Loading...
You are here:  Home  >  Columns  >  Current Article

ኲናት ህግደፍ ኣንጻር ክብርታት ህዝቢ ኤርትራ

By   /  May 20, 2016  /  Comments Off on ኲናት ህግደፍ ኣንጻር ክብርታት ህዝቢ ኤርትራ

    Print       Email

Screen Shot 2016-05-20 at 6.32.55 PMታሪኽ ብዙሓት ምልካውያን ስርዓታት ከምዘረጋግጾ ውልቀመለኽቲ ምልኮም ንምርግጋጽ ይሕግዘና እዩ ካብ ዝብልዎ ረቛሒታት ሓደ ንህዝቦም ብኣካልን ሕልናን ምድኻም እዩ። ንህይወቶም ፈሪሖምላ ንውልቀመላኺ ዘጣቕዑሉ ጉጅለ ስለዝተራእዩ፡ መራሒ’የ በሃሊ ዕግበት ዝፈጥረሉ ተኾይኑ ብዕግበቱ ጥራይ እዩ ክሓንኽ ዝግባእ።

ንዝተዳኸመ ምምራሕ ዘርከበ ኽገብሮ ዝኽእል’ዩ። መራሒ ብብቕዓቱ ክድነቕ እንተዀይኑ ንሓያላትን ላባማትን ክመርሕ ከሎ’ዩ መዓርግ ዝህልዎ። እንተዀነ ነዚ ኽርዳእ ዝኽእል፡ ከምዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ከይጸውዕዎ ዝመጽእ፡ ኪደልና እንዳበልዎ ዝቕኒ መሪሕነት ኣይኰነን። መራሒ ዘሕፍር ነገር ክርዳእ ዝኽእል፡ ክብረት ዘለዎ መራሒ ምስዝኸውን ጥራይ’ዩ።

ሕማቕ ዕድል ህዝቢ ኤርትራ ዀይኑ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ መሪሕነት ዘሎ ጉጅለ፡ ስስዕቲ ነገራዊ ሃብትን ዕብዳን ስልጣንን ዘለዎ እዮ። ናይ ሕልናን ናይ ኣእምሮን ድኻታት ስለዝኾነ ድማ ክውንነት ክርእይ ኣይክእል ኣሎ። ስለዝኾነ ኣብ ዘይደለዩዎ ህዝቢ እናተረኸበ ‘ትፈትዉና እንዲኹም’ እናበለ ኣእዛን ሓፋሽ ምጽማም ዘየሰክፎ ጉጅለ  ከሰክፎ ዝኽእል ነገር ኣይርከብን’ዩ።

ንኸምዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጉጅለ መሰልቱን፡ቀንዲ ጸላእቶም ሓሳባት’ዩ። ንውልቀመለኽትን ዕሱባቶም ሰባት ክሓስቡ ኸም ምርኣይ ኣምሲሉ ዝጽልኦም ነገር የለን። ዝደንቈረ ዘበለ ጅግና፡ንዕዉር ሰዓቢ ሃገራዊ፥ ብኣንጻሩ ንዝሓሰበ ከዳዕ፥ ኣእምሮኡ ኣስሪሑ ከመይ ንዝበለ ዘይሃገራዊ ዝብል ባዕላቶም ዝመሃዝዎ ኣስማት እናጥበቑ ምቕታል ሎሚ ዘይኰነ፡ ካብ ቅድሚ ነዊሕ ግዜ ዝተላመድዎ’ዩ።

ርጽሞም ምስ ሕግን ሓሳባትን ስለዝኾነ፥ ነቲ ሕብረተሰብ ናብ ሕግን ልዕልናኡን ክመርሖ ዝኽእል ክብርታት ብህይወቱ ክርእይዎ ከለዉ ፈጺሞም ዓቕሎም የጽብቡ። ዝገብርዎ ዘበለ ካብ ስስዕትን ሓያል ናይ ምምሳል ዕቡድ ህርፋንን ዝብገስ እምበር፡ ብኣእምሮን ምስትውዓልን ክገብርዎ ዓቕሚ ስለዘይብሎም ድማ ሓሳባት ዘሰላስል ኣእምሮ ክርእዩ ኣይደልዩን። ስለዚ ድማ ሎሚ ካበይ ከምዝመጸትን፡ በቲ ናይ ሎሚ ስጕምቶም ጽባሕ ዝስዕብ ዕንወትን ሸለል እናበሉ፡ ንስልጣኖም ህዝብን ሃገርን ሸይጦም ይሽምትዎ። ክብርን ምስትውዓልን ዘለዎ ሕብረተሰብ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሕሱራት ከኽብር ከምዘይክእል ስለዝፈልጡ ንኽብርታቱን ንምስትውዓሉን ይጻረርዎ።

ምስትውዓል ሕብረተሰብ ንምህሳስ ብዝከኣሎም ብመገዲ ልኡኻቶምን ብማዕከናት ዜናን ሓቅታት ከደናግሩ፡ ንሕብረተሰብ ወኪሎም ክሓስቡን ከድምዑን ዓቕሚ ንዘለዎም ዜጋታት ክጻረሩ ቀዳማይ መደብ ስርሖም’ዩ። ስለዚ ድማ ንዓበይቲ ዓድን ሰብ ሞያን ንተማሃሮን ብዝርአአን ዘይረአን መንገዲ ቀጺዖምን ገሪፎምን ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ካብ ሃገር ሰጒጎሞም። ሓሳብ ዘንቅሉን ዘማእዝኑን መራሕትን መምህራንን ኩለን ሃይማኖታት በብእዋኑ ተሃዲኖም። ነዚ መደብ’ዚ ንነዊሕ እዋን ብምስዓብ ኣብ ሃገር ያዕ ዝብል ለባም፡ ንጽባሕ ዝጥምት መስተውዓሊ፡ መደባት ዘሳልጥ በዓል ሞያ፡ ንመጻኢ ዝሓልም ተማሃራይ፡ ስነምግባርን ክብርን ዘስፍን መንፈሳዊ መምህር ዘየለ ከምዝኸውን ብዘይምስልካይ ሰሪሖም። ምኽንያቱ ምልካውያን ቀሲኖም ዝጋልቡሉ ሜዳ ዝምድመድ ድንቁርና ምስዝነግስ፥ ክብርታት ምስዝቕንጠጥ ጥራይ እዩ።

ክብሩ ዝተቧሕጎገ ሕብረተሰብ ኣንጻር መግዛእቲ ክትንስእ ከምዝኸብዶ ይፈልጡ’ዮም። ስለዚ ድማ፡ ንኽብርታት ሕብረተሰብ ኤርትራ በብቝሩብ እናኣቦኽቦኽካ ኣብ ደቀቕቲ ባህታታት ተኣሲሩ ከም እንስሳ ናብ ማሕረዲ ዝምራሕ ሕብረተሰብ ክተኽሉ ጽዒቶም።

ኣብ ኤርትራ ብቑዕ ተማሃራይ ምዃን ኣዝዩ ኣጸጋሚ’ዩ። ቤትትምህርታት ብዋሕዲ መምህራንን መሳርሕን ይሳቐዩ። ኮለጃት ብቑዓት ምሩቓት ከፍርያ ዘለወን ዓቕሚ ኣዝዩ ትሑት’ዩ። ኣብቲ ናይ ትምህርቲ ዕድመ ዘለዉ ቖልዑን መንእሰያትን፡ ለይትን መዓልትን ጸወታታት ኩዕሶ እግሪ ክርእዩ ሰሙናዊ ሰፊሕ ክፋል ግዜኦምን ኣእምሮኦምን ከጥፍኡ ግን ልዕሊ ዝዀነት ትኹን ሃገር ቀሊል’ዩ።

ኣብ ካልእ ዓለም እዋኑ ዝፈለየን ብቐሊሉ ዘይርከብን   ጸወታታት ኩዕሶ እግሪ ነቲ ዝጠመየ መንእሰይ ኤርትራ ብነጻ ስለዝተዋህቦ፡ ኣብ ክንዲ ብዛዕባ ለውጢ ናብራ ዝሓስብ ኣስማት ተጻወትቲ ኩዕሶ እግሪ ከጽንዕ መዋእል ይሓልፎ። ኣብ ወርቃዊ ዕድመ መንእሰያት ኣብ እዋን መግዛእቲ ዝሕሰብ ዝነበረ ዓበይቲ ሓሳባት ገዘፍቲ ጸላእቲ ስለዝኣለየ፡ እዚ ብዘይመኸተምታ ክመልኽ ዝምድብ ጉጅለ ንመንእሰያት ምስጓጕን፡ ነቶም ዝተረፉ ኣእምሮኦም ምስሓውን ቀንዲ ስርሑ’ዩ።

ፍልጠት ከይውሕዝ ስለዚ ድማ ህላዊኡ ከይብዳህ ዝደለየ ምልካዊ ስርዓት ቀዳማይ ዝገበሮ ነገር እቲ ዝነበረ ሓደ ዩኒቨርሲቲ ዓጽዩ፡ ብብሕቲ ዝውነን ተወሳኺ ትምህርቲ ዝህብ ማእከላት ምኽልካል እዩ።

ኣብ ኣስመራ ቤት ትምህርቲ ካብ ምኽፋት ቤት መስተ ምኽፋት ዝቐለለ’ዩ።ኣብያተ መስተን ለይታዊ ትልሂትን ፍቓድ ክህብ ዝጓየ ምምሕዳራት ምልኪ፥ ከም ቤት ትምህርቲ ስማፕ ዝኣመሰሉ ብብሕቲ ዝምህሩ ዕዉታት ኮሌጃት እንተርእዮም ከምዚ ሕጂ ዝሓስብዎ ዘለዉ ክዓጽውዎ ድቃስ ይስእኑ።

በዚ መንገዲ ድማ መምህራን ብሕሱም ናብራ ካብ ሃገር ተሰጒጎም፡ ማእከላት ትምህርቲ ተዓጽዩ፡ ኣብያተ መስተ በብመዓልቲ ይውስኻ። ቁጽሪ ተቐማጦ ኸተማታት እናቐነሰ ይከይድ ክነሱ፡ ቁጽሪ ኣብያተ መስተን ሳዕስዒትን ክውስኽ ኣይምተሰምዐን። ለይትን መዓልትን ከም ልቡ ዝሰርሕ ሕብረተሰብ ከተማታቱ ካብ ኣብያተ መግቢ፡ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ማእከላት ጥዕና፡ ኣብያተ ትምህርቲ ዝበዝሓ ኣብያተ መስተ ክህልውኦ ኣይምኸኣላን።

ኣብ ልዕሊ’ዚ ስነጥበብ ንሕብረተሰብ ኣብ ዕምቈት ምስትውዓል ኣብጺሑ ዝበለጸ ኽሓልምን ዝበለጸ ክኸውንን ምእንቲ ከየኽእሎ፡ እቲ ስርዓት ንጽቡቕ ስነጥበብ ኣንጊሁ ተጻሪርዎ። ኣብዚ እዋን’ዚ ካብ ኤርትራ ዝዝርጋሕ ፍርያታት ስነጥበብ፡ ብፍላይ ድማ ፊልምታትን ደርፍታትን ኣዕናዊ ዝዀነ ትሕዝቶ ዘለዎ ምምርማርን ምዕማቝን ዝጻረር ስራሕ’ዩ።

ኣብ ዝሓለፈ 15 ዓመታት ኣብ ኣስመራ ዝዝርጋሕ ሙዚቃዊ ፍርያት ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ሃብታም ሙዚቃዊ ተመኵሮ ርሒቑ፡ ኣዝዩ ወዲቑ’ዩ ዘሎ። ንስነጥበብ ሙዚቃ ከም መሳርሒ ምልኪ ንምስራቑ ብዙሕ ጻዕሪ ስለዝተኻየደ፡ ናይ ሎሚ ፍርያታት ሙዚቃ ውሽጢ ሃገር፡ ዝዀነ ይኹን ጥበብ ዘይብሉ ዝነበረ ጥበብ ዘጥፍእ ዘርሞዘርሞነት እናበዝሖ ይኸይድ ኣሎ።

እዚ ጥራይ ከይኣክል፡ ኣብቶም ኣብ ቀረባ እዋን ዝዝርግሑ ዘለዉ ብተንቃሳቓሲ ስእሊ ዝስነዩ ፍርያታት ስነጥበብ፡ ንሕንከታትን ነውርታትን ሕብረተሰብ ዝጥሕስ ኣጸያፊ ስእልታት ከም መለሳ ስነጥበባዊ ብቕዓት መስሓቢ ክኸውን ይርአ ኣሎ። እቲ ዓሚቝ ምስትንታን ክፈጥር ዝኽእል ዝዀነ ይኹን ስነጥበባዊ ፍርያት ዝኣገደ ምልካዊ ስርዓት፡ መዕገቲ ጸጽቡቑ ስነጥበብ ዝኸውን ናይ ምእጋድ ሜካኒዝም ተኺሉ፡ ነቶም ሕሱራት ስእልታት የተባብዕ ኣሎ።

ሎሚ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ካብ ኣብ ሓሊበት ዶክተር ሙኻን ለማኒ ሙኻን ይሕሸካ ዝብሉ ፊልምታት፥ እንታይ ዝኸውን ምሁር ሕጊ ዕዋላ ይሕሸኒ ንፍቕሪ ዝብል ደርፊ፥ ሕሉፍ ሓሊፉ ኣብ ሃገርና ይትረፍ ክረአ ክሕሰብ ውን ዘይሕሰብ ፍቕሪ ተመሳሳሊ ጾታ ኣብ ፊልምታትን ክሊፓትን ክወጹን ክዝርግሑን ምትብባዕ ተገይሩሎምስ ተዘርጊሖም ኣለዉ።  እዚ ተግባራት ድማ ክሳብ ክንደይ እቲ ስርዓት ንመንእሰያት ኣእምሮም ኣደንዚዙ ብደዎም ኪቐትሎም (ነቶም ዝርካቦም ብጥይት ዘይቀተሎም ማለትዩ) ደልዩ ምህላዉ ዘርኢ እዩ።

እዚ ተግባራት እዚ ቀዳሞት ዲክታቶራት ዝፈተንዎ ብገለ ሸነኹ ድማ ዝተዓወቱሉ እዩ። ንሓጺር እዋን ዘታልል ናይ ባህታ ክፋል ስለዘለዎ ንሰባት ብፍላይ ድማ ንመንእሰያት ከጋጊ ርሒብ ተኽእሎኡ ድማ ኣሻቓሊ ይገብሮ። ናይ ኮንጎ ዲክታቶር ነበር ሞቡቱ ሴሲሴኮ ራቖትካ ምስዕሳዕ መንእሰያት ንምድንዛዝ ኣብ እዋን ምልኩ  ኮነ ኢሉ ዘተኣታተዎ ሳዕስዒት እዩ ፤ክሳብ ሕጂ ድማ ስንብራቱ ኣይጠፍአን።

ኣብ ቀዳማይ ክፍለዘመን ህዝቢ ሮም ኣብ ጸወታ ንኸድህብ መትን ናይቲ ሽዑ እዋን እምብራጦርያታት ሮም ናይ ግላድያተርስ ግጥማት ከምዝሃብብ ጌሮም ነበሩ። ካብዚ ብዝነቐለ ድማ ኣብዚ ሓድሽ ዓለማዊ ስርዓት መንግስታት ብብሉጽነቶምን ባህጊ ህዝብን ዘይኮነስ ብዘስድዕ ግዝያዊ ባህታ ክገዝእዎ እንተፈቲኖም እቲ መስርሕ ግዝኣት Bread and circuses ተባሂሉ ይጽዋዕ ኣሎ።

እቲ ዕላማ ከምዚ ሕጂ ኣብ ምልክነት ኤርትራ መንእሰያት ኣብ ጸወታት ዓዲንግሊዝ ከድህቡ መታን ዝግበር ዘሎ፥ ነቲ ህዝቢ ካብ ፖለቲካ ኣሊኻ መዳህለሊ መጻወድያታት ንምውዳድ ዝተገበረ እዩ ነይሩ። ነዚ ብገዛእቲ ሮማውያን ዝረአ ዝነበረ ባኒ ደርቢኻ ህዝቢ ናብ ጸወታት ከምዘድህብ ናይ ምግባር ሜላ ንምቅላዕ እቲ ህቡብ ገጣሚ ጁአኤናል፥ panem et circenses ማለት ብላቲን ሕብስቲን ጸወታን ክብል ገሊጽዎ። እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ተመሳሳሊ እዩ፥ ዝፈላልዮ ነገር እንተሎ ህዝቢ ሮማ ዝተዋህቦ ባኒን ጸወታን ኪኸውን ከሎ ህዝቢ ኤርትራ ግን ጥሜትን ጸወታን እዩ ዝወሃብ ዘሎ።

ሎሚ ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ዝርካቦም መንእሰያት ካብቶም ግፋ ብዝብል ጣቛ ክገፍዎም ዝዋፈሩ ወተሃደራት ክሕብኡ ክብሉ ከም ዝብኢ ቀትሪ ደቂሶም ዝውዕሉ ለይቲ ዝወፍሩ ኪኾኑ ተገዲዶም ኣለዉ። ብሰንኪ እዚ ምሕባእ ድማ ሓደ ሓደ እዋንሲ ኣብ ሃገሮም ምህላዎም ዝርስዑሉ እዋን ኣሎ።

ዕድመኦም ኣብ ከንቱ ኣግልግሎት ህግደፍ፡ ኣብ መስተን ካልኦት ወልፍታትን፡ ካብ ስነምግባር ሕብረተሰቦም ርሒቖም ክነብሩ ዝገደዱሉ ዘመን ስለዝኣተዉ ድማ ሓደ ሓደ እዋን ደልዮሞ ዘይኮኑስ ተገዲዶም ንኣእምሮኦም ካብ ጭንቀት ዘረስዕ ስጉምታት ክወስዱ ይግደዱ።

ህዝቢ ኤርትራ ብፍቓዱን፡ ቈጽሊ ብዘውደቑሉን ዝሓሊ መንግስቲ ዝምራሕ ኔሩ እንተዝኸውን፡ ቁጽሪ ኣብያተ መስተ ምቐነሰ’ምበር ኣይምወሰኸን። መንእሰያት መላእ ሃገር ኩሉ ስርሖም ገዲፎም ለይትን መዓልትን ኣብ ቅድሚ ሳናዱቕ ቴለቪዥን ኣይምተዓነዱን። ስነጥበባዊ ፍርያት ዘጸብቕን ዘዕምቝን እምበር፡ ሕስረት እንዳዘርገሐ ኣካላት ብምቕላዕ ስዓብቲ ኪረክብ ዝፍትን ኣይምዀነን። ህዝቢ ኤርትራ ባዕሉ ቈጽሊ ብዘውደቐሉ መንግስቲ ዝምራሕ እንተዝኸውን፡ ከምቲ ቐደም ዝነበሮ ፍቕሪ ስርሑ፡ ክብርታቱ፡ ስነጥበቡ፡ ዓቕሉን ምስትውዓሉን ካልኦት ህዝብታት ክልቅሕዎ ዝሃርፍዎ ምዀነ’ምበር፡ ኣብ ሃገሩ ብመንግስቱ ኣብ ደገ እንተኸደ ኸኣ በብዝረኣዮ ጓና ዝዋረድ ህዝቢ ኣይምዀነን።

    Print       Email

You might also like...

ኢዮብ መድሃኔ ዝተባህለ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ስርዋ ንልዕሊ 10 ዓመት ተኣሲሩ ዝጸንሐ ኮንትራክተር; ካብ ማእሰርቲ ምስ ሓለውቱ ኣምሊጡ።

Read More →