ እዩ ዝብላ ኔሩ።

ንሳዳም ልዕሊ ኹሉ ዘገድሶ ንነብሱ ከም ህቡብ ፖለቲከኛ ምቕራብ ስለዝዀነ ዝወስዶ ውሳኔታት ሰባት ከመይ ክሓስብዎ ከምዝኽእሉ እናዓቀነ ዝበጽሖ’ዩ። መህደሚ እንተረኺቡ፡ ክሳዕ’ታ ናይ መወዳእታ ድፋዕ ኣይጽበን’ዩ። መሕለፍን መህደምን እንተስኢኑ ግና ኣዝዩ ሓደገኛ ክኸውንን ዝከኣሎ ዘበለ ዘዕኑን ሰብ’ዩ። እቲ ዘለዎ ህቡብነት ኢሉ ዝሓስቦ ኣብ ሓደጋ ዝኣተወ እንተመሲልዎ፡ ተጠማቲ ንምዃን ዘይተኣደነ ሓደጋ ኸውርድ ብደምን ብዕንወትን ዝመልአ መፋነዊ ኽገብር ዝመርጽ ሰብ’ዩ።

 

    Print       Email

You might also like...

_106539_eritrea300

ንኡስ ምልክታት ናዕቢ ኣብ ሰራዊት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ

Read More →