Loading...
You are here:  Home  >  Columns  >  Current Article

ዕላል ሽግ ናጽነት ምስ ሰማእታት

By   /  May 23, 2016  /  Comments Off on ዕላል ሽግ ናጽነት ምስ ሰማእታት

    Print       Email

Screen Shot 2016-05-23 at 7.43.03 PMዝኸበርኩም ሰማእታት ልዕሊ ዝኾነ ይኹን ወገን ናጽነት ናዓኹም እያ ትብጻሕ እሞ እንቋዕ ናብ መበል 25 ዓመት በዓል ናጽነት ብሕልና ኣብጸሓኩም።

‘ሽግ ናጽነት’ ተባሂለ ንሰለስተ ወርሒ መመላእታ ኤርትራ ድሕሪ ሙኽላል እነሆ ሎሚ 24 ግንቦት ኣብቲ ቀንዲ ውራይ ይሳተፍ ኣለኹ። ሕድርኹም ስለዘይተፈጸመ መንፈስኩም ሰላም ስኢኑ መረበትኩም ቅሳነት ተሓሪምዎ ምህላዉ ይርደኣኒ እዩ። ስለዚ ድማ ካልእ ዘሕዝን ወረ ክህበኩም ዘይግባእ’ኳ እንተኾነ ውዕሎይ ከየካፈልኩኹም ጉዕዞይ ክዛዝሞ (ንግዚኡ) ሕልናይ ኣይገበረለይን።

ዝኸበርኩም ሰማእታት

ጉዕዞይ በታ ህዝባዊ ግንባር ዝበዝሐ ስዉኣት ዝኸፈለላ ናቕፋ እየ ጀሚረዮ። ናቕፋ ዝኾነ ልምዓታዊ ወፍሪ ከይተገበረላ ንሳን ህዝባን ዝተኻሕደት ከተማ ስለዝኾነት ከምቀደማ ከምታ ዝገደፍኩማ እያ ዘላ። ከም ቀደማ ኣላ ማለተይ ግን ሓመዳን እምናን ማለተይ እዩ – እምበር መንፈሳን ዕላማኣንሲ ተቐቲሉን ተሰዊሩን እዩ።

እቲ ዝወደቕኩምሉ ራእዩ ፍትሕን ሰላምን ኣብ ናቕፋ የሎን፥ ብኣንጻሩ ናቕፋ ሎሚ እንዳቦይ ርጉም ተባሂሉ ዝፍለጥ ካብ ማርያም ግንብን ኣለም በቓኝኝ ዘይሓይሽ ቤትማእሰርቲ ተዶኪንዋ፥ ዜጋታታ ትበልዕ ጋህሲ ኮይና ኣላ። ብዙሓት መንእሰያት ምናልባት ደቅኹም ውን ይህልዎም ይኾኑ ኣብ ጎዳጉዲ እንዳቦይ ርጉም ብዘይፍርዲ ብዘይዳኛ መከራ ይጸግቡ ኣለዉ።

እቲ ኣብ 1970 ዝፈጠርኩሞ ናይ ህዝቢ ግንባር ናይ ኤርትራ ሓርነት (ህግሓኤ) ደምኩም ከይነቐጸ፥ ቁስልኹም ከይሓወየን ኣፍኩም ከይተመመን ኣብ 1994 ህግደፍ ዝበሃሉ ናይ ኣልደመልዲ እኽብካብ ኣብ ናቕፋ ኣብ ሓደ ባዕሎም ዝሰርሕዎ ኣደራሽ ተኣኪቦም ቀቲሎሞ።

እቶም ምሳኹም ኩናት ዝውዕሉ፥ ጅግንነት ዝፈልጡ፥ ኣብ ክራማት ገድሊ ዝሓረሱን ዝመሓሱን መራሕትኹም ሽዑ ሰለሎ ምስኣተዎም ሎሚ ኣብ ጎዳጉዲ ይበልዩ ኣለዉ፥ ብኣንጻሩ ሎሚ ዝመርሑ ዘለዉ እቶም ኣብ ጻዕሪ ክራማት ገድሊ ምሳኹም ዘይነበሩ ኣብ ቀውዒ ዓወት ሰፍኢ ዘቐበሉን ዝደበሉን ሰብ ዘበን እዮም።

ድሕሪ ናቕፋ ናብ ባጽዕ እየ ኣምሪሐ፥ ናብታ ኣብ 77 ጎላጉል ሰሊና ኣብ 1990 ድማ ኣብ ስርሒት ፈንቅል ዘይስገር ሰጊርኩም ሓራ ዘውጻእኩማ ወደብ። እታ ከተማ ናብ መልኣከ ሞት እያ ተቕይራ፥ ይትረፍ ወደባዊት ስፍራ ቁሸት ውን ክትብላ ዘሰክፍ እዩ። ኣርማ ውድቀት ምሕደራን ውድቀት መንግስትን እያ። እቶም ናብ ጸላኢ ዘይኮኑ ናብ ገዛእ ህዝቦም ዝፍክሩ ሰብ ሓይሊን ሓጺነ መጺንን ድኻታት ዘከላቡቱላ ከተማ እያ። ነበርታ ብዓቕሞም ዝሰርሕዎ ገዛውቲ ፈሪሱ ሃብታማት ኣብ ወርሒ ክሕንቡሱ ዝመጹሉ ገዛውቲ ድሕሪ ምህናጹ ባጽዕ ናብ ናይ ክልተ ዜጋታት ግን ደቂ ሓንቲ ሃገር ከተማ እያ ተቐይራ

ዝኸበርኩም ሰማእታት

ቀጺለ ናብ ዓሰብ እየ በጺሐ፥ ነቲ ብጽምኢ ማይን ወቕዒ ጸሓይን ኣንዳተኸትከትኩም ዝሰገርኩሞ ጎላጉል ቤሉልን ኣፋምቦን ሓሊፈ፥ ዓሰብ ምስኣተኹ ዝኸበደ ሓዘን ጸኒሑኒ። መሬትን ባሕርን ሰማይን ዓሰብ ሎሚ ከምቲ ክትወድቁ ከለኹም ዝተመነኹሞ ህዝቢ ኤርትራ ኣይኮነን ዋንኡ፥ ንገለ ሃገራት ዓረብ ተሸይጡ ኣሎ። እቶም ሃገራት ዓረብ መሬትን ባሕርን ወሲዶም ህግደፍ ድማ ገንዘብ ተቐቢሉ፥ ምስቲ ገንዘብ ድማ ውርደት – ሃገራዊ ውርደት።

ኣዕጽምትኹም ዘለዎ መሬት ምስ ዕላማታትኩምን ክብርታትኩምን ስለዝተሸጠ ንስኹም ናብ ዕዳጋ ዝወረድኩም ኮይኑ ተሰሚዑኒ – ብልቢ ጉህየ። ዓሰብ እዛ መሬት ናይቲ ንኽብረቱ ዝተቓለሰ ዑመር ሃኪቶ ምእንቲ ዶላርን ፈርነስን ናብ ዓዲ ዓረብ ክትሽየጥ ምስረኣኹ ጓሂ ወሪሩኒ።

ሳልሳይ ጉዕዞይ ናብ ደቡብ እዩ ነይሩ፥ናብታ ስለ ናጽነት ይኹን ምውሓስ ሉዓላውነት ዝበዝሑ ሰማእታት ዝኸፈለት ዞባ። ደቡብ ህዝባ ምንባር ስኢኑ ህጻናት ደቂ 9 ዓመት ሽማግለታት ደቂ 60 ዓመት ከይተረፉ ብመንጎ ፈንጂን ቶኪሶም ዝቐትሉ ሓለዋን ናብ ኢትዮጲያ ይፈልሱ ኣለዉ።ምድሪ ቀዳሞት ጀጋኑ ደግያት ባህታ ሓጎስ ምድረ ጀጋኑ ገድሊ ወልደምካኤል ሃይለ ከምዘይኮነት ሎሚ ህዝባ ተዋሪዱ ተዋሲኑ ናብ ምድሪ ሽጉራት ተቐይራ ኣላ።

ዝቐጸለ ጉዕዞይ ናብ ባርካ እዩ ነይሩ፥ ባርካ እቲ ምጅማር ስውራ ኤርትራ ዝተበሰረሉ መሬት፥ እቲ ዓዲ ብጋይትን ጻባን። ሎሚ ህዝቢ ባርካ ዋና መሬቱ ኣይኮነን። ካብ ከርሲ እቲ ዞባ ሚልዮናት ዘውጽእ ወርቂ ይፈሪ ኣሎ፥ ናብ ጁባ መን ይኣቱ ግን እዝግሄር ጥራይ ዋንኡ።ሎሚ ኣብ ጋሽ ባርካ ክልተ ግዜ ዝበልዕ ተመሲሑ ዝድረር ሰብ የለን።

ብሰንኪ ዘይብሱል ኣተሓዛ ህግደፍ ብዙሕ ካብ መሬት እታ ዞባ ኣብ ትሕቲ ጎበጣ ኢትዮጲያ ኣሎ። ተዋሪዱን ተሳዒሩን ዘይፈልጥ ህዝቢ ኤርትራ ንግሆን ምሸትን ውርደቱ ዘዘኻኽር ጎበጣ የንጸላልዎ ኣሎ። እዚ ድማ ካልእ ስቓይ ናይታ ዞባ ብኣቢኡ ድማ ናይታ ሃገር እዩ

ቅድሚ መወዳእታ ጉዕዞይ ናብ ዞባ ዓንሰባ እዩ ነይሩ። እቲ ዝረኣኹዎ ሕልምልም፥ መንግስትን ህዝብን ሕቖን ከብድን ሙኻኖም ከስተብህለሉ ግዜ ኣይወሰደለይን። እታ ከተማ ካብ ንከተማ ንገጠር ትቐርብ። ካብቶም ብንግሁኡ ማለት ኣብ 1994 ብስም ጥሩፍነት ሃይማኖት ብዙሓት ብማእሰርቲ ዝተሰወርዋ ቦታ ስለዝኾነት ጽልእን ሕንሕነን ብንጹር ተራእዩኒ።

መወዳእታ ናብታ ሕምብርቲ ሃገር እየ ኣትየ። ዛግር ኣደራሽ ባይቶ ምስረኣኹ ርዝነት ራእይኩምን ዕብዳን እዞም ዝገዝኡ ዘለዉ ሹማምንትን ኣወዳዲረስ ገሪሙኒ። ንስኹም ኣብ እዋን ገድሊ ህዝባዊ ባይቶን ሕጊ ምሕደራን ተነቢኹምን ኣብ ዛግር ተኺልኩምን። እዞም ናይ ዘመንና ሹማምንቲ ኤርትራ ድማ ምሕልፎ ድሕሪ ናጽነት ባይቶን ሕግን ኣፍሪሶም።

ኣብ ጉዕዞይ እቲ ደርግ ሰባት ዝርሽነሉ ዝነበረ ቁሸት፥ እቲ ሰባት ዝእሰሩሉ ዝነበሩ ማርያም ግንቢ ርእየስ፥ ምስዚ ሕጂ ዘሎ ማእሰርቲ ቆልዓ ሰበይቲ ብዘይፍርዲ፥ ምኽትካትን ኮነ ኢልካ ዝግበር ምንዋጽ ኣእምሮ ሰባትን ኣወዳዲረ ሕቶታት መጺኡኒ፡

እንታይ እየ ዘብለጭልጭ ዘለኹ? ኣበይ ኣሎ ብርሃነይ? ኣበይ ኣሎ ጩራይ ኢለ ንነብሰይ ሓቲተያ። ሽግ? ናይ ምንታይ ሽግ ኢለያ ንነብሰይ። ሽገይ ሃቡኒ ዝተባህለ ሰብ ምስተቐዝፈ፥ መሰል ምስተሓረመ፥ ፍትሒ ምስተሳእነ፥ ጸልማት ምስከደነ እንዲዩ፥ እሞ ኣነ ደኣ እንታይ ስለዝተቐየረ እየ ሸባዕባዕ ዝብል ዘለኹ? ካብቲ ዝወደቕኩምሉ ዕላማስ እንታይ ተፈጺሙ፥ ንስኹም ዝሓለፍኩም ንፍትሒ፥ ማዕርነት፥ ምልጽግና፥ ራህዋ፥ እዛ ናይ ሎሚ ኤርትራ ድማ ብርሃንኳ ዘይረኸበት ጸልማት፥ ቅዋም ዘይብላ ሕጊ ኣልቦ፥ ጸጊቡ ዘይሓድር ህዝቢ፥ምንባር ዝተኸልአ መንእሰይ፥ ኣብ ሳህሮታት ኣሞራ ዝበልዖ ዘሎ ሓደን ፈረቓን ወለዶ፥ እሞ ኣነ ደኣ እንታይ ስለዝተቐየረ እየ ሸባዕባዕ ዝብል ዘለኹ?

 

    Print       Email

You might also like...

mideast

ሓድሽ ዓለማዊን ዞባውን ስርዓት (order)፤ ንኤርትራ ብኸመይ ይጸልዋ ኣሎ።

Read More →