Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

115 እሱራት ብምኽንያት ብሩራዊ ኢዮቤልዩ ተፈቲሖም

By   /  May 17, 2016  /  Comments Off on 115 እሱራት ብምኽንያት ብሩራዊ ኢዮቤልዩ ተፈቲሖም

    Print       Email

broken chainsኣብ ከባቢ ዓሰብ ‘ተሃድሶ’ ዓዲ ንፋስ ተቐይዶም ዝነበሩ 115 እሱራት ብዕለት 13ን 14ን  ግንቦት 2016  ብምኽንያት ብሩራዊ እዮቤልዩ ተፈቲሖም።

እዞም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝነበሩ መንእሰያት ‘ምኹብላልን ጉድለት ዲስፒሊንን ‘ ብዝብል ምኽንያት ብኣደ ኣሃድታቶምን ዋና እዚ ግንባርን ተተኸሲሶምን ‘ተፈሪዶምን’ ዝጸንሑ ምዃኖም ተፈሊጡ።

እቶም ዝተፈትሑ 115 እሱራት ኩላቶም ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ኮይኖም፥ ኣብቲ ናይ ምፍናው መስርሕ ድማ ብምኽንያት ብሩራዊ እዮቤልዩ ከምእተፈትሑ እዮም ተሓቢሮም።

ዝበዝሑ ካብቶም እሱራት ናይ ማእሰርቶም እዋን ዘፋርቑ፥ ገለ ካብኦም ድማ ብንውሓት ግዜ ብሕማም ዝተሰነፉን ምዃኖም ምንጭታት መድረኽ ካብ ዓሰብ ሓቢሮም።

 

    Print       Email

You might also like...

_106539_eritrea300

ንኡስ ምልክታት ናዕቢ ኣብ ሰራዊት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ

Read More →