Loading...
You are here:  Home  >  Columns  >  Current Article

ንጽባሕ ዝኸውን ለውጢ፡ ንጽባሕ ብዝኸውን ሓሳብ

By   /  June 6, 2016  /  Comments Off on ንጽባሕ ዝኸውን ለውጢ፡ ንጽባሕ ብዝኸውን ሓሳብ

    Print       Email

ንስልጣንን ምእካብ ገንዘብን እንተዘይኰይኑ ኣብ ኤርትራ ስልጣን ሒዙ ክቕጽል ካልእ መደብ ዘይብሉ ኣብ ኤርትራ ህዝቢ መሊኹ ዘሎ ጉጅለ ኣብ ባይታ ዝጭበጥ ሓይሊ ብምቕማጥ ቀጻልነት ከውሕስ ብዙሕ ይጽገም። ኣብ ባይታ ዝህሉ ዝዀነ ይዅን ተምሳል ስሩዕ መንግስቲ ውዒሉ ሓዲሩ ነቲ ምልካዊ ሓይሊ ሓደጋ ክዀኖ ስለዝኽእል፡ ምልካውያን መንግስታት ንኹሉ ዓቕምታት ሃገር ከዳኽምዎ ከም ግዴታ ይወስድዎ። ኣብ መወዳእታ ኸኣ እቲ ዝፈጠርዎ ድኻም ናብ ርእሶም ተገምጢሉ ቀንዲ መኽንያት ምእላዮም ይኸውን። ነዚ ተኽእሎታት’ዚ ብዝግባእ ስለዝርድእዎ ድማ’ዮም ንደጋዊ ዓቕሚ ሃገር እናዳኸሙ፡ ንኣእምሮ ሓፋሽ ክዕዝሙ ውሁድ ሜላ ዝኽተል ዘመተ ዘካይዱ ጉጅለ መለኽቲ።

ሓፋሽ ንምዕዛም ዘኽእል ልሙድን ቀዳማይ ሜላ፡ ህዝቢ ካብ ትሕቲ’ቲ ዘሎ ገዛኢ ወይ ዓማጺ ምስዝወጽእ ሃገሩ ኸማሓድር ዓቕሚ ኸምዘይብሉን፡ በይኑ መጻኢኡ ክውስን ዝኽእለሉ ኩነታት ምስዝፍጠር ንጥፍኣቱ ከምዝዀነን ምእማን’ዩ። ኣብ ብዙሕ ድሕረመግዛእታዊ ኩነታት ሳልሳይ ዓለም ነቲ ዝረኸብዎ ናጽነት ናብ ገዛእቶም ክምለሱሉ ዝተደናደኑሉ እዋናት ኔሩ’ዩ። ነቲ ዝገጠሞም ብድሆታት ከከም ኣመጻጽኣኡ እናገጠምካ ክንዲ ምስጓም፡ ዝፍጠሩ ጸገማት ከም ውጽኢት ብኩራት ገዛእቲ ወይ ዓመጽቲ ጉጅለታት ዝርኣየሉ ኹነታት ብዙሕ ጊዘ ተራእዩ’ዩ። ኩሎም ደጋውያን ገዛእቲ ይኹኑ ውሽጣውያን ዓመጽቲ ብዘይካ ኣብ ኣእምሮ ሓፋሽ ዝህልዎም ምልክን ተማእዛዝነት ህዝብን ካልእ ሓይሊ ኸምዘይብሎም ስለዝፈልጡ ቀንዲ ኲናቶም ኣብኡ ይኸውን። ንኣእምሮ ሓፋሽን ክውክልዎ ዝኽእሉን ምድንቋር ዕርዲ ርሻናት ስልጣኖም ኰይኑ ንመለኽቲ ዘይትንከፉ ኣምሲሉ የናብሮም።

ኣብ ኤርትራ ስልጣን ህዝቢ ንበይኑ ብሒቱ ዘሎ ጉጅለ ንሓጋግን ፈራድን ኣካል ኣፍሪሱ፡ ንተግባሪ ኣካል ብጽኑዕ ምቁጽጻር ኣልሚሱ፥ ሰበስልጣን ፈጻሚ ኣካላት ትርጉም ናብ ዘይብሎም መመላከዕቲ ብዙሕነት ተቐይሮም ናይ ባምቡላ ተራ ከምዝህልዎም ብምግባር ኣብ ሃገር ዝነበረ ኩሉ ተምሳል ብዙሕነትን ውክልናን ድምጽን ውሳኔን ቀቲሉ ነዚ ዘሎ ናይ 4 ሰባት ስርዓት ፈጢርዎ ዘሎ። ኣብ ኤርትራ ኻብ ዘጋጠሙ ሓደጋታት ዝዓበየ፡ እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ ባህልን ክብርታትን ኣነባብራን ሕብረተሰብ ኤርትራ ዘስገደዶ ማህሰይቲ’ዩ። ኣብ መግዛእታዊ ኣካይዳ ተመርኲሱ ንሓፋሽ ዘእመኖ ትንታነ ተኽእሎታት መጻኢ ካብ ንሓድሕዱ ዝገድድ ሕማቕ ስለዝዀነ’ዩ ኣታሊልሉ ኽነ ብር ከምዝኽእል ዝተኣማመን። እቲ ኣብ ኤርትራ ኣብ ስልጣን ዘሎ ጉጅለ ባዕሉ ዝዘረጎ ስጡም ማሕበረ-ቑጠባዊ ቅርጺ፡ ብኻልኦት ዝተፈጥረ ከምዝዀነን፡ ኣጻብዑ ኣዋጢሩ ኽጭብጦ ኸምዝተገደደን እናምሰለ፡ ካልኦት ነቲ ዝተዘርገ ኹነታት ክኣልይዎ ኸምዘይክእሉ ክሰብኽ ብብዙሕ ሜላታት ተጠቒሙ። ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ ብኣእምሮ ተገዛእነት ዝሰዓረሉ፡ ውሑዳት ተኣምራታውያን ፋሉላት እንተዘይኰይኖም፡ ካልእ ዜጋታት’ታ ሃገር ንመሪሕነት ብቑዓት ከምዘይኰኑ ዘእምን ዝተናውሐ ውዱብ ዘመተ ብምክያድ፡ መረጋገጺ ምንዋሕ ስልጣን ከንጽፍ ሰሪሑ። ሰባት ሕዱርን ተፈጥሮኣዊ ዝዀነን መሰረታዊ ፍልልያት ከምዘለዎም ኣእሚንካ፡ ሒደት ዘመናውያን መሳፍንቲ እንተዘይኰይኖም ካልእ ኩሉ ኽግብረሎም ዘስገደድዎ ዓዃይ ጣቋን ጥበብን መሪሕነት ከምዘይብሉ ከእምኑ ኸለዉ፡ ንመሰረታዊ መንፈስ ናጽነት ዜጋታት’ዮም ቀቲሎም። ንኣነባብራ ሕብረተሰብ ኣብ ዝተናውሐ እዋን ብምጽራር፡ ነቲ ብዘመናት ዝተተኽለ ኣዐዋቲ ኣተሓሳስባ ባዶሽ ኣምሲልካ፡ ንሓደስቲ ሰማዕቲ ዝምስጥ፡ ምስተቘጽረ ዝውሓጥ ዘይብሉ ከንቱ ሃለውለው ከም ጥበብ ናብ ብዙሕ ክፋል ሕብረተሰብ ዘርጊሖሞ። ብሓጺሩ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ መላኺ ጥራይ እዩ ክነብር ዝኽእል ዝብል ጎስጓስ ብዝተራቐቐ መንገዲ ክዝርጋሕ ጸኒሑ ኣሎ። እቶም ስለኻ ተቓሊስና ዝብልዎ ንህዝቢ ኤርትራ ከምዝኢ ክግምትዎ ምርኣይ ድማ ኣእምሮ መላእ ሕብረተሰብ ዝጎድእ ንዕቀትይ። ካብኡ ንላዕሊ ዘሕዝን ግን እቶም ብዘይ መላኺ ክንነብር ኣይንኽእልን ዝብሉ ንነብሶም ናብ ናይ ውርደት ማዓሙቕ ኣጥሒሎም ንኻልኦት ዝጉስጉሱ እዮም። ሰብ ንሓርነቱን ክብረቱን እምበር ንዓመጹን ጭፍለቕኡን ክሟገት ምርኣይ ዘገርም ስለዝኾነ ድማ ነቲ ምጉት ዘሕዝን ይገብሮ።

ምስቲ ኣብ ልዕሊ ኣተሓሳስባ ዜጋታት’ዛ ሃገር ዝፍኖ መጥቃዕቲ፡ ጐድኒ-ጐድኑ ዝጕዓዝ ምድኻም መሓውራት ሃገርን መንግስትን ንምርግጋጽ ዘመናዊ መስፍንነት ምሉእ ይገብሮ። እቲ ንህዝቢ ሓይሊ ኸምዘይብሉ፡ ሃገሩ ብዘይ’ቲ ጸቢብ ጉጅለ ክትነብር ክትሽገር ምዃና ዘእምን ዘመተ፡ ምስቶም ካልኦት ናይ ሽበራን ራዕድን ዘመተታት ተተራኣሲን ተደጋጋፍን’ዩ። ነቲ ግብራዊ መሓውራት መንግስቲ ብምድኻም፡ ሕብረተሰብ ብርጉእ መገዲ ክነብር ዝሽገለረሉ ኩነታት ይፍጠር። ብፋሉልነት መንግስትን፡ ምርባሽ ቁጠባን ዝስዕብ ቀውሲ ተጋዲዱ ሃገር ደው ክትብል ዘሸግራ ዝመስል ኩነት ይፍጠር። ነቲ ኹነታት ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ብኣዋጃትን ብሕቡኣት መስርሓትን እናረበሽካ ህዝቢ ብቐጥታ መሰረቱ ኽትንትኖ ዘይክእል ቀውሲ ይፍጠር። ኣቐዲሞም መሰረት ዝተነጽፈሎም እናጸንሑ ጽልዋኦም ዝብርትዕ ዘይቀጥታውያን ዝመስሉ ረቛሕቲ ይውሰኽዎ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኹነታት፡ ባዕሉ ኣብ ዝፈጠሮ ቐውሲ፡ ባዕሉ መድሓኒ ዀይኑ ጸገም እናመሓደረ ወሓለ ብምምሳል ክገዝእ ዝተጣበበ ጉጅለውን፡ ኣብ ምንዋሕ ግዜ ንገዛእ ርእሱ ተደናጊሩ ነቲ ምስሩሕ ኩነት ከም ተፈጥሮኣዊ ውሁብነት ዝወስደሉ ግዜውን የጋጥም።

እቲ መላኺ ጉጅለ ኣብ ገለ ኽፋል መሪሕነት ከይተረፈ ዘስረጾ ኣተሓሳስባ፡ ቀንዲ ዕንቅፋት ኣንጻር ለውጢ’ዩ። ንምሕደራ ሃገር ካብ ዓቕሚ ሰብ ወጻኢ ዓቕሚ ዘለዎም ሒደት ናይ ርሑቕ ሕብረተሰብ ይኹኑ ናይ ቀረባ ውልቀሰባት ጥራይ ከምዝኽእልዎ ምእማን ዝኸፍአ ሓደጋ ዝዀነ ይኹን መግዛእቲ’ዩ። ዓቕሚ ሃገራዊ ሰራዊትን ፖሊስን ኣድኪምካ፡ ናይ ጸጥታን ስለያን መሓውር ኣብ ክንዲ ንድሕነት ሃገር ንስልጣን ውሑዳት ክሕልዉ ዝግድድ ሜላ ኣብ ዘለዎ ሃገር ንዘሎ ኹነታት ብምትንታን ናይ መጻኢ ተኽሎታት ምምዛን ዘይከኣል ይገብሮ። መላኺ ኣብ ዝፈጠሮ ኹነታት ንርብዒ ዘመን ኣብ ዝተመርሐ ሕብረተሰብ ዝህሉ ስነ-ምንቅስቓስ ብምርኣይ መጻኢ ምትንባይ ኣይከኣልን’ዩ። ኣብ መንጎ መብዛሕትአን ሃገራት ሳልሳይ ዓለምን ኤርትራን ዘሎ ፍልልይ፡ እተን ካልኦት ሃገራት ነቲ ገዛእቲ ዝሓሹ ኣመሓደርቲ ምዃኖም ዘእምን ሕማም ገዲፈን ክሓውያ ይቃረባሉ ኣብ ዘለዋሉ ምእታው ካልኣይ ርብዒ 20 ኽፍለዘመን፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጉጅለ ነቲ ሕማም ኣብ ህዝቡ የተኣታትዎ ምህላዉ’ዩ። እቶም ነቲ ለበዳ ምርሳዕ መንነት ዘበገሱ መንግስታትን ይኹኑ ጉጅለታት ኣብ ዝእለዩሉ እቲ ሕማም ብቐሊሉ ምስኦም ስለዘይእለ፡ ሕብረተሰባት ንነዊሕ ዓመታት በቲ ሕማም ክማስኑ ይኽእሉ። እንተዀነ ኣብ ኤርትራ፡ ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ሕማም ዝኣሊ ፈውሲ ኣብ እዋን ቃልሲ ብሓባራዊ ተሳታፍነት ኩሉ ሓፋሽ ተረጋጊጹ’ዩ። ሰለዚ ድማ፡ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ኣነባብራ ኣቦሓጎታቱ ክሳዕ’ቲ ኣብ እዋን ቃልስን ምርግጋጽ ናጽነት ብረፈረንዱምን ዘርኣዮ ሕብረት ድምጹ ብምዝካር፡ ነቶም ኣብ ዝሓለፈ ኽፍለዘመን ይኹን ኣብዚ እዋን ብገዛእትን ብውሽጣውያን ዓመጽትን ዝተተኽሉ ዕንቅፋታት ኣለልዩ ኽጕዓዝ የድልዮ።

ኣብዚ ዘለናዮ ኣብ መንጎ ብጸቢብ ጉጅለ ዝካየድ ሃገራዊ መግዛእቲን ኣብ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ዝርአ ዘሎ ተበግሶ ንለውጥን ኴንካ፡ ኣብ ናይ ዝሓለፈ ዕስራ ዓመታት ናይ ጽባሕ ኩነታት ምንባይ ኣዝዩ ኣሸጋሪ’ዩ። ዝዀነ ይኹን ብዛዕባ ጽባሕ ዝሕሰብ፡ ኣብቲ ናይ ጽባሕ ናጽነታትን ራህዋታትን ዝፈጥሮ ኹነታት ኴንካ ክሕሰብ ይግባእ። ስልጣን ብብሕቲ ወኒኖም ዝጸንሑ ነቢያት ሓሶት ኣብ ባይታ ዘይእርነብ ዝመስል ኩነታት ብምምስራሕ፡ ነቲ ብሰንኩ ዝስዕብ ዝመደብዎ መጻኢ ከም ድንቂ ትንቢት ኣምሲሎም እናገለጹ፡ ንሓፋሽ ካብቲ ዝነብረሉ ዘሎ ናይ ራዕዲ ኹነት ዝብርትዕ ናይ መጻኢ ራዕዲ ክፈጥሩሉ ጽዒሮም። ህዝቢ ኤርትራ ንልዕሊ ሓደ ኽፍለ ዘመን መግዛእትን ውሽጣዊ ጭኰናን ተጻዊሩ፡ ከምዚ ዘለዎ ሓያል ህዝቢ ኰይኑ ኽጸንሕ ምኽኣሉ ኣዝዩ ድንቅን ተኣምራታውን ነገር’ዩ። ስለዚ ድማ’ዩ ነቲ ኣብ ሃገር ዘሎ ኹነታት ብምርኣይ ናይ ጽባሕ ኣተሓሳስባ ሓፋሽ ምምዛን ዘይከኣል። ኩሎም ኣብ ሃገር ንህዝቢ ዝኸውን ጽቡቕ ለውጢ ዝደልዩ ሰባት ተፈጥሮ ዝህቦም ሓደ ሓላፍነት እንተሃልዩ፡ ንህዝቢ ኤርትራ በቲ መሰረታዊ መንነቱ እምበር፡ ንልዕሊ ሓደ ኽፍለ ዘመን ዝተፈላለየ ሓደጋታት ዝፈጠሮም ተጻረርቱ ምስኣጥቅዕዎ ዝሓለፎ ቓልሲ ዝገደፎ በሰላታት ብምርኣይ ኣይኰነን ከመዝንዎ ዝግባእ።

ኣብ ኤርትራ ለውጢ ኽመጽእ ብኹሉ ዅርንዓት ተበግሶታት ኣብ ዝርኣየሉ ዘሎ እዋን፡ ቀንዲ ጸላኢ ሓፋሽ እቲ ኣብ ሃገር ዘሎ መላኺ ጉጅለ ዘይኰነ፡ ኣቐዲሙ ተፊእዎ ዝጸንሐ ናብ ኣተሓሳስባ ብዙሓት ዝሰረጸ መርዛም ርእዮተ-ዓለም’ዩ። ዝዀነ ይኹን ለውጢ ዝደሊ ሰብ፡ ነቲ ኣብ ሃገር ዘሎ ዓመጽ ኣብ ውሽጡ ኸይሰዓረ ንደጋዊ ዓመጽ ክስዕር ክሽገር ይኽእል። ነቶም ደጋውያን ምልክታት ዓመጽ እንተኣለዮም’ውን ምሉእ ብምሉእ ክዕወት ስለዘጸግም፡ እቲ ኣብ ውሽጡ ብግርህነት ዘቐመጦ ብዓመጽቲ ዝተበገሰ ክኸውን ዝኽእል ምትሓት ንለውጢ ዝኸውን ዓቕሚን ልቦናን ሓፋሽ ክስዕሮ ይግባእ። ዓመጽ ኣብ ኣእምሮን ልብን ሓፋሽ እንተተሳዒሩ፡ ኣብ ደገ ብብረት ይኹን ብምፍርራሕ ደው ስለዘይብል፡ እቲ ቐዳማይ ንለውጢ ዝኸውን ቃልሲ ኣብ ውሽጢ ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ዝካየድ ምስራዕ ዕዉት ርእዮተ-ዓለም’ዩ። መሰረት ኩሉ ነባሪት ኤርትራ በርቲዓ እትብገሰሉ መገድታት ምምዕባል ዕዉት ኣተሓሳስባ ሓፋሽ ስለዝዀነ፡ ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ንተኽእሎታት መጻኢ ኣዕሚቑ ከስተንትነሉን፡ እቲ መገዲ ዝብጽሓሉ ኣገባባት ብሓልዮት ክዝትን የድልዮ። ብስምምዕ ኣሕዋት ኣብ ዝርህዋ ሃገር፡ ዝዀነ ይኹን ዜጋ በቲ ንሕብረተሰቡ ዘጋጥሞ ኹሉ ስለዝጽሎ፡ ካብ ሎሚ ኣትሒዙ ነቲ ዘለዎ ሓባራዊ ናጽነትን ረብሓታቱን ዝረጋገጸሉ ደጋዊ ሜላን ውሽጣዊ ባህርያትን ከማዕብልን ከዕብን ክሰርሕ ይግብኦ።

ኣብ ኤርትራ ዝመጽእ ለውጢ ሳላ’ቲ ጭዋ ባህሊ ኩሉ ኽፋላት ህዝቢ ኤርትራ፡ ብውልቀሰባት እናተመሓደረ ዘይኰነ፡ ብተሳትፎን ወፈራን ኩሎም ኣሕዋት ዝረጋገጽ’ዩ። ንኹሉ ደጋዊ ይኹን ውሽጣዊ ዕንቅፋታት ብምስጋር፡ ፍልልይ ርእይቶ ኣሕዋት መዕመቚ ሓባራዊ ልቦና ምዃኑ ብምዝካር ዝብገስ ናይ ለውጢ ጉዕዞ፡ ኹሎም ሸነኻት ህዝቢ ኤርትራ ዝኣምኑሉ ብልቦናን ብሓባራዊ ወፈራን ዝመጽእ ለውጢ ክኸውን’ዩ። ለውጢ እንተመጺኡ ወይ ኢሳያስ እንተተኣልዩ ህዝቢ ኤርትራ ክበታተን እዩ ዝብል መርዚ ንምንዋሕ ስልጣን ተባሂሉ ኮነ ኢልካ በቲ ጉጅለን መላኺን ዝተሰነዐ ሓሳብ ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ ይትረፍ ነዚ ባዕሉ ዝወለዶን ዘዕኮኾን ዘዕበዮን መላኺ ካብ ስግር ባሕሪ መጺኡ ውን ሓድነቱ ዝተፈታተኖ ልዕለ ሓይልታት ቅድም ቅድሚ 75 ዓመታት ንጹግ ሙኻኑ ነጊሩ። ህዝቢ ኤርትራ ይትረፍ ነንሕድሕዱ ነቶም ክሳብ 23 ግንቦት ዝሓርድዎን ዝቐትልዎን ዝነበሩ ወተሃደራት ደርግ ውን ካብ ኣስመራ ክሳብ መረብ በቲ ሓደውብገን ካብ ኣስመራ ክሳብ ተሰነይ ድማ በቲ ካልእ መስመር ማይ እንዳስተየ እዩ ንዓዶም ኣፋኒዎም። ከምዚ ንዝኣመሰለ ህዝቢ ድሕሪ ለውጢ ክበታተንዩ ኢሉ ምስትንዕቑ እቲ ጉጅለ ካብቲ ሕጂ ዝፍጽሞ ዘሎ ዘይንእስ ዓመጻዊ ኣተሓሳስባ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ የስገድድ ከምዝችችሎ ዘገንዝብዩ። ህዝቢ ኤርትራ ልዕሊ መላኺን ኣምለኽቲ ምልክን እዩ።

    Print       Email

You might also like...

Human brain research and memory loss as symbol of alzheimer's concept with missing pieces of the puzzle

ምድዕሳስ ኣእምሮ (Senility) መራሕቲ፡ሓደገኛ ክስተት ንሃገራት

Read More →