Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ሓይሊ ፖሊስ ኤርትራ 5 ሽሕ ብችክሌታ ገፊፉ

By   /  May 13, 2016  /  Comments Off on ሓይሊ ፖሊስ ኤርትራ 5 ሽሕ ብችክሌታ ገፊፉ

    Print       Email

2dffbd14042911.5627cd6e75bf0ሓይሊ ፖሊስ ኤርትራ ካብ ሰሉስ 10 ግንቦት ጀሚሩ ናይ ብችክሌታ ግፋ የካይድ ኣሎ። እቲ ናይ ብችክሌታ ግፋ ንምንታይ ምኽንያት ይካየድ ኣሎ ዘይፍለጥ እኳ እንተኾነ ክሳብ ሕጂ 5 ሽሕ ብችክሌታት ኣብ ዝተፈላለያ መደበራት ፖሊስ ተሓይረን ምህላወን ተፈሊጡ።

ኣቐድም ኣቢሉ ማለት ካብ 28 ሚያዝያ 2016 ጀሚሩ ምንቅስቓስ ብችክሌታ ኣብ ጎደና ሓርነትን ሰማእታትን ከምዝተኸልከለ ዝሓበሩ ምንጭታትና እዚ ግፋ እዚ ነቶም ስኡን ደረጃ መነባብሮ ዝመርሑ ታሕተዎት ደርቢ ሕብረተሰብ ብዝያዳ ሃስዩ ምህላዉ ገሊጾም።

ብሰንኪዚ ስጉምታት ድማ ተመሃሮ፥ ሰራሕተኛታት፥ ሸቓጦ፥ ካብ  ከባቢ ናብ ኣስመራን ከባቢን ዝመላለሱ ዜጋታት ተጻጊሞም ምህላዎም ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

 

 

    Print       Email

You might also like...

_106539_eritrea300

ንኡስ ምልክታት ናዕቢ ኣብ ሰራዊት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ

Read More →