Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጲያን ንውግእ ከቢድ ምድላዋት ይገብሩ ምህላዎም ተገሊጹ፥ መድረኽ ንሃገራዊ ዘተ ደጊሙ ክልቲኦም መንግስታት ካብ ስነመጎት ኩናት ክርሕቁ ኣተሓሳሲቡ።

By   /  June 20, 2016  /  Comments Off on ሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጲያን ንውግእ ከቢድ ምድላዋት ይገብሩ ምህላዎም ተገሊጹ፥ መድረኽ ንሃገራዊ ዘተ ደጊሙ ክልቲኦም መንግስታት ካብ ስነመጎት ኩናት ክርሕቁ ኣተሓሳሲቡ።

    Print       Email

ሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጲያን ኣብ ዶባት ከቢድ ናይ ኩናት ምድላዋት ይገብሩ ምህላዎም ይሕበር ኣሎ። ድሕሪቲ ድሕሪሪ ዕለት 11 ዝተኻየደ ግጭት ኩሎም ንዕኡ ስዒቦም ዝመጹ ዘለዉ ምልክታት ኩናት ናይ ምግታእ ኣንፈት ዘለዎም ከምዘይይኮኑ ዝሓበሩ ምንጭታት ምድራብ ሰራዊትን ምኽታት ኣጽዋርን ብኽልቲኡ ወገን ይካየድ ምህላዉ ተገሊጹ።

መ ንግስቲ ኢትዮጲያ ናይ ነፈርቲ እዙ ካብ ደብረዘይት ናብ ከባቢታት ትግራይ ኣግዒዝዎ ምህላዉ ዝገለጹ ምንጭታት ካብ ማእከል ኢትዮጲያ ብርክት ዝበላ ወተሃደራት ዝጸዓና መካይን ናብ ዶባት ኤርትራ ይጓረታ ምህላወን ውን ሓቢሮም።

ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ መሪሕነት መንግስቲ ኢትዮጲያ ክልተ ኣማራጺታት ይሰላሰል ምህላዉ ዝገለጹ ምንጭታት፥ እቲ ሓደ ወገን ኩናት እንተተጀሚሩ ክሳብ መወዳእታ ዝኸይድ ኪኸውን ኣለዎ ዝብል ኪኸውን ከሎ፥ እቲ ካልእ ወገን ድማ ተመጣጣኒ ውግእ ምክያድ ኣኻሊ እዩ ዝብል እዩ።

ብወገን ኤርትራ ውን ድሕሪቲ ኣብ ከተማ ታት ደቀምሓረን ኣሰመራን ዝተኻየደ ኣኼባታት ተመሳሳሊ ምትእኽኻብ ኣጽዋርን ሰራዊትን ዝግበር ዘሎ ኮይኑ ኩሎም መንእሰያት መበል 30 ዙርያ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ናብ ሳዋ ክወርዱ ፥ ኣባላት ህዝባዊ ሰራዊት ምድላዋቶም ከካይዱ መዘኻኸሪ ተላኢኹ ኣሎ።

ምስዚ ብዝተኣሳሰር ዜና ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ንኩሎም ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ ልኡኻትን ዲፕሎማሰኛታትን ኣብ ካዛ ዴልኢታልያኒ ብምእካብ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተኻየደ ውግእ ብስእሊ ዝተሰነየ መብርሂ ድሕሪ ምሃብ ነቶም ብሰንኪ ኩናት ዝተፈናቐሉ ህዝቢ ሰብኣዊ ረድኤት ኪገብሩ ሓቲቱ።

ኣብዚ ክስተት ተሞርኪሱ መድረኽ ንሃገራዊ ዘተ ኤርትራ ኣብ ዘውጸኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ክልቲኦም መንግስታት ካብ ኩናት ብዘይካ ሰብኣዊ ጥፍኣትን ሃገራዊ ዕንወትን ዝርከብ ፋይዳ ስለዘየሎ እቲ ጉዳይ ጉዳይ ዶብ እንተኾይኑ ብመሰረት እቲ ናይ መወዳእታን ቀያድን ብይን ስምምዕ ኣልጀርስ ክዓርፍ፥ ካልእ ፖለቲካዊ፥ ጸጥታዊን ወታሃደራዊን ዛዕባታት ዘንቀሎ እንተኾይኑ ድማ ህዝብታት ግዳይ ናይ ኣብ መንጎ መንግስታት ዝምዕብሉ ክርፍሳት ኪኾኑ ስለዘይግባእ፥ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጲያን ካብ ናይ ውግእ ስነመጎት ርሒቖም ነቲ ህይወት ሰባት ዘየጥፍእ ሰላማውን ሕጋውን ፖለቲካውን መስመር ኪኽተሉ  ኣትሪሩ ጸዊዑ ኣሎ።

መድረኽ ንሃገራዊ ዘተ ኤርትራ ኣብ መግለጺኡ ‘ኣዘዝቲ ሓይልታት ምክልኻል ክልቲአን ሃገራት፥ ህዝባውያን ማሕበራት፥ ብዓቢኡ መላእ ህዝብታት ክልቲኤን ሃገራት ነዚ ንዐኦም ግዳይ ዝገብር ዘየጽድቕዎ ኩናት ንምቅዋም ድምጾም ከስምዑ መድረኽ ፥ማሕበረ ሰብ ዓለም ብፍላይ ድማ ንኣውሓስቲ ናይ ስምምዕ ኣልጀርስ ጉዳይ ዶብ ብ መሰረት እቲ ዘጽለልዎ ውዕል ክኽበር፥ መንግስታት ኢትዮጲያን ኤርትራን ድማ ንኻልእ ናይ ባዕሎም ፖለቲካዊ ይኹን ጸጥታዊ ዛዕባ ክብሉ ንህዝቦም ከየህልቑ ዝከኣሎም ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ሕጋውን ጸቕጥን ስጉምትን ክወስዱ ሎሚ 19 ሰነ ኣብ ዘዘርገሖ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ።

    Print       Email

You might also like...

_106539_eritrea300

ንኡስ ምልክታት ናዕቢ ኣብ ሰራዊት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ

Read More →