Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ንድግሳት ነጻነት ተባሂሉ ዝወጸ 500 ሚልዮን ሰፊሕ ብልሽውናን ስርቅን ከምዘኸተለ ተፈሊጡ

By   /  May 31, 2016  /  Comments Off on ንድግሳት ነጻነት ተባሂሉ ዝወጸ 500 ሚልዮን ሰፊሕ ብልሽውናን ስርቅን ከምዘኸተለ ተፈሊጡ

    Print       Email
Bribe-and-corruption--008ንበዓል ናጽነት ተባሂሉ ዝተገበረ ናይ 500 ሚልዮን ወጻኢታት ኣብ ብዙሓት መዳያት ሰፊሕ ስርቂ ከምዘስዓበ ምንጭታት መድረኽ ገሊጾም።
ብፍላይ እቲ ብስም ሃገራዊ ድሕነት ንተጸናጸንትን ቃርማታትን ዝወሃብ ክፍሊት ኣስማቶም ንምዕቃብ ተባሂሉ ብዘይቅብሊት ስለዝካየድ ብዙሓት ካብቶም ናይ ዋህዮታት ኣወሃሃድቲ ብርክት ዝበለ ገንዘብ ናብ ጁበኦም ከምዘትረፉ ተገሊጹ። ከም ሳዕቤን ናይዚ ኣብ መንጎ ክልተ ኣወሃሃድቲ ቃርማታት ዝኾኑ ኣብ ሬድዮ ማሪናዮ ዝነብሩ ኣባላት ሃገራዊ ድሕነት ሓንቲ ካብኦም ጓልኣንስተይቲ ብዝተላዕለ ግርጭት ነንሕድሕዶም ከምዝተጎዳድኡ ተገሊጹ።
ካብ ወጻኢ ንዝመጹ ብርክት ዝበሉ ወጻእተኛታት ስነጥበባውያን ተባሂሉ ዝተገበረ ናይ ዶላር ወጻኢታት እውን ሓለፍቲ ኮሚሽን ባህልን ስፖርትን ዝርከብዎ ልዑል ብልሽውናን ስርቅን ከምዝተራእዮ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
    Print       Email

You might also like...

_106539_eritrea300

ንኡስ ምልክታት ናዕቢ ኣብ ሰራዊት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ

Read More →