Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ብርክት ዝበሉ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ኣብ ገማግም ባሕሪ ኢጣልያ ድሒኖም

By   /  May 26, 2016  /  Comments Off on ብርክት ዝበሉ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ኣብ ገማግም ባሕሪ ኢጣልያ ድሒኖም

    Print       Email

3499670F00000578-3608675-Migrants_smile_on_board_the_rescue_ship_Aquarius_on_May_25_a_day-a-78_1464185743659ብርክት ዝበሉ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣማኢት ስደተኛታት ሒዛ ትጓዓዝ ዝነበረት ንእሽቶ መርከብ ብምጥሓላ ኣብኣ ካብ ዝነበሩ ሰባት ብዘጋጠሞም  ፥ ዛጊት ክሳብ 560 ክድሕኑ ከለዉ 5 ምውታት ድማ ሬስኦም ተረኺቡ ኣሎ።

ናይ ኢጣልያ ናይ ኮለላ መርከብ ነታ ትጥሕል ዝነበረት ሰማያዊት ናይ ዓሳ ምግፋፍ ጃልባ ብኣጋ ብምርኣያን ቅልጡፍ ናይ ምድሓን ስጉምቲ ብምውሳዳን እቲ ሓደጋ ካብቲ ኪኸውን ዝኽእሎ ዝነበረ ህልቂት ክድሕን ከምዝኸኣለ ዝጠቐሱ መሰኻኽር ቅልጡፍ ድሕነት እንተዘይነብር ዳርጋ ኩሎም እቶም ስደተኛታት ናይ ሞት ሓደጋ የንጸላልዎም ምንባሩ ሓቢሮም።

ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይን ሰሉስን ማለት 23 ግንቦትን 24 ግንቦትን ጥራይ ብርክት ዝበሉ ኤርትራውያን ዝርከብዎም 5600 ስደተኛታት ካብ ሓደጋ ከምዝደሓኑ  ምንጭታት ሓለዋ ኢጣላያ የመልክቱ።

ኤርትራውያን ኣብ 24 ግንቦት ካብታ ናጽነት ዝሰኣኑላ ሃገር ንምውጻእ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓደጋ ምውዳቖም እታ ናጽነት ዘምጸአት ዕለት ካብቲ ናጽነት ዝበሃል ባህጊ ክሳብ ክንደይ ርሒቓ ገይሻ ምህላዋ ዘርኢ እዩ።

 

 

    Print       Email

You might also like...

ኢዮብ መድሃኔ ዝተባህለ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ስርዋ ንልዕሊ 10 ዓመት ተኣሲሩ ዝጸንሐ ኮንትራክተር; ካብ ማእሰርቲ ምስ ሓለውቱ ኣምሊጡ።

Read More →