Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ኣሕመድ ሃሺ፡ ‘ፍልሰት ደቂ ሰብ ዴሞክራስያዊ ስርዓት ምትካል ጥራይ እዩ ፍታሑ’

By   /  May 15, 2016  /  Comments Off on ኣሕመድ ሃሺ፡ ‘ፍልሰት ደቂ ሰብ ዴሞክራስያዊ ስርዓት ምትካል ጥራይ እዩ ፍታሑ’

    Print       Email

Coat-of-arms-DETAILED-rgbኣማኻሪ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኬንያ፥ ኣሰይድ ኣሕመድ ሃሺ፥  እቲ ኣብ ኤርትራን ካልኦት ሃገራትን ዘሎ ፍልሰት ደቂ ሰባት ከብቕዕ ዝኽእል  ኣብተን ሃገራት ዴሞክራሲያዊ ስርዓት ብምትካልን ልዕልናኡ ብምርግጋጽን ጥራይ ሙኻኑ ገሊጹ።

እቲ በዓል ስልጣን ኣብቲ ኣብ ማዕከናት ዜና ኬንያ ብቐጥታ ዝተቓለሐ ኮንፈረንስ  ዝገበሮ መግለጺ፥ ብፍላይ ብዛዕባ እዛ ንህዝባ ገሃነብ ኮይና ዘላ ኤርትራ መንግስታት ኣፍሪቃ ዘይምዝራቦም ዘገርም ምዃኑ ብምዝካር፥ ‘ብሰንኪ ፕረሲደንት ናይታ ሃገር  ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ገዛእ ህይወቱ ዋንነት ስኢኑ ኣሎ’ ክብል ገሊጹ።

ኣሰይድ ኣሕመድ ሃሺ ቀጺሉ፥ መንእሰያት ኤርትራ ብሰንኪ ዝወርዶም ዘሎ ከቢድ ኣደራዕ እግሮም ናብ ዝመርሖም ፋሕ ይብሉ ምህላዎም ኣብ ኣፍሪቃ ሓንቲ ካልእ ሰሜን ኮርያ ትምስረት ኣላ ድሕሪ ምባሉ፥ መንግስቲ ኬንያ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንዘለዋ መሪሕ ተራ ተጠቒማ ኣብ ኤርትራን ካልኦት ሃገራትን ልዕልና ሕግን ዴሞክራስን ክነግስ ጻዕራ ከተበርትዕ ጸዊዑ።

ብመድረኽ ንሃገራዊ ዘተ ዝተወደበ ዋዕላ ሃገራዊ ዘተ ኣብ ናይሮቢ ድሕሪ ምክያዱ፥ ህዝቢ ብሓፈሻ፥  ብፍላይ ድማ ፖለቲካውያን ሓይልታትን ዘይመንግስታውያን ውድባትን ማእከላት ስትራተጂካዊ መጽናዕትታትን ኬንያ፥ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ዘለውን መረዳእታ እንዳዓበየ ክመጽእ፥ ብኡ መጠን ድማ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ሽግር ንምፍታሕ ሃናጺ ዞባዊ ኣበርክቶ  ኣብ ምግባር  ክሰርሓ ጸኒሐን ኣለዋ።

ምኩር ዲፕሎማሰኛን ናይ ኣፍሪቃ ጉዳያት ክኢላን ኣሰይድ ኣሕመድ ሃሺ ኣማኻሪ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኬንያ እዩ።

    Print       Email

You might also like...

_106539_eritrea300

ንኡስ ምልክታት ናዕቢ ኣብ ሰራዊት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ

Read More →