Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ክልተ ኣባላት ስነዳ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ፖሊስ ኤርትራ ተኣሲሮም

By   /  May 18, 2016  /  Comments Off on ክልተ ኣባላት ስነዳ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ፖሊስ ኤርትራ ተኣሲሮም

    Print       Email

ERP-Logo_largeኣብ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ፖሊስ ኤርትራ ማለት `ኣጂፕ` ኣብ ክፍሊ ስነዳ ዝሰርሑ ዝነበሩ ኮብራል ንጉሰ ተኽላይን ምክልትል ተለንተ ትርሓስ የዕብዮን ብ 13 ግንቦት ብኣባላት ሃገራዊ ድሕነት ካብ ስራሖም ተሞቒሖም ከምእተወስድኩ ወኪልና ካብ ከተማ ኣስመራ ሓቢሩ።

ምኽንያት መእሰሪ ናይ እዞም ብዘይ ኣፍልጦ ላዕለዎት ሓለፍቶም ናብ ቦታ ስራሖም ብዝተላእኩ 4 ኣባላት ሃገራዊ ድሕነት ተሞቒሖም ዛጊት ናብ ዘይተነጸረ ቦታ ተወሲዶም ዘለዉ ዜጋታት ዝተፈልጠ ነገር እኳ እንተዘየለ ፣ ብምስላዂ ሓበሬታታ ናብ ግዳም ተጠቂኖም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ግና ልዑል ግምት ኣሎ።

ክፍሊ ሃገራዊ ድሕነት ነቶም ኣብ ክፍሊ ስነዳ ናይ ኩለን መንግስታውያን ኣካላት ዝሰርሑ ኣባላት ቀጥታዊ ክትትልን ስለላን ከምዝገብር እዩ ዝግለጽ።

እቲ ክፍሊ ተኣፈፍቲ ዝበሃሉ ስነዳት ናብ ጽኑዕን ቅዩድን ከባቢታት ከግዕዝ፣ ብፍላይ ምስ ምእሳርን ምጽናትን ዜጋታት ዝተሓሓዝ ሓበሬታታት ዘስፈሩ መዝገባት ናብ ግዳም ከየብሉ ንምቊጽጻር ድማ ልዑል ቊጽሪ ኣባላትን ገዚፍ ባጀትን ኣዉፊሩ ምህላዉ እዩ ዝንገር።

    Print       Email

You might also like...

mideast

ሓድሽ ዓለማዊን ዞባውን ስርዓት (order)፤ ንኤርትራ ብኸመይ ይጸልዋ ኣሎ።

Read More →