Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

መልእኽቲ ዶክተር ኣሰፋው ተኸስተ፥ ኣወሃሃዲ መድረኽ ንሃገራዊ ዘተ ኤርትራ ብኣጋጣሚ መዓልቲ ነጻነት ኤርትራ

By   /  May 24, 2016  /  Comments Off on መልእኽቲ ዶክተር ኣሰፋው ተኸስተ፥ ኣወሃሃዲ መድረኽ ንሃገራዊ ዘተ ኤርትራ ብኣጋጣሚ መዓልቲ ነጻነት ኤርትራ

    Print       Email

TekesteGhebrekidanAssefawክቡር ህዝቢ ኤርትራ

ኤርትራ ከም ሃገር ኣብ ዓለም ካብ እትፍለጥ፡ ሃገራዊ መንነትና ኣብ ቅድሚ ዓለም ካብ ዝረጋገጽ፡ ዶባት ኤርትራ ኣብ ካርታ ዓለም ካብ ዝሕንጸጽ፡ ኤርትራ ናታ መንግስቲ ካብ እተቝውም እንሆ 25 ዓመታት ኮይኑ ኣሎ። ኣብዚ እዋን፡ ድሕሪ ናጽነት ዝተወልዱ ኤርትራውያን 70% በጺሖም ኣለዉ። እዚኣቶም እንትርፎ ነጻ ኤርትራ ካልእ ዘይፈልጡ ዜጋታት ብባዕዳዊ መግዛእቲ ዘይተኸላበቱ፡ ባህሎም ቋንቋኦም ብግዳማዊ ጽልዋ ዘይተበከለ፡ ቀዳሞት ነጻ ወለዶ ኤርትራውያን ኪብሃሉ ይከኣል። ካብቲ ዝተማህርዎ ታሪኽ ተበጊሶም ድማ፡ ነዛ መዓልቲ ብኣድናቖት ናይቶም ነዚ ክውን ዝገብሩ ብህይወት ዘለዉን ዝሓለፉን ኤርትራውያን የብዕልዋ። እቶም ዝተረፉ 30% ገሊኦም እዋን ሓርነታዊ ቃልሲ ዘርከቡ፡ ገለውን ኣብ ቃልሲ ዝውዓሉ ድማ ነዛ መዓልቲ ሓጎስን ምስትንታንን ብዝተፋረቐ ስምዒት ይዝክርዋ። እዚኣቶም ባንዴራ ኤርትራ ምንብልባል ገበን ኣብ ዝነበረሉ፡ ብቋንቋኻ ምዝራብ ኣብ ዝፍርሃሉ፡ ብሕቡራት ሃገራት ኤርትራውያን መንነት-ኣልቦ ዝባሃልሉ፡ ነጻነት ከም ቃል ዘምሎቘ ከዳዕ ተባሂሉ ዝምቍሓሉ ካብኡ ሓሊፉ`ውን ንሞት ዝፍረደሉ፡ ዘበን ዘርከቡ ኢዮም። በቲ ምረትን ስቓይን ናይ መግዛእቲ ስለ ዝተዳህኩ ድማ፡ ፍሉይ ጣዕሚ ናይዛ ዕለት የስተማቕሩ። ንዓኣቶም ከም ዕረ ኪትጥዕምጸኒሕካ፡ መዓር ምልሓስ ኢዩ። ከምኡ ስለ ዝዀነ ድማ ሱስ መቐረታ መወዳድርቲ የብሉን።

ክንድ`ቲ ንድሕሪት ክትጥምቶ እትኽእል ኢኻ ንቕድሚት እትግስግስ ከም ዝበሃል፥ ናይ ታሪኽ ጅሆ ንምዃን ዘይኮነስ፡ ነዚ ሓዲስ ወለዶ፡ 25 ዓመታት ንድሕሪት ተመስሊና ነዛ ዕለት ክውንቲ ኣብ ምግባር ዝተሰግረ ዓበይቲ ማሕለኻታት ምዝካር ኣገዳሲ ኢዩ። እምበኣር ገለ ካብኡ ንምጥቃስ፡-

እቲ ቀንዲ በዳሂ ዝነበረ፡ ኣብ ዓውደ-ኵናት ዝገጠምናዮ ሓይሊ ኢትዮጵያ ክሳዕ ዓንቀሩ ዝዓጠቐ፡ ታዕሊም ዝጸገበ፡ ብተምኵሮ ኵናት ዝበሰለ፡ ብብዝሒ ሰራዊት 7 ንሓደ፡ ብብዝሒ ህዝቢ 20 ንሓደ ዝተዓጻጸፍ፡ ኣብ ደቡብ ሳሃራ ካብ ዝርከባ ሃገራት እቲ ዝሓየለ ናይ ምድርን፡ ባሕርን ሰማይን ሰራዊት ዘለዎ ዱልዱል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኵናት ምስዓር ዘይመስል`ዩ፡ ዝብሉ ብዙሓት ክኢላታት ስነ-ውትህድርናን፥ ናይ ታሪኽ ሊቃውንትን ነይሮም። ሓቆም ድማ። በቲ ቅቡል ናይ ውግእ ሕጊ መሰረት ኤርትራውያን ክንስዕር ዘይከኣል ኢዩ ነይሩ።

ኣብ ርእሲ`ዚ ናይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተቐባልነት ኣብ ቅድሚ ዓለም ከቢድ ሚዛን ነይርዎ። ኢትዮጵያ ካብ መግዛእቲ ኤውሮጳ ነጻ ኮይና ብህዝባ እትመሓደር እንኮ ሃገር ኣብ ኣፍሪቃ ስለ ዝዀነት፡ ናይ ንጉስ ሃይለስላሰ ሃጸያዊ መርበባት ዝምድናታትን፡ ዓቕሚ ህዝባዊ ርክባትን፡ ተወሲኽዎ ኣብ መጋባኣያ ዓለም ፍሉይ ኣኽብሮት ነይሮዋ። ከምኡ ስለ ዝዀነ ድማ ኩሎም ሓያላትን ልዕለ-ሓያልትን ሃገራት ዓለም ብቐጥታ ወይ ብተዘዋዋሪ ደገፍቲ ኢትዮጵያ ነይሮም። እዚ ነቲ ቃልሲ ካብ ግጥም ምስ ኢትዮጵያ፡ ናብ ኵናት ኣንጻር ልዕለ-ሓያላን ኣስጊርዎ፡ ንዓይነት ናይቲ ኵናት ኣኽቢድዎ፡ ዝያዳ ኪመርርን ኪነውሕን ድማ ደሪኹ።

ኣብ ኣፍሪቃ እንተሪኢና`ውን፡ ኢትዮጵያ ብመግዛእቲ ዘይተደፍረት ሃገር ምዃና ነቶም ንመጀመርያ ጌዜ ነጻነት ዘስተማቕሩ ዝነበሩ ሃገራት ኣፍሪቃ ሓበን ስለ ዝዀነት ብሓደ ወገን፡ በቲ ካልእ ድማ፡ ካብ ትሕቲ ጽልዋን ጸቕጥን ናይተን ሓያላት ሃገራት ስለ ዘይወጽኡ፡ መርገጺኦም ካብተን ናይተን ሓያላት ሃገራት ዝፍለ ኣይነበረን። ስለዚ ነቲ ሃገራዊ ቃልሲ ኤርትራውያን ከም ውዲት ኣዕራብ ዘቕረበ ናይ ኢትዮጵያ ዘመተ ኣብ ውሽጢ ኣፍሪቃ ተቐባልነት ረኺቡ። መደበር ቤት ጽሕፈት ውድብ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ኣዲስ ኣበብ ምንባሩ፡ ኢትዮጵያ ንጉዳይ ኤርትራ ክትዓብስ ጥጡሕ ባይታ ፈጢሩ`ዩ። ስለዚ ብጋህዲ መሰል ርእሰ-ውሳኔ ኤርትራ ትድግፍ ሃገር ኣብ ኣፍሪቃ ኣይነበረትን።

ብወገን ዓረባዊ ዓለም እንተሪኢና፡ እቲ ኤርትራውያን ዝኽተልዎ ዝነበሩ ፖለቲካዊ መስመር እምብዛ ሰጓሚ፡ ብፍላይ ድማ ማዕርነትን ንጡፍ ተሳታፍነት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ኩሉ መዳያት ናይ ሰውራ፡ ምስተን ስርዓታት ዝኽተልኦ ዓቃባዊ ፖለቲካዊ መስመር ስለ ዘይሳነ፡ ካብ ማዕዶ ምዕዛብ መሪጸን። ገለ ሃገራት ኣዕራብ`ውን ነቲ ጉዳይና ዝምድናአን ምስ ኢትዮጵያ ንምርጓድ ተጠቒመናሉ።

ካብ ኩሉ ዝገደደ ግን ናይ ውሽጥና ኩነት`ዩ ነይሩ።፡ እተን ንሓርነት ዝቃለሳ ዝነበራ ክልተ ውድባት፡ ኣብ ክንዲ ኩሉ ዓቕመን ናብ ጸላኢ ዘተኵራ፡ ብረተን ኣብ ሓድሕደን ስለዘቕንዓ ነቲ ነጻነት ኤርትራ ዘይመስልዩ ዝብል ኣረኣእያ ዘራጐደ ጸሊም ምዕራፍ ቃልስና ተደሪብዎ።

ክቡር ህዝብና፡

እዚ ኩሉ ንነጻነት ኤርትራ ዝዕንቅፍ መሳናኽል ተዋዲዱ እንከሎ፡ ንሕና ውሑዳትን ድኻታትን ህዝቢ፡ ብድሩት ዕጥቅን ስንቅን ብዘይ ገለ ደገፍ፡ ነዚ ኩሉ መሰናኽል ገጢምና ዓለም ሙሉእ ዘይተጸበዮ ናጽነት ሃገርና ብወተሃደራዊ ዓወት፡ ሕጋውነትና ድማ ብረፈረንዱም፡ ኣውሒስና። ከመይ ጌርና ተዓዊትና ዝብል ሕቶ ንምምላስ ቀሊል እኳ እንተዘይኰነ፡ እቲ እምነ-ኵርናዕ ናይ ዓወት ህዝብና ኢዩ ነይሩ። ኩሉ ኤርትራዊ፡ ሰብኣይ ሰበይቲ፡ ዓቢ ንእሽቶ፡ ምሁር ዘይምሁር፡ ሓረስታይ ሰበኽ-ሳግም፡ መበቈሉ፡ ሃይማኖቱ፡ ጾታኡ ብዘየግድስ ከቲቱ። ንኹላትና ዝጥርንፍ ሓደ ዕላማ ስለ ዝነበረና ከም ሓደ ኣካል ንናጽነት ሃገርና ዓጢቕና። ኣብቲ ጉዕዞ ሰላሳ ዓመታት ኣብ በረኻታት ኤርትራን ኣብ ውሽጢ መስመር ጸላእን ፡ ከርተት ኢልና፡ ተሰዲድና፡ ተመቍሕና፡ ኩቡር ደም ናይቶም ዝበለጹ ዜጋትትና ከፊልና፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ነቲ ሕልሚ ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ጋህዲ ጌርናዮ። እቲ ገድሊ ነዚ ፈሊጡ ዩ፡ መዛዘሚ ናይቲ ሓርነታዊ ቃልሲ፡ ስልጣን ንህዝቢ ምርካብ ከም ቀዳማይ ዕላማ ወጋሕታ ናጽነት ዝገበሮ።

ጻማ ናይቲ ኩሉ ዝተኸፍለ ደም፡ ዝሰንከለ ኣካል፡ ዝፈሰሰ ንብዓት፡ ዝወሓዘ ርሃጽ ድማ ነቲ ኩሉ ብባዕዳዊ መግዛእቲ ዝተነፍገ መሰረታዊ መሰል ኤርትራውያን ኣብ ቦታኡ ምምላስ ኢዩ። ዕላማ ነጻነት ኣብ ኣስመራ ባንደራ ምስቃል ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ብቅዋም እትምሓደር፡ ህዝባዊ መንግስቲ ንምትካል ስለ ዝነበረ ድሮ ናጽነት ቅዋማዊ ባይቶ ቆይሙ፡ ቅዋም ተነዲፉ፡ ጸዲቑ ድማ። እቲ ቅዋም ምስ ኩሉ ጕድለታቱ ፡ እተን መሰረታውያን መሰል ዜጋታት ዝሕሉ፡ ማለት፡ ህዝቢ ዝለዓለ ስልጣን ኪጭብጥ፡ ብቕዓት ዘለዎም መራሕቲ ኪመርጽ፡ ንብቕዓት ዘይብሎም ድማ ኪኣሊ፣ ኩሉ ዜጋ ብሰላም ንግሆ ወፊሩ ምሸት ኣብ ገዝኡ ኪኣቱ፡ ፍረ ረሃጹን ጻማ ስርሑን ኪረክብ፡ ስድርኡን ናብርኡን ኪናቢ፣ ኣብ ዝደለዮ ቦታ ኣብ ዝመረጾ እዋን ኪንቀሳቐስ፣ ሓሳቡ ኪገልጽ፡ ኪውደብ እሞ ነቲ ስርዓት ስዲ ከይከይድ ኪቆጻጸር፣ መንእሰያት ኣብ ትምህርቶም ኪዋፈሩ፡ ዝብህግዎ ዓውደ ፍልጠትን ሞያን መሪጾም ከጽንዑን ኪመራመሩን እሞ ንህዝቦምን ሃገሮም ከበርክቱ፡ ነጋዳይ ኪነግድ ኣብ ትሕቲ ሕጊ መሰሉ ኪሕሎ ግቡኡ ድማ ኪፍጽም፣ ዜጋታት ናብ ዝመረጽዎ ሃይማኖት ከምልኹ፡ ዘፍቅድ ባይታ ሕጊ ዘንጸፍ ነይሩ። በዚ ሰላም ኤርትራ ኪረጋግጽ፡ ምስ ጎረባብታ ተሳንያ ኪትነብር፡ ቀጻልነት ልዑላውነታ ውሕስነት ኪረክብ፡ ኩሉ ዜጋ ኪኸብር ስለ ዝዀነ ድማ ነታ ተኽብሮ ሃገር ከም ብሌን ዓይኑ ኪሕልውዋ፡ ልዕሉውነታ ከይድፈር ኪምክት ዘተባብዕ ፖለቲካዊ ሃዋህው ኪፍጠር ትጽቢት ነይሩ።

እዚ ኩሉ ግን ተዀሊፉ። እዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስክዎ ድሕሪ ናጽነት ዝተወልደ ሓዲስ ወለዶ ደጋጊሙ ዝሓቶ ሕቶ ድማ፡ ሕጂ ደኣ እንታይ ተረኽበ? ስለምንታይ ንድሕሪት ተመሊስኩም ዝብል`ዩ። ካብ ክውን ዝተበገሰ ርትዓዊ ሕቶ`ዩ። እዚ መኻልፍ ነቲ ፖለቲካ ሃገርና ኣብ ክልተ ከፊልዎ። እቲ ሓደ ክፋል ስልጣን ንህዝቢ ከነርክብ ኣሎና፡ ማለት መንግስቲ ኣብ ትሕቲ ህዝቢ ደኣምበር ልዕሊ ህዝቢ ኣይኰነን፡ ኣገልጋሊ ህዝቢ ደኣምበር ጎይታ ህዝቢ ኣይኰነን፡ ብድምጺ ናይ ብዙሓት ዝምእዝዝ ደኣምበር ብውልቀሰብ ዝውነን ስርዓት ኣይንቕበልን ኢና በሃልቲ ኢዮም። በቲ ካልእ ወገን ድማ ሃገርና ኣብ ኣይሰላም ኣይኵናት ኵነታት ስለ ዘላ ኩሉ ዜጋ ኪዓጥቕ፡ ዘሎ ዓቕሚ ሃገር ድማ ኣብ ሓለዋ ኪዋፈር ወሲኑ። ነዚ ንምትግባር ኩሉ ንቁጠባዊ

ምዕባለ ዘምርሕ ጎደና ዓጽዩ፡ ግዝኣተ ሕግን ምትግባር ቅዋምን ወንዚፉ፡ ነዚ ዝዓንቀፈ ዝዀነ ዜጋ ድማ፡ ኪሕየር፡ ካብኡ ሓሊፉ ሕይወቱ ኪስእን ይግባእ ኣብ ዝብል እምነት ዝተመርኰሰ መላኺ ዘይእዉጅ ወተሃደራዊ ስርዓት ኣቝሙ። መጋበሪ ዝኸውን ናይ ፖሊስን ጸጥታን መርበባት ኣዋደዱ ድማ ንዓና ንኤርትራውያን ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ንወጻእተኛታት ከይተርፈ ዘፈንፍን ስርዓት ተኺሉ። ከምኡ ኮይኑ ግን ዝለዓለ ኢድ ስለ ዝሓዘ፡ ሎሚ ኣብ ትሕቲ እዚ ስርዓት ኢና ነዚ መበል ርብዒ ዘበን ነጻነት ነብዕል ዘሎና።

ኣብ ዓለም ካብ ዘጋጥም ሕሰም እቲ ዝመረረ መንነት ዘይምህላው ኢዩ። እዛ ዕለት ነዛ ሕሰም እዚኣ ስለ ዝኣለየት ድማ ዕዝዝቲ መዓልቲ፡ መዓልቲ ክብረት፡ መዓልቲ ሓበን ክትብሃል ግቡእ ኢዩ። ድሕሪ ናጽነት ዝሰዓበ ምሕደራን ድኻማቱን ነዛ መዓልቲ እዚኣ ኣየህስሳን ኢዩ። በንጻሩ ነዚ ዘሎ ስርዓት ኰነ ብድሕሪ ሕጂ ንዕኡ ዝትክእ ስርዓት ብፖለቲካ ኪንግጥሞ፡ ኪንቃለሶ ባይታ ፈጢራ ዘላ እዛ መዓልቲ እዚኣ ምዃና ኪንዝንግዕ የብልናን። ስለዚ ዮሃና ህዝቢ ኤርትራ፡ ዮሃና ነቶም ነዛ መዓልቲ እዚኣ ክውንቲ ዝገብሩ ዜጋታት፡ ዮሃና ነቶም ልዑላውነታ ዝዓቀቡ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ንብል።

ኤርትራ ነጻነታ ኪትጎናጸፍ ወሳኒ ተራ ዝተጻወቱ፡ ኣብ ስሳታት ዝነበሩ ኤርትራውያን መንእሰያት እዮም። ኣብ 1970 ህዝባዊ ግንባር ኪትምስረት እንከላ ሮሞዳን መሓመድ ኑር፡ ቀዳማይ መራሒ ህዝባዊ ግንባር ወዲ 28 ዓመት ነይሩ፡ እቲ ናቱ ምክትል ኢሳያስ ኣፈወርቂ ድማ ወዲ 24 ዓመት ነይሩ። ማሕሙድ ሸሪፎ ወዲ 21 ዓመት፡ ሃይለ ወልደትንሳኤ (ድሩዕ) ወዲ 24 ዓመት ነይሮም። ኣሕመድ ናስር ኣብ 1975 ላዕለዋይ መሪሕነት ተጋድሎ ሓርነት ኪምረጽ እንከሎ ወዲ 29 ዓመት፡ መልኣከ ተኽለ ድማ ወዲ 26 ዓመት ነይሩ። እዚ ዝጠቕሶ ዘሎኹ እዞም ናይ ሎሚ መንእሰያት ዝጽበዮም ዘሎ ከቢድ ሓላፍነት ንምእማት`ዩ። ሎሚ እዞም ኣብ ስልጣን ዘለዉ ሸምጊሎም፡ ከም ኣዛውንቲ ዝጥወሩሉ እዋን በጺሑ ዘይኰነስ ሓሊፉ`ዩ። እዚ ኣብ ስልጣን 25 ዓመታት ዝጸንሐ ስርዓት፡ ተወሊዱ፡ ጎቢዙ፡ ኣሪጉ፡ ቆንቍኑ ሓደ እግሩ ኣብ ጉድጓድ ከም ዝኣተወ ንምስክር ኣሎና። ባህርያዊ ሕጊ ስለ ዝዀነ።

መንእሰያትና ካብዛ መዓልቲ ነጻነት ዝሰነቕዎ ትምህርቲ፡ ንሕና ኤርትራውያን ዘሎና ፍልልይ፡ ብዘየገድስ ኣብ ትሕቲ ሓደ ዕላማ እንተተጠርኒፍና፡ መስተንክር ክንሰርሕ ከም እንኽእል ኣመስኪርና ኢና። ሎሚ ነቲ መስተንክር ኪንደግም ዘገድድ ኵነታት ተፈጢሩ ኣሎ። ነዚ ዝመርሕ ነጻ-ወለዶ ድማ ተወሊዱ ኣሎ። ድሮ ብግዲ ኣይተዛረቡ ክብሃሉ እንከለዉ ዝያዳ ኪዛረቡ፡ ድነኑ ኪብሃሉ እንከለዉ ዝያዳ ክሳዶም ከቕንዑ፡ ከገድዶም ንዝመጽአ እምቢ ኪብሉ፡ ንዕዘብ ኣሎና። ስለዚ ናይ ፍርሂ መጋረጃ ይትርባዕ ኣሎ፡ እቲ ናይ ለውጢ ኣይሂ ኪዘንብ ጀሚሩ ኣሎ፡ ነቲ ንሱ ዝወልዶ ውሕጅ ፍትሒ ዝዓግት ከቶ ኣይክህሉን ኢዩ። እንተዀነ ብሰላም ብዘይ ማህሰይቲ መታን ኪቕጽል ናብቲ ግቡእ መኣዝን ዘቃንዕ፡ ጥምረትን ብስለትን ናይ ኩሉ ደላይ ለውጢ ይሓትት። ነዚ ድማ ኩላትና ዓጢቕና ኣሎና።

ዳግማይ ዮሃና ንህዝቢ ኤርትራ

ዝለዓለ ክብሪ ንሰማኣታትና

ኤርትራና ንዘልኣለም ትንበር!

    Print       Email

You might also like...

ኢዮብ መድሃኔ ዝተባህለ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ስርዋ ንልዕሊ 10 ዓመት ተኣሲሩ ዝጸንሐ ኮንትራክተር; ካብ ማእሰርቲ ምስ ሓለውቱ ኣምሊጡ።

Read More →