Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ዜጋታት ንድግሳት ናጽነት ዝግባእ ወፈያ ኣይገበርኩምን ተባሂሎም ናብ ምምሕዳራት ተጸዊዖም ይሕተቱ።

By   /  May 31, 2016  /  Comments Off on ዜጋታት ንድግሳት ናጽነት ዝግባእ ወፈያ ኣይገበርኩምን ተባሂሎም ናብ ምምሕዳራት ተጸዊዖም ይሕተቱ።

    Print       Email
ብርክት ዝበሉ ነበርቲ ከተማ ኣስመራን ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕርን ኣብ እውን ናጽነት ዝግባእ ወፈያ ኣይገበርኩምን ብዝብል ምኽንያት ናብ ምምሕዳራት ተጸዊዖም ይሕተቱ ምህላዎም ተገሊጹ።
ኣብ ምምሕዳራት ኣስመራን ከባቢታት ዓድታትን፥  ንበዓል ናጽነት ንምምዕራግ ኣብ ዝግበሩ ውራያት ማለት ንወጻኢታት ናይ ኮማዊ ዳሳት ገንዘብ ምውጻእ ሓንጊድኩም  ብምባል ካብ ቤት ጽሕፈታት እተን ምምሕዳራት ናይ መጸዋዕታ ዳብዳቤ ይመጾም ከም ዘሎ ተፈሊጡ ።
ብፍላይ ድማ እቶም ገንዘብና ኣብ ባንክ ተታሒዙ ስለዘሎ  ዝወሃብ ገንዘብ የብልናን  ዝበሉ ዜጋታት፥ ዝገበርኩሞ ተግባራት ገንዘብ ስለዘይብልኩም ዘይኮነስ ነቲ መንግስቲ ዝገበሮ ናይ ባጤራ ለውጢ ተቓውሞ ንምርኣይ ዝገበርኩሞ ሸርሒ እዩ ብምባል ይሕተቱ ምህላዎም ተፈሊጡ።
እዞም ንበዓል ኮማዊ ዳሳት  ገንዘብ ከይከፈሉ ዝጸንሑ ዜጋታት በቲ ስርዓት እንታይ ዓይነት መቅጻዕቲ ክወርዶም ሙኻኑ ዝተፈለጠ እኳ እንተዘየለ፥ እዘን ናይ ህዝቢ ው ርሓዊ ሞቕነን ከም መቆጻጸሪ ስርዓት ዝጥቀማሉ ምምሕዳራት ክሳብ ክፖን ኣብ ምምንጣል ዝበጽሕ ስጉምቲ ክወስዳ ከም ዝኽእላ እዩ ዝግለጽ ዘሎ።
ብኻልእ ወገን እቶም ኣብ እዋን በዓል ከምቲ ዝግባእ ኣበርክቶ ኣይገበሩን፥ ሕጉሳት ኣይነበሩን፥ ዝተፈላለዩ ዘረባታት ተዛሪቦም፥ መደረ ኢሳያስ እንዳተገበረ ኣብ ምብጽጻሕን ዙረትን ኔሮም፥ ተባሂሎም ብቃርማታት ጸብጻቦም ዝሓለፈ ዜጋታት መቕጻዕቶምን ምክትታሎምን ብስዉር ኣገባብ ይትግበር ምህላዉ ተፈሊጡ።
ኣብ ቅንያት ናጽነት ዝግበር ናይ ብላዕ ወስተ ትርጉም ኣልቦ ኮማዊ ዳሳት ሓደ ካብቲ ዓመት መጸ ንህዝቢ ሕማም መንሽሮ ኮይንዎ ዘሎ ትሩጉም ኣልቦ ውራያት እዩ ።
    Print       Email

You might also like...

ኢዮብ መድሃኔ ዝተባህለ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ስርዋ ንልዕሊ 10 ዓመት ተኣሲሩ ዝጸንሐ ኮንትራክተር; ካብ ማእሰርቲ ምስ ሓለውቱ ኣምሊጡ።

Read More →