Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ኩሎም መንእሰያት ክሳብ 28 ግንቦት ኣብ ዘሎ ግዜ ናብ ታዕሊም ክወርዱ ተኣዚዞም

By   /  May 21, 2016  /  Comments Off on ኩሎም መንእሰያት ክሳብ 28 ግንቦት ኣብ ዘሎ ግዜ ናብ ታዕሊም ክወርዱ ተኣዚዞም

    Print       Email

kassመንግስቲ ኤርትራ ከም ግድን ንዘቐመጦ ወተሃደራዊ ታዕሊም ዘይወሰዱ መንእሰያት ክሳዕ 28 ግንቦት ናብ ምምሕዳራት ከባቢኦም ቀሪቦም ክምዝገቡ ንምድፋእ፣ ኩለን ኣሃዱታት ህዝባዊ ሰራዊት ኣኣብ ከባቢአን ጸቕጥታት ከዛይዳ ዝእዝዝ መምርሒ ምምሕልላፉ ምንጭታትና ካብ ውሽጢ ሃገር ሓቢሮም።

እቲ መምርሒ ካብ ዝሓለፈ 8 ግንቦት ጀሚሩ ይስረሓሉ ከምዘሎ ዘመልከቱ እቶም ምንጭታት፥ ኩለን ኣሃዱታት ህዝባዊ ሰራዊት ታዕሊም ንዘይወረዱ መንእሰያት ነበርቲ ከባቢአን ኣብ ምቕያድን ናብ ዝምልከቶ ኣካል ኣብ ምቕራብን ክጽዕታ ተነጊሩወን ምህላዉ የረድኡ።

ሚኒስትሪ ምክልኻል ፣ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ሃገር ብሓፈሻ ከተማ ኣስመራ ድማ ብፍላይ ልዑል ቊጽሪ ሰራዊት ብብዝሒ ብምውፋርን ንኩለን ኣሃዱታት ህዝባዊ ሰራዊት ኣብ ቀጻሊ ኮለላ ክነጥፋ ብምድራኽን ፣ ነቲ ኣዊጁዎ ዘሎ ኣልማሚ ወተሃደራዊ ግፋ ንምዕዋት በቲ ሓደ ወገን ቅንያት ናጽነት ብርጉእ ሃዋህዉ ንምሕላፉ ብዝብል ምስምስ ሰላማዊ ህዝቢ ንምርዓድ ወጢኑዎ ዘሎ መደብ ንምኩዋን ድማ በቲ ካልእ ተኺሉ ይሰርሕ ምህላዉ ይፍለጥ።

ኣብ ቅንያት መዓልቲ ናጽነት ዝትግበሩ ግፋታት ከም ቀንዲ ምንጪ ንግዱድ ዕስክና ዜጋታት ክውሰዱ ካብ ዝጅምሩ ነዊሕ ግዜ ተቖጺሩ ኣሎ።

    Print       Email

You might also like...

_106539_eritrea300

ንኡስ ምልክታት ናዕቢ ኣብ ሰራዊት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ

Read More →