Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

መርማሪ ኮምሽን ንሰብኣዊ ኩነታት ኣብ ኤርትራ፣ ኣብ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ገበናት ኣንጻር ሰብኣዉነት ኮምዝኾነ ኣስሚሩሉ።

By   /  June 8, 2016  /  Comments Off on መርማሪ ኮምሽን ንሰብኣዊ ኩነታት ኣብ ኤርትራ፣ ኣብ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ገበናት ኣንጻር ሰብኣዉነት ኮምዝኾነ ኣስሚሩሉ።

    Print       Email

መርማሪ ኮምሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንሰብኣዊ ኩነታት ኣብ ኤርትራ ብ 8 ሰነ 2016 ኣብ ዝዘርግሖ ካልኣይ ጸብጻባዊ ስነዱ፥ ፕረዚደንት ኢስያስ ዝርከቦም ኣስማቶም ንግዜኡ ክዕቀብ ዝተመርጸ ላዕለዎት ወተሃደራውያን ሓለፍቲ፥ ከምኡዉን ላዕለዎት ኣባላት ሃገራዊ ድሕነትን ህግደፍን ፥ ገዘፍቲ ገበናት ኣንጻር ሰብኣዉነት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ይፍጽሙ ምህላዎም ኣስሚሩሉ።

እቲ ኮሚሽን ኣብ`ዚ እዋናዊ ጸብጻቡ ፥ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ካብ 1991 ጀሚሮም ኣብ ትሕቲ ቀጻሊ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከምዝርከቡ ጠቒሱ፣ እቶም ግህሰታት ብዓይነቶምን ክብደቶምን ምስ ገበናት ኣንጻር ሰብኣዉነት ዝዛመዱ ብምኻኖም በዚ ገበን ዝሕተቱ ሰበስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ጉዳዮም ናብ ኣህጉራዊ ቤትፍርዲ ገበነኛታት ንኸምርሕ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተራኡ ክጻወት ሓቲቱ ኣሎ።

እቲ መርማሪ ኮሚሽን ከም ኣብ’ቲ ናይ 2015 ቀዳማይ ጸብጻቡ ኣስፊሩዎ ዘሎ ኣብ’ዚ ናይ ሎሚ ዓመት ኣብ 26 ገጻት ሰፊሩ ቀሪቡ ዘሎ ካልኣይ ጸብጻቡ እዉን ፥ “ኣብ ኤርትራ ፥ ገድብ ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት ፡ ግዱድ ወተሃደራዊ ዕስክርና፥ ምዝመዛ ነጻ ጉልበት ዜጋታት፥ ተመልሶ ሕጊ ዘይብሉ ምእሳርን ምጽናትን ዉልቀሰባት፥ ምዱብ ምስጓግ ዜጋታት ካብ ሃገር፥ ንሂወት ዝፈታተን መግረፍትን ዓዛብን ኣብ ልዕሊ እሱራት ፥ ግህሰት መሰላት ብሕትውና፡ እምነት፡ ከምኡ’ውን ነጻ ፕረስ፥  ኣካላውን ጾታውን ዓመጻት ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ብወተሃደራውያን ሰበስልጣን፡ ርግጸት ሕገ-መንግስቲ ፥ ዘይምኽባር ፖለቲካውን ቊጠባዉን ናጽነትን ካልኦትን!” ከምዘለዎ ይቕጽል ከምዘሎ ብምጥቃስ ፥ እዞም ግህሰታት ገበናት ኣንጻር ሰብኣዉነት ከምዝኾኑ ብንጹር ኣረጋጊጹ ኣሎ።

ኣቦ-መንበር እቲ  መርማሪ ኮሚሽን ኣውስትራልያዊ ማይክ ስሚዝ ፡ ንትሕዞ ጸብጻብ ኮሚሹኑ ኣመልኪቱ ብ 8 ሰነ ኣብ ዝገበሮ ጋዜጣዊ ዋዕላ፥ ኤርትራ ኣብ ዉሽጢ’ዘን 25 ዓመታት ትካላውነትን ቅዋምነትን ዝደፍኦ ደሞክራስያውን ማሕበረ-ፖለቲካውን ምዕባሌ ብዘይምምዝጋባ ኣብታ ሃገር ይፍጸም ኣሎ ንዝበሃል ገበናት ኣንጻር ሰብኣዉነት ክቕይድን ንኣተግበርቱ ድማ ናብ ሕጊ ከቕርብን ዝኽእል ድልዱል ፍርዳዊ ኣካል ከምዘየለ ሓቢሩ፥ ኣብታ ሃገር ዝፍጸም ዘሎ ገበናት ኣንጻር ሰብኣዉነት ብላዕለዎት ኣህጉራውያን ወገናት ብሓፈሻ ብባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ድማ ብፍላይ ብዕቱብ ተጠሚቱ ንፈጸምቲ እቶም ገበናት ናብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ንምምራሖምን ኣብ ልዕሊኦም ምልኩታት እገዳታት ንምጽናዕን ክስራሕ ተማሕጺኑ።

ብወገን መንግስቲ ኤርትራ ከባቢ 45 ሽሕ ንፈላሚን መጻኢን ጸብጻብ እቲ ኮሚሽን ዝቃወም ዝተኸተመ ጥርዓናት ናብቲ ኮሚሽን ከምዝበጸሐ ዘመልከተ ኣቦ መንበር ማይክ ስሚዝ፥ እቶም ኣብ ስደት ብዝነብሩ ኤርትራውያን ተኸቲሞም ዝተባህሉ ናይ ተቛውሞ ጥርዓናት ግና ቅድመኩነታዊ ድፍኢት መንግስቲ ኤርትራ ከምዝነበሮም፣ ኮሚሹኑ ካብ ገለ ኣብ ስደት ዝርከቡ ነቲ ጥርዓን ብምፍርራህ ኤምባሲታትን ማሕበረኮማትን ክኽትሙሉ ከምእተሓበሮም ነቲ ኮሚሽን ዝመስከሩ ኤርትራውያን ከምዝተረደአ ኣገንዚቡ።

ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ኤርትራ ወግዓውን ዘይወግዓዉን ምብጻሓት ገይሮም ኣብታ ሃገር ዝኾነ ምልክት ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከምዘየለ ዘጋውሑ ኣህጉራውያን ወገናት ይዂኑ ልኡኻት መንግስታት ወጻኢ ፥ እቶም ግህሰታት ኣብ ፍሉያት ወተሃደራውያን ማእከላትን ናይ መዳጎኒ መዓስከራትን ብከዉሊ ከምዝፍጸሙ ክርድኡ ግቡእይ እዩ ዝበለ ኣቦ መንበረ መርማሪ ኮሚሽን ንሰብኣዊ ኩነታት ኣብ ኤርትራ፥ ማሕበረሰብ ዓለም በቶም ወገናት ንዝወሃቡ ዘይተጸንዑ ትዕዝብትታት ዝደፍኦም መግለጺታት ከይ-ደናገር መኺሩ።

መርማሪ ኮሚሽን ነዚ እዋናዊ መጽናዕቲ ዝጸብጸበ ፥ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብፍላይ ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ሃገር ዝተሰዱ ብብዝሒ ናብ ዝተዓቚቡለን 13 ሃገራት ኣባላቱ ብምስዳድ ካብ 833 ሰባት ቃለምስክርነት ብቃል ይዂን ብጽሑፍ ድሕሪ ምስናድ እዩ። እቲ ኮሚሽን ብዘይካ እቲ ምስ ገለ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ከተማ ኒው-ዮርክ ተራኺቡ ዘካየዶ ዝርርብ፣ ናብ ኤርትራ ኣትዩ መጽናዕቱ ከካይድ ዛጊት ተኸልኪሉ እዩ።

መርማሪ ኮሚሽን ንኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፣ ነዚ ካልኣይ ጸብጻብ ንምውዳዕ ኣብ ዝመጽእ 21 ሰነ ናብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘቕርቦ ኮይኑ ፥ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2016 ድማ ብዛዕባ እቲ ጸብጻብ ኣፈናዊ መረዳእታ ናብ ሓፈሻዊ ባይቶ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምዘቕርብ ይግለጽ።

    Print       Email

You might also like...

_106539_eritrea300

ንኡስ ምልክታት ናዕቢ ኣብ ሰራዊት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ

Read More →