Loading...
You are here:  Home  >  Columns  >  Current Article

ኣፍንጫ ተተሃሪማ ዓይኒስ ትብከ ደኣ – ሓደራ!

By   /  May 17, 2016  /  Comments Off on ኣፍንጫ ተተሃሪማ ዓይኒስ ትብከ ደኣ – ሓደራ!

    Print       Email

disableመጀመርታ ምስ መጹ’ ማለት First they came እትብል ግጥሚ ብማርቲን ኒሙለር እተባህለ ጀርመናዊ ቀሺ እተገጥመት፥ ጀርመናውያን ብፍላይ’ ኳ ምሁራት ኣብ እዋን ናዚ ሂትለር ‘ኣብ ነብሰይ እንቋዕ ኣይበጽሓኒ’ ብዝብል ምኽንያት ብዝፈጠርዎ ኣመለ-ስቕታ ንዝሰዓበ ህልቂት ህዝቢ ብነቐፌታዊ ዓይኒ እትትርኽ ህብብቲ ግጥሚ እያ። መንፈሳ ክትርጎም ከሎ ከምዚ ዝስዕብ ይመስል።

መጀመርታ ማሕበርነታውያን ኣህሊቖም

ብጩቕ ኣይበልኩን

ምኽንያቱ ማሕበርነታዊ ስለዘይነበርኩ፥ 

ደሓር ናብ ቅትለት ሰራሕተኛታት ሰጊሮም

ሕጂ ውን እሕሕ ኣይበልኩን

ምኽንያቱ ሰራሕተኛ ስለዘይኮንኩ፥ 

ደሓር ኣይሁድ ብእያድ ቀንጺሎም

ሽዑ ውን ቃል ኣየውጻእኩን

ምኽንያቱ ይሁድ ኣይኮንኩን፥ 

ደሓር ናብ ነብሰይ መጺኦም

ዝከላኸለይ ድማ ኣይረኸብኩን

ምኽንያቱ ኩሎም ጸኒቶም እንድዮም – ኣብ ጥቓይ እኳ ኣይነበሩን። 

እዚ ሓቂዚ ኣብ ኤርትራ ብዘሕዝን መልክዑ ሕጂ ክዉን ዝኸውን ዘሎ ነገር’ዩ። እቲ ሰንሰለት ንምሕጻሩ ካብ ድሕሪ ናጽነት ጥራይ እንተጀመርናዮ እኳ እቲ ህቡብ ግጥሚ በዚ ዝስዕብ ክርዕም ይኽእል።

መጀመርታ ስንኩላን ማይሓባር ኣህሊቖም

ብጩቕ ኣይበልኩን

ምኽንያቱ ስንኩል ኣይነበርኩን፥ 

ደሓር ናብ ቅትለት ኣገልግሎት ሰጊሮም

ሕጂ ውን እሕሕ ነይበልኩ

ምኽንያቱ ኣገልግሎት ስለዘይኮንኩ፥

ደሓር መራሕቲን ጋዜጤኛታትን ሓይሮም

ሽዑ ውን ሓንቲ ኣይበልኩን

ምኽንያቱ መራሕን ጋዜጠኛን ኣይኮንኩን

ደሓር ናብ ነብሰይ መጺኦም

ዝከላኸለለይ ድማ ኣይረኸብኩን

ምኽንያቱ ኩሎም ጸኒቶም እዮም – ኣብ ጥቓይ ከማን ኣይነበሩን።

ኣብ ኤርትራ ዝረአ ዘሎ ክስተት ቀንዲ ጸገሙ ናይ ካልኦት ስቅያት ከም ስቅያትካ ዘይምርኣይ፥  ንናይ ካልእ ሽግር ከም ልሙድ ርኢኻ ናብ ነብስኻ ክሳብ ዘይመጻካ ምስ ውስጠ ሕልናኻ ዘይምዝታይ እዩ። ሎሚ ኣብ ኤርትራ ኣፍንጫ ተተሃሪማ ኣፍንጫ ንበይና እያ ክትሳቐ ትግደፍ ዘላ። እታ ጥቓኣ ዘላ ዓይኒ ኣይተልቅስን – እታ ጥቓኣ ዘላ ልሳን ውን ኣይተድምጽን ኣላ።

ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ህዝቢ ናብዚ ስቕታ ዝደፍኦ ዘሎ ሹቕሮራን ራዕድን ርዱእ እዩ። ኣፍንጫኡ ተሃሪማ ኢላ ዓይኑ እንተነቢዓ ስለምንታይ ነቢዕኪ ተባሂላ እታ ዓይኒ ውን ስለትኖቅር ኣማራጺ ስኢኑ ብስቓይ ሳጺዩ ይርከብ። ብሰንኪዚ ድማ ማእሰርቲ፥ ምጥፋእን ምስዋርን ንቡር ኣካል ህይወቱ ክሕሰቦ ቀሪቡ ኣሎ።

እቲ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ዝገርም ናይቶም ኣብ ጥቓ ሓዊ ዘየለዉ ግን እቲ ሰብ ዝበልዕ ሓዊ መመሊሱ ክሳወር ዝጽውዑን ዝዝምሩን እዮም። ንነብሶም ኣብ ምቾትን ማሙቕን ኮይኖም ሃገራዊ ኣገልግሎት ክቕጽል ኣለዎ ዘብሉ፥ 7 ወይ 8 ኣሕዋት ብኹሎም ኣብ ወጻኢ እንዳተቐመጡ ነታ መስክነይቲ ኣደ ሓደ ውላድ ጥራይ ወዳ ይኺድ እምበር ንዓዱ የገልግል እናበሉ ዝወራዘዩ፥ ኣብ ዘለዉዎ ሃገር ወጻኢ ገዛ ኣጥርዮም ኣብ ውሽጢ ሃገር ክራማት ጥራይ ዝኸፍትዎ መረባዓት ኣስሪሖም ብኣንጻሩ እቶም ነታ ሃገር ዝኸፈሉን ዝደመዩን ግዳም ሓደር ኪኾኑ ዘይስመዖም ሕልና ኣልቦ ሰባት እዮም።ደም ስለዘይብሎም ድማ ከምቲ ዜና ሬድዮ ኤረብና ኣብዚ ቅንያት ዝፈነዎ ካብ ወጻኢ ዝመጹ ናይ ዝሸራሸሩሉ መደብ ክወጽእ ከሎ፥ መንእሰያት ኤርትራ ድማ ንዕለት 28 ግንቦት ናብ ሳዋ እንተዘይወሪዶም ዝጽበዮም ከቢድ ስጉምቲ ዝሕብር ምልክታታት ኣብ ጎደናታት ኣስመራ ተዘርጊሑሎም ኣሎ።

‘መጀመርታ ምስመጹ’ ወይ First they came  እትብል ሓረግ ነዞም ሰቦም ክሳብ ዘይኮነ ካልእ ሰብ ተሳቕዩ ዘይስመዖም፥ ንባዕሎም ውሉዶም ሓቑፎም ብሕንቃቐ እንዳዕበዩን እንዳምሃሩን ፥ውላድ ካልኦት ኣብ ማእሰርቲ ንእስነቶም እንዳበለዩ ብበለጽ ንዝነብሩ ሰባት ትምህርቲ ዝህብ ጽሑፍ’ዩ።

ኤርትራዊ ኣብ ባህሉ ሰቡ እንዳተሳቐየ ንዘይስመዖ ሰብ ዝኹንን ያታ ኣለዎ። ኣደ ንጉሰ ኣዴና ኣይኹና ወደን ክሕረድ ንሰን ይቑነና ዝብል ኣፈታሪኽ ቃንዛ ወገኑ ዘይስመዖ ተኾይኑ ዘይሰብ ስለዝኾነ ዝውገዝ ምንባሩ ዘረድእ ፥ ህዝቢ ኤርትራ ብሓባር ዝቕንዞ ብሓባር ዝሕጎስ ሙኻኑ ዝነግር ዛንታ እዩ። ሎሚ መንእሰያት ኣብ ባሕርታትን ምድረበዳታትን እንዳተቐዝፉ ግልብጭ ተቖኒነን ዝስዕሳዓ፥ ቆልዑት ኣብ ሃገረን ተስፈአን ምስተመንዘዐ ኣብ ካልእ ሃገር ተስፋ ከናድያ ኣብ ጉዕዞታት ሲናያት ኩሊተን ተጠቢሐን እንዳተመንዘዓ እንቛዕ ጓለይ ሗቖፍኩ እምበር ደቒ ካልኦት ደለያ ይኾና ኢለን  ዘውዛሕዝሓ፥   ኣብ ጎደናታት ከተማ ኣስመራ ከይተረፈ  ኣብ ጨው ቀትሪ መንእሰያት ተቐዚፎም ከለዉ ጥልፍን ዕጥርጥርን ኩታን ጋቢን ዝኽደና ውሑዳት ኣዴታት ከም ኣደ ንጉሰ ኣዴታትና ኣይኾና እየን ዘብላ። ደቂ 8 ዓመት ሕንጫላት ኣብ መዓስከራት ሱዳንን ኢትዮጲያን ዕለታዊ ድራር ክቕበሉ መስርዕ ሒዞም እንዳተሰርዑ፥ እታ ብኩርዓታን ክብረታን እትፍለጥ ኤርትራ ደቃ ብውርደትን ሕሰረትን እንዳተመሰሉ፥ ደቂ ደቆም ዝኾና ብበደዊን  እንዳተጋሰሳ
፤ኣብ ግንባሮም ጋማ ጨርቂ ኣሲሮም ኣብ ፌስቲቫላት እምብልታ ዝነፍሑን ሰበስልጣን ህግደፍ ከሳዕስዑ ዘዳኽሩን ኣቦታት ኣቦታትና ኣይኹኑ ዘብል እዩ።

ሞራል ናይዚ ከም ኣብነት ዝተጠቐሰ ግጥሚ ድማ ሓደ ንጹር መልእኽቲ እዩ ዘለዎ። ናብ ነብሰይ ኣይበጽሓትንን ኢሉ ወገኑ፥ ደቁ፥ ደቂ ደቁ፣ ሃገሩ፥ ብዓቢኡ ሕድሪ ሰማእታቱ እንዳተጎ-ዘየ ሓላፍነት ዘይስመዖ ሰብ ንግዚኡ እኳ ብምቾት እንተነበረ ዘይሰድድን ዘይምሕርን ስቓያተ – ሕልና ብደዉ ዝሞተ ክገብሮ ሙኻኑ ርዱእ እዩ።

ሓደራ ህዝቢ ኤርትራ፡ ከምቀደምና ኣፍንጫ ተተወቒዓ ዓይኒ ደኣ ትብከ።

    Print       Email

You might also like...

ሃንደበታዊ ምቅይያር ኣዘዝቲ በራጊድን ቦጦሎኒታትን ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ይካየድ ምህላዉ ተሓቢሩ።

Read More →