Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ቁጽሪ ናይቶም ኣብ ጸላም ሰንበት ዝሞቱ መንእሰያት 20 በጺሑ

By   /  May 9, 2016  /  Comments Off on ቁጽሪ ናይቶም ኣብ ጸላም ሰንበት ዝሞቱ መንእሰያት 20 በጺሑ

    Print       Email

april-26-news-rwanda1እቶም ኣብ ጸላም ሰንበት እተቐዝፉ መንእሰያት ብድምር ቁጽሮም 20 ከምዝበጽሐ ተረጋጊጹ። እዚ ቁጽሪ 20 ዝበጽሐ ብዙሓት እቶም ብኸቢድ ቆሲሎም ዝነበሩ መንእሰያት ስለዘይደሓኑ እዩ።

ምምሕዳር ዞባ ማእከል ድሕሪ እዚ ቅዝፈት ዝኾነ ናይ መርድእ እንተላይ ናይ ስዉኣት ወረቐት ኣብ ከተማታት ከይጥቓዕ ዘመሓላለፎ ግዝያዊ መምርሒ ኣብዚ እዋን እዚ ብወግዒ በቀዋምነት ክትግበር ናብ ኩለን ንኡስ ዞባታት መምርሒ ኣመሓላሊፉ ምህላዉ ውን ተረጋጊጹ።

ምስዚ ኣብ ዝተኣሳሰር ዜና እቶም ኣብ ሚያዝያ ንዝተቐተሉ መንእሰያት ስድረኦም ከይሓዝኑሎም ዝኣዘዙ ሰበስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ኣብቲ ቅንያት እቲ ናይ ርዋንዳ ህልቂት ተባሂሉ ብሓላፊት ዩኤንዲፒ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝተወደበ ዝኽሪ ‘ሓዘኖም’ ንምግላጽ ምስታፎም ህዝቢ ኣስመራ ብፍላይ ድማ ስድራ ምውታት ከቢድ ቅሬታ ከምዝገበሩ ወኪል መድረኽ ካብ ኣሰመራ ገሊጹ።

ብኻልእ ወገን  ምምሕዳር ሚኒስትሪ ምክልኻል ድሕሪ ሕጂ ዝግበር ኩሉ ምንቅስቓስ ሰራዊት ብለይቲ ኪኸውን ኣማራጺ መንገድታት ጉዕዞ ኣብ ዝህልወሉ እዋን ድማ ብማእከል ዓበይቲ ይኹን ነኣሽቱ ከተማ ምሕላፍ ክውገድ ጥቡቕ ትእዛዝ ናብ ኩለን እዝታትን መደበራት ታዕሊምን ኣመሓላሊፉ ኣሎ።

    Print       Email

You might also like...

mideast

ሓድሽ ዓለማዊን ዞባውን ስርዓት (order)፤ ንኤርትራ ብኸመይ ይጸልዋ ኣሎ።

Read More →