Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ዋንነት ሰማያት ኤርትራ ናብ ስዑድያ ይሰጋገር ምህላዉ ተሓቢሩ

By   /  May 12, 2016  /  Comments Off on ዋንነት ሰማያት ኤርትራ ናብ ስዑድያ ይሰጋገር ምህላዉ ተሓቢሩ

    Print       Email

Air-Traffic-Control-Tower-3ኣብ ሰማያት ኤርትራ ዝወሃብ ናይ በረራ ፍቓድ ምሉእ ብሙሉእ ኣብ ትሕቲ ንግስነት ሱዑድያ ክኣቱ ፕረሲደንት ኢሳያስ ብምስጢር ምስ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ምኽታሙ ተሓቢሩ።

ብመሰረት ዓንቀጻት ናይቲ ምስጢራዊ ሰነድ ዝኾነት ናብ ኤርትራ እትኣቱ ይኹን ብልዕሊ ኤርትራ እትበርር ነፋሪት ብፍቓድ መንግስቲ ኤርትራ ዘይኮነ፥ ብፍቓድ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ክትንቀሻቐስ እዩ ዘገድድ።

ናይ ኤርትራ ነፈርቲ ውግእን መጓዓዝያን ውን ንድሕነትን ምውህሃድን ኣቐዲመን ኣብ ሰማያት ኤርትራ ዝገብረኦ በረራ ንንግስነት ስዑዲ ዓረብ  ክሕብራ  ከምዘመልከት እቶም ምንጭታት ናይቲ ሰነድ ይሕብሩ።

በዚ ውዕል መሰረት ሰማያት ኤርትራ ብኸፊል ዋንነቱ ናይ ስዑዲ ዓረብያ ኮይኑ ኣሎ ማለትዩ።

 

 

    Print       Email

You might also like...

_106539_eritrea300

ንኡስ ምልክታት ናዕቢ ኣብ ሰራዊት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ

Read More →