Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዘይወግዓዊ ዓንኬላት ኮሚሽነራት ምጽራይ ሰብኣዊ መሰላት እንድሕሪ ተቐይሮም ነቶም ዝምዘዙ ሓደስቲ ኮሚሽነራት ንኤርትራ ክኣትዉ ከነፍቅደሎም ኢና ክብል መግለጺታት ይዝርግሕ ምህላዉ ተፈሊጡ።

By   /  June 29, 2016  /  Comments Off on መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዘይወግዓዊ ዓንኬላት ኮሚሽነራት ምጽራይ ሰብኣዊ መሰላት እንድሕሪ ተቐይሮም ነቶም ዝምዘዙ ሓደስቲ ኮሚሽነራት ንኤርትራ ክኣትዉ ከነፍቅደሎም ኢና ክብል መግለጺታት ይዝርግሕ ምህላዉ ተፈሊጡ።

    Print       Email

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዘይወግዓዊ ዓንኬላት ኮሚሽነራት ምጽራይ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ እንድሕሪ ተቐይሮም ነቶም ዝምዘዙ ሓደስቲ ኮሚሽነራት ንኤርትራ ክኣትዉ ከነፍቅደሎም ኢና ክብል መግለጺታት ይዝርግሕ ምህላዉ ተፈሊጡ።

ድሕሪቲ ዘይተጸበዮ ዓቐንን ቅልጣፈን ውሳነ ኮሚሽን ምጽራይ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ጸቕጢ ዝርከብ መንግስቲ ኤርትራ፤ ድሕሪቲ ጽባሕ 30 ሰነ ዝሓልፍ ውሳነ ኣባላት ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ንዝስዕብ መድረኻት ዝኾኖ ስትራተጂ ይሕንጽጽ ምህላዉ ክፍልጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

እቲ ብባይቶ ሰብኣዊ መሰላት እተወሰደ ስጉምቲ ከም ተጻብኦ ናይ 3 ኣባላት ኮሚሽን ንምቕራቡ ብተደጋጋሚ እዋን ልኡኻት መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ውሳነ ‘ናይ ሰለስተ ሰባት ባህጊ’ ክብሉ ክገልጽዎ ምጽነሖም ዝፍለጥ ኮይኑ፥ ምስ ተቖጻጻሪ ጉጅለ ኤርትራን ሶማልያን ውን ተመሳሳሊ ሜላ ከም እተጠቐመ ዝፍለጥ እዩ።

መንግስቲ ኤርትራ ብጭብጥታት ክሙጉቶን ሓቅነት ከምዘይብሉ ከረጋግጾን ዝግባእ ነቲ ትሕዝቶን ዝርዝራትን ናይቲ ቀሪቡ ዘሎ ጸብጻብ፥ ብዓቢኡ ድማ ንገዛእ ህዝቡ ተሓታቲ ብሙኻን እምበር  ብዛዕባቲ ነቲ ጸብጻብ ዘቕረበ ኮሚሽን ብምዝራብ ከምዘይኮነ ዘረድኡ ጸብጻባት፥  ናይ ሰባት ምቕያር ሕቶ ብዘይካ ካብቲ ቀንዲ ጉዳይ ምእላይ ካልእ ትርጉም ክህልዎ ከምዘይክእል ገሊጾም።  እቲ ኮሚሽን ብሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዘ ኣካል ስለዝኾነ፥ ካብ ኣካይዳን ሕጋዊ መዝነትን ወጺኡ ዝሰርሕ ኮሚሽን እንተሎ ውን እንተኾነ ሕቡራት ሃገራት ናይ ኣሰራርሓ ኮድ ኦፍ ኤቲክስን ምቁጽጻርን ዘለዎ ስለዝኾነ፥ ምእንቲ መንግስቲ ኤርትራ ኢሉ ዘይኮነ ምእንቲ እቲ ልዑል ደረጃ ኢንተግሪቲ ዝሓትት ትካላዊ ኣሰራርሕኡ ምክትታሉ ዘይተርፍ ሙኻኑ ዓለማዊ ኣሰራርሓ ዘነጽሮ ሓቂ እዩ።

ምስዚ ኣብ ዝተኣሳሰር ዜና፥ ሓፈሻዊ ዋዕላ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ነቲ ብመንግስታት ጅቡትን ሶማልያን ብሓባር ዝቐረበ ንድፈ ውሳነ ኣብ መሰረታዊ ትሕዝቱኡ ዘይኮነ ኣብ ተዛማድነቱ ማለት ምስቲ ናይ ኮሚሽን መዝነት ዘይሳነዩ ክፋላቱ) ብዙሕ ምልውዋጥ ብምግባር ከሕልፎ ሙኻኑ ካብ ሕቡራት ሃገራት ዝተረኸቡ ሓበሬታታት የነጽሩ።

 

 

    Print       Email

You might also like...

_106539_eritrea300

ንኡስ ምልክታት ናዕቢ ኣብ ሰራዊት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ

Read More →