Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ናብ ሊብያ ዝጓዓዙ ዝነበሩ 3 ደቀንስትዮ ዝርከቦም 12 ኤርትራውያን ሞይቶም

By   /  May 10, 2016  /  Comments Off on ናብ ሊብያ ዝጓዓዙ ዝነበሩ 3 ደቀንስትዮ ዝርከቦም 12 ኤርትራውያን ሞይቶም

    Print       Email

 
4305ብዕለት 04 ግንቦት 2016 ናብ ሊብያ ዝጓዓዙ ዝነበሩ ኤርትራውያን ቤንቓዚ ንኽኣትዉ ክልተ ሰዓት ምስተረፎም ብዘጋጠመ ናይ መካይን ሓደጋ 3 ደቀንስትዮ ዝርከበኦም 12 ኤርትራውያን ከምዝሞቱ ካልኦት ብርክት ዝበሉ ድማ ከምዝቖሰሉ ተፈሊጡ።

እቶም ሒዞሞም ዝጓዓዙ ዝነበሩ ደለልቲ ድሕሪቲ ሓደጋ ነቶም ስደተኛታት ናብ ሆስፒታል ከይከዱ ብምኽልኻል ባዕሎም ኣብ ሓደ መኻዚኖ ኣእትዮም ረድኤት ክገብርሎም ከምዝፈተኑ ካብቲ ቦታ ደዊሎም ንስድራቤቶም ካብ ዘዘራረቡ ግዳያት ብዝተረኸበ  ሓበሬታ ተረጋጊጹ ኣሎ።

ብዘይካ እዘን ሓደጋ ዘጋጠመን መካይን ካልኦት ብርክት ዝበላ መካይን ኣብ ጉዕዞ ተበላሽየን ብምህላወን ብዙሓት ኤርትራውያን ኣብ ሳሃሮ ምድረበዳ ዛሕ ኢሎም ምህላዎም ውን እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረጋጊጹ።

ምስዚ ብዝተኣሳሰር ዜና ብዕለት 06 ግንቦት 2016 ካብ ሱዳን ናብ ሊብያ ዝጓዓዙ ዝነበሩ ዝበዝሑ ኤርትራውያን ኣብ ከባቢ ድንጉላ ዝተባህለ ከባቢ ምስበጽሑ ብፖሊስ ሱዳን ከምዝተታሕዙ ተፈሊጡ።

እዞም ልዕሊ 280 ዝኾኑ ኣብ ሮሊ ዝዓይነተን መካይን ተጻዒኖም ዝጓዓዙ ዝነበሩ ስደተኛታት 98 ደቀንስትዮ ኪኾና ከለዋ ብርክት ዝበሉ ትሕቲ  ዕድመ ቆልዑት ውን ነይሮሞም።

ካብዞም ዝተታሕዙ ስደተኛታት ክልተ ኤርትራውያን ካብ መካይን ነጢሮም ከምልጡ ክብሉ ኣብቲ ቦታ ከምዝሞቱ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

 

 

 

 

 

 

    Print       Email

You might also like...

ኢዮብ መድሃኔ ዝተባህለ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ስርዋ ንልዕሊ 10 ዓመት ተኣሲሩ ዝጸንሐ ኮንትራክተር; ካብ ማእሰርቲ ምስ ሓለውቱ ኣምሊጡ።

Read More →