Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ሚኒስተር ዑስማን ሳልሕ ናይ ኤውሮጳ ዑደቱ ኣቋሪጹ ናብ ኣስመራ ክምለስ ከምእተኣዘዘ ተገሊጹ

By   /  June 26, 2016  /  Comments Off on ሚኒስተር ዑስማን ሳልሕ ናይ ኤውሮጳ ዑደቱ ኣቋሪጹ ናብ ኣስመራ ክምለስ ከምእተኣዘዘ ተገሊጹ

    Print       Email

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ  ምስ ኣብ ፓሪስ ዝመደበሩ ራድዮ ፍራንስ ኢንተርናስዮናል እተባህለ ህዝባዊ ማዕከን ዜና ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ  እቶም ብልምዲ ‘ጉጅለ 15’ ተባሂሎም ዝግለጹ ኣርካናት እሱራት ፥ ‘ብህይወት ኣለዉ ንፍርዲ ኪቐርቡ እዮም’  ክብል ድሕሪ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ዑደቱ ብምቁራጽ ብቕጽበት ንኣስመራ ክምለስ ከምዝተኣዘዘ ተገሊጹ።

ሚኒስተር ዑስማን ሳልሕ ኣብ መግለጺኡ እቶም እሱራት ናይ ‘ፖለቲካ ቕዩዳት’ ሙኻኖም፥ ብሙሉኦም ብህይወት ከምዘለዉን ንፍርዲ ኪቐርቡን ክልቀቑን ሙኻኖም ዝሃቦ ሓበሬታ ኣብ ፕረሲደንት ኢሳያስ ልዑል ቁጠዐ ከምዘስዓበ ክፍለጥ ተኻኢሉ። ድሕሪ እዚ ፍጻመ፥  ካብ ቤት ጽሕፈት ፕረሲደንት ብመንገዲ ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣቶ የማነ ገብረኣብ ብዝተመሓላለፈሉ መምርሒ መሰረት፥  ኣቶ ዑስማን ዝኾነ ተወሳኺ ጋዜጣዊ መግለጺታት ካብ ምሃብ ኪቑጠብን ናብ ኣስመራ ብቕልጡፍ ክምለስን ከምዝተኣዘዘ ምንጭታት  ካብ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ገሊጾም።

 

 

    Print       Email

You might also like...

ኢዮብ መድሃኔ ዝተባህለ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ስርዋ ንልዕሊ 10 ዓመት ተኣሲሩ ዝጸንሐ ኮንትራክተር; ካብ ማእሰርቲ ምስ ሓለውቱ ኣምሊጡ።

Read More →