Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ኣብ ኣስመራ 11 ሽሕ ሲቪል ዝተኸደኑ ኣባላት ጸጥታ ተዋፊሮም ምህላዎም ተሓቢሩ

By   /  May 22, 2016  /  Comments Off on ኣብ ኣስመራ 11 ሽሕ ሲቪል ዝተኸደኑ ኣባላት ጸጥታ ተዋፊሮም ምህላዎም ተሓቢሩ

    Print       Email

spyኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ኣስመራ ኣስታት 11 ሽሕ ሲቪላዊ ክዳን ዝተኸድኑ ኣባላት ጸጥታ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ተዋፊሮም ምህላዎም ተሓቢሩ።

እዞም ናይ ጸጥታ ኣባላት ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ኣብ መንጎ ህዝዝቢ በዓል እንዳኣብዓሉ ምንቅስቓስ ህዝቢ ብፍላይ መንእሰያት ዝከታተሉ ሙኻኖም ክሕበር ከሎ፥  ሰራዊት ኤርትራ ውን ንባዕሉ ኣብ ትሕቲ ምክትታል ኣትዩ ብምህላዉ ኣብ ዝኾነ ሓለዋ ከይዋፈር መምርሒ ተመሓላሊፉ ምህላዉ ይግለጽ።

ብዘይካዚ ኣስታት 2614 ዝኾኑ ናይ እዝኒ ዝበሃሉ  ኣባላት ዋህዮታት ስለያ ኣብ መንጎ ህዝቢ ብፍላይ ድማ ኣብ ምምሕዳር ከባቢታ ተዋፊሮም ዕለታዊ ንኣበዓዕላ ከባቢታትን ስምዒታት ህዝብን ብምክትታል ጸብጻባት የመሓላልፉ ምህላዎም ተሓቢሩ።

መንግስቲ ኤርትራ ናብዚ በዓል ንኽሳተፉ ንብርክት ዝበሉ መራሕቲ ወሽመጥ ዓረብ ብፍላይ ድማ ንመራሕቲ ቀጠር፥ ስዑድያን ኢማራትን  ፍሉይ ዕድመ ምልኣኹ ዝሓበሩ ምንጭታት፥  ኣብ ኣፍሪቃ ድማ መራሕቲ ግብጺ፥ ኬንያ፥ ሱዳን፥ ደቡብ ሱዳንን ዩጋንዳን ተዓዲሞም ምህላዎም ተሓቢሩ።

    Print       Email

You might also like...

_106539_eritrea300

ንኡስ ምልክታት ናዕቢ ኣብ ሰራዊት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ

Read More →