Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ዓርቢ 17 ሰነ ምሸት ኣብ ከባቢ ባድማ ደብዳብ ኪካየድ ኣምሲዩ።

By   /  June 17, 2016  /  Comments Off on ዓርቢ 17 ሰነ ምሸት ኣብ ከባቢ ባድማ ደብዳብ ኪካየድ ኣምሲዩ።

    Print       Email

ethiopia-14june16ሓሙስ 16/ 06 ምሸት ሰዓት 8፡20 ክሳብ 10፡10 ናይ ምሸት ናይ ከቢድ ብረት ደብዳብ ብክልቲኡ ወገን ክም ዝነበረን እዚ ብብዝዝሒ ናይ ሞርታርን 120 ምሊሚተር ዘጠቃለለ ደብዳብ ነቲ ኣዕሪፉ ዝጸንሐ ኩነታት ብክልቲኡ ወገን ናይ ምቁስቃስ ተግባራት ይትግበር ከም ዘሎን ተፈሊጡ።

እዚ ካብ ጸጋማይ ወገን ድፍዓት ዛላምበሳን ኣክራን ቁኒን ቁኒቶን ዝዘጠቃለለ ደብዳባት ኣብ ከባቢ ሰንዓፈ ውን ድምጺ ከም ተሰምዐን ተፈሊጡ ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ኣብ ከባቢ ባድመ ወን ሓድሽ ምንቅስቃስ ናይ ወትሃደራትን ምኩዓት ድፍዓት ብክልቲኡ ወገን ይካየድ ምህላውን ኣብቲ ከባቢ ካብ ዝነበሩ ሓረስቶት ግራውታቶም ሕርሻኦም ገዲፎም ኵውጹ ተጊሩ ከም ዘሎን ብውገን ኤርትራ ወን ኣብዚ ክራማት ክሕረስ ዝተሓሰበ ኣብ ከባቢ ጾሮናን ጎላጉል ሃዞሞን በቲ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ወጥሪ ብምስጋእ ናብ ውሑስ ቦታ ይግዕዙ ምህላዎም ተፈሊጡ ።

እዚ ናብ ኩሉ ግንባራት ዝልሕም ዝመስል ዘሎ ወጥሪ ኣብ ከባቢ ባዳ ወን ብተማሳሰሊ ብርክት ዝበለ ሰራዊት ምንቅስቃስ ይረኣ ከም ዘሎ ወትሃደራውያን ምንጭታት ይሕብሩ ፣ኣብቲ ዝሓለፈ ኣብ ንክልተ ማዓልትን ፍርቅን ዝተካየደ ኩናት ናይ ክልቲኣኦም ብኣማኢት ዝቅጸሩ ምውታትን ቁሱላትን ከም ዝኮኑን ልዕሊ 45 ዝኮኑ ኤርትራውያን ብ ኢትዮብያ ተማሪኮም ከም ዘለዉን ተፈሊጡ ።

ኣብቲ ኩናት ልዕሊ 17 ዝኮኑ ገባር ነበርቲ ዓድታት ኣክራን መስሓል ዓዲ መስገነን ከባቢ መልክሰይቶ ዝኮኑ ገባር ብከቢድ ብረት ኣብ ገዛውቶም ካብቲ ኩናት ካህድሙን ብከቢድ ብረት ከም ዝሞቱን ገለ ውጓት ወን ኣብ ማይ ውራይ ይሕከሙ ከም ዘለዉን ተፈሊጡ። ኣብቲ ኩናት ናይ መጂመርታ ዕብለላ ብሰራዊት ኤርትራ ከም ዝነበረን ብርክት ዝበሉ ምልሻታትን ኣባልት ስለያን ለም ተማረኩን ድሕሪ ቁሩብ ሰዓታት ሚዛን ናብ ኢትዮብያ ብምዃን ን17 ሰዓታት ኣክራን ዓዲ መስገነን ግለ ዓድታትን ከም ተቆጻጸሩን መልሲ መጥቃዕቲ ብምግባር ንብ ቦታኦም ከም ተመለሱን ተፈሊጡ ።

ኣብቲ ኩናት ኣባላት ኤርትራውያን ተቃወምቲ ከም ተሳተፉን ካብቶም ብኤርትራ ዝተመራኩ 2 ከም ዝርከብዎም ተፈሊጡ።

ኣብ ከባቢ ባድመ ዓርቢ ምሸት ደብዳባት ናይ ከቢድ ብረት ከም ዝነበረን፥ እዚ ናይ ከቢድ ብረት ተኩሲ ካብ ሰዓት 7፡ ናይ ምሸት ክሳብ 9 ከም ዝቀጸለን ሓሓሊፉ ናይ ፎኮስቲ ብረት ምልውዋጥ ውን ከም ዝነበረን ከባቢ ሰዓት 12፡10 ናብ ቀዳም (18 ሰነ) ዘውግሕ  ለይቲ ከምዘቋረጸ ተሓቢሩ።

ፕረዝደንት ኢሰያስ ሚስጥራዊ ኣኪባታት ምስ ዝተፈላለዩ ሓለፍቲ ብምክፍፋል ብረቡዕን ሓሙስ ድሕሪ ቀትሪ ከም ተራከበ፥ እዚ ርክባት ብጉዳይ ኩናት ዝተበጽሐ ምዕባለታትን ውጥን ኮይኑ ኣብ ሚንስትሪ ምዕድን ንዝነበረ ጀነራል ስብሓት ኢፍሪም ብዘይ ወግዓውነት ከም ኣዛዚ ሓይልታት ምክልኻል ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ኢሰያስ ኮይኑ ክሰርሕ ተመዚዙ ምህላው ተፈሊጡ።
ኣብ ታዕሊም ዝርከቡ ተማህሮን ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝተገፈፉን ኩሎም  ብዝቀልጠፈ ታዕሊማታቶም ክዛዘም ዝሕብር ናብ ማዕስከራት ታዕሊም ትእዛዝ ትማሕላሊፉ ከም ዘሎ ተፈሊጡ ኣሎ።
ብካልእ ወገን ኣባል መርሕነት ግንቦት 7 መራሒ ናይቲ ፓርትን ዶክተር ብርሃኑ ነጋ ትማሊ ሓሙስ ናይ ንግሆ ምስ ፕረዝደንት ኢሰያስ ከም ተራከበን ኣብቲ ርክብ ዘሎ ሓድሽ ኩነትን ከም ዝዘተዩን ተፈሊጡ ዶክተር ብርሃኑ ነጋ ኣብ ኤውሮጳ ካብ ዝነበሮ ኣኪባታት 3 ብምስራዝ በቲ ሓድሽ ኩነት ኩናት ኢትዮ ኤርትራ ኣቅሪጹ ናብ ኣስመራ ብሰሉስ ከም ዝኣተወን ተፈሊጡ ኣሎ።
ግንቦት 7 ብሓድሽ ኣዋዳድባ ስራሕ ኣብ ውሽጢ ኢትዮብያ ናይ ድብያታትን ስልቲ ብምጥቃም ኣብ ውሽጢ ኢትዮብያ ምንቅስቃሱ ከም ዝቀየረ ይፍለጥ።
    Print       Email

You might also like...

_106539_eritrea300

ንኡስ ምልክታት ናዕቢ ኣብ ሰራዊት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ

Read More →