Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ኢማራት ንኤርትራ ናይ ሓይሊ ኣየር መቀያየሪ ንብረት ብሓገዝ ሂባ

By   /  May 12, 2016  /  Comments Off on ኢማራት ንኤርትራ ናይ ሓይሊ ኣየር መቀያየሪ ንብረት ብሓገዝ ሂባ

    Print       Email

Eritrean AF 608-3መንግስቲ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ንመንግስቲ ኤርትራ ወተሃደራዊ ሓገዝ ምሃብ ይቕጽል። በዚ መሰረት ብዕለት 06 ግንቦት 2016 ንነፈርቲ ኩናት ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ዝኸውን መቀያየሪን ጽገናን ዝሓዘ ክልተ ኮንተይነራት ኣብ ወደብ ራስ ዳርማ ተራጊፉ ኣሎ።

ነቲ ንብረት ብደረጃ ሓላፍነት ዝሰርሑ መኮንናት ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ካብ ኣስመራ መጺኦም ከምዝተረከብክዎ፥ ብዕለት 08 ግንቦት ኣብ ሰዓታት ወጋሕታ ድማ ገለ ክፋሉ ናብ ኣስመራ ብሄሊኮፕተራት ከምዝገዓዘ፥ ዝተረፈ ድማ ብኣባላት ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ብጽኑዕ ይሕሎ ምህላዉ ተረጋጊጹ።

ምስ ሓይሊ ኣየር ኣብ ዝተኣሳሰር ዜና ብሰሉስ 10 ግንቦት ካብ ሰዓታት ንግሆ ክሳብ 11 ቅድሚ ቀትሪ ነፈርቲ ኩናት ኤርትራ በረራ ክገብራ ምውዓለን እዚ  ምንቅስቓስ ድማ  ንህዝቢ ኣስመራን ከባቢኣን  ኣገሪሙ ከምዘወዓለ ተሓቢሩ።

ምኽንያት ናይዚ በረራ  ነፈርቲ ብንጹር እኳ ክፍለጥ እንተዘይተኻእለ፥ ኣብ ብሩራዊ በዓል 24 ግንቦት ኣብ ዝግበር ምርኢት ሓይሊ ኣየር ናይ ግብጺ ክኢላታት ሓይሊ ኣየር ንኽሳተፉ ካብ መንግስቲ ኤርትራ ሕቶ ምቕራቡን ተግባራዊ ምላሽ ከምዝተረኸቦን ሬድዮ መድረኽ ኣብ ናይ ለካቲት ፈነውኡ ሓቢሩ ምንባሩ ይዝከር።

 

 

 

    Print       Email

You might also like...

mideast

ሓድሽ ዓለማዊን ዞባውን ስርዓት (order)፤ ንኤርትራ ብኸመይ ይጸልዋ ኣሎ።

Read More →