Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ምጥርናፍ ዓድታት ተባሂሎም ኣብ ከባቢ ኣፍዓበት ዝተኣከቡ ህዝቢ ብሕጽረት ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ይሳቐዩ

By   /  May 8, 2016  /  Comments Off on ምጥርናፍ ዓድታት ተባሂሎም ኣብ ከባቢ ኣፍዓበት ዝተኣከቡ ህዝቢ ብሕጽረት ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ይሳቐዩ

    Print       Email

ምምሕዳር ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ  ምጥርናፍ ዓድታት ብዝብል ምስምስ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ከባቢ ኣፍዓበት ኣኪብዎ ዘሎ ህዝቢ ብሕጽረት ማሕበራዎ ኣገልግሎታትን ቀረባትን ይሳቐ ከም ዘሎ ተሓቢሩ።

እቲ ካብ ዓዲታት የምሆ ፡ ምህዳፍን ህካኖን ናብ ከባቢ ፈልከት ተኣኪቡ ዘሎ ህዝቢ፣ ብሕጽረት ማይን መግብን ከምኡ`ውን መጽለሊ ይሳቐ ከምዘሎ፥ ምምሕዳር ከተማ ኣፍዓበት ድማ ነቲ ተርእዮ ዝነኣሰ`ውን ይዂን ኣቓልቦ ይህቦ ከምዘየለ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

ብሓይሊ ካብ ዓድታተን “ምጥርናፍ” ብዝብል ጉልባብ ዝተፈናቐላ ስድራቤታት ጉዳየን ቁልጡፍ ፍታሕ ክገብረሉ  ንምምሕዳር ከተማ ኣፍዓበት`ኳ እንተሓተታ ፥ ጉዳይኩም ካብ ምምሕዳር ኣፍዓበት ወጻኢ እዩ ዝብል ዘይብቁዕ  መልሲ እዩ ተዋሂቡወን ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ላዕለዋይ ክፋል ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ መዲቡዎም ድሮ ጀሚሩዎን ዘሎ ዕደናዊ ንጥፈታት ካብ ህዝቢ እቲ ከባቢ ንምኹዋል – “ምጥርናፍ ዓዲታት” ብዝብል ምስምስ ንነበርቲ የሳጒጒን ዝነኣሰ ትሕተ-ቅርጺ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ናብ ዘይብለን ከባቢታት ብቐጻሊ የርሕቕን ኣሎ ። ብፍላይ ነበርቲ ሓያሎ ከባቢታት ቃሮራን ናቅፋን ፥ ዋዲ-ላብካ ናብ ዝበሃል ጭው ዝበለ በረኻ`ዩ ዘግዕዞም ዘሎ

 

 

    Print       Email

You might also like...

mideast

ሓድሽ ዓለማዊን ዞባውን ስርዓት (order)፤ ንኤርትራ ብኸመይ ይጸልዋ ኣሎ።

Read More →