Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ካብ ሱዳን ኣውዳኣመት ኣፋሲጋ ምስ ስደራቢቶም ንምሕላፍ ናብ ኤርትራ ዝኣተዉ 18 መንእሰያት ብሓይልታት ጸጥታ ኤርትራ ተኣሲሮም።

By   /  May 5, 2016  /  Comments Off on ካብ ሱዳን ኣውዳኣመት ኣፋሲጋ ምስ ስደራቢቶም ንምሕላፍ ናብ ኤርትራ ዝኣተዉ 18 መንእሰያት ብሓይልታት ጸጥታ ኤርትራ ተኣሲሮም።

    Print       Email

kassካብ ሱዳን ኣውዳኣመት ኣፋሲጋ ምስ ስደራቢቶም ንምሕላፍ ናብ ኤርትራ ዝኣተዉ 18 መንእሰያት ብሓይልታት ጸጥታ ኤርትራ ተኣሲሮም።

እዞም በቲ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ካርቱም ዝህቦ መብጸዓታት ተደናጊሮም ናብ ኤርትራ ዝተጓዕዙ 18 መንእሰያት ናብ ስድራቤቶም ቅድሚ ምብጸሖም ኣብ ተሰነይ ምስበጽሑ እዮም ብጸጥታ ኤርትራ ተቐፊዶም። እዞም ክሳብ እዚ እዋን ኣብ ተሰነይ ተኣሲሮም ዘለዉ መንእሰያት ብፍቃድን ምስላጥን ናይ ኢምባሲ ክልተ ካብ ሚኢቲ ብምክፋል ‘ጽፉፍ’ ወረቓቅቲ ሒዞም ብዕለት 26/04 ብኣርባዓተዓሸር ዝኣተዉ እዮም።

እዞም 18 ዚጋታት ከም ልሙድ ኣሰራርሓ ናይ መንግስቲ ኤርትራ ዝተዋህቦም ምኽንያት የለን። ንኣተኣሳስረኦም ብዝልከት ንገሊኦም ካብ ተሳፊሮምለን ዝነበሩ ኣውተቡስ ብኣባላት ጸጥታ ተለቒሞም ዝወረዱ ኮይኖም ንገለ ካብኣቶም ወን ካብቲ ኣዕሪፎሙሉ ዝነበሩ ሆቴላቶም ከምዝተወሰዱ እዩ ተፈሊጡ ዘሎ።

ስድራቢታት ናይዞም እሱራት ካብ ሰኑይ ጀሚረን ኣብ ኤምባሲታት ብምምጻእ ጥርዓንን ሕቶን የቕርባ እኳ እንተለዋ ወከልቲ ኤምባሲ ዝፈልጥዎ ነገር ከምዘይብሎምን ክሓቱሎም ሙኻኖምን ካብ ምምብጻዕ ዝሓልፍ ኪገብርዎ ዝኽእሉ ከምዘየሎ ንጹር ኮይኑ ኣሎ።

እቲ ኤምባሲ፣ካብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ጀሚሩ ዝኾነ ናብ ሃገር ዝኣቱ ዜጋ ምሉእ ውሕስነት ከምዘለዎን ዝዓበየ ምትሕብባር ከም ዝግበረሉን ብቤትጽህፈቱን ማሕበረኮማትን ጎስጋስ ኪገብር ምጽንሑ ዝዝከር ኮይኑ እዚ ኣብ ልዕሊ 18 መንእሰያት ዝተወሰደ ስጉምቲ ንቡዙሓት ተቐማጦ ሱዳንን ከባቢኣን ዓቢ መምሃሪ ኮይኑ ኣሎ።

ኣብ ተመሳሳሊ ዜና ብዕለት 28/04 ካብ እስራኤል ናብ ሃገር ብኤርፖርት ዝኣተዉ ክልተ ንግዚኡ ሽሞም ዘይረኸብናዮ መንእሰያት ውን ሻቡ ብስራሕ ትደለዩ ኣለኩም ብምባል ከም ዝወሰድዎምን ኣበይ ከም ዘለዉ ክፍብልጡ ዘይከኣሉ ስድራቤቶም ኣብ ሻቅሎት ከም ዝርከቡን ይፍለጥ።

    Print       Email

You might also like...

ሃንደበታዊ ምቅይያር ኣዘዝቲ በራጊድን ቦጦሎኒታትን ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ይካየድ ምህላዉ ተሓቢሩ።

Read More →