Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ሓይሊ ባሕሪ ግብጺ፡ ዜጋታት ኤርትራ ዝርከብዎም ተጓዓዝቲ ጽዒና ንማእከላይ ባሕሪ ተቋርጽ ዝነበረት ጃልባ ኣብ ትሕቲ ቑጽጽር ኣእትዮም

By   /  May 3, 2016  /  Comments Off on ሓይሊ ባሕሪ ግብጺ፡ ዜጋታት ኤርትራ ዝርከብዎም ተጓዓዝቲ ጽዒና ንማእከላይ ባሕሪ ተቋርጽ ዝነበረት ጃልባ ኣብ ትሕቲ ቑጽጽር ኣእትዮም

    Print       Email

29803BB600000578-3117954-Desperate_The_terrified_African_migrants_were_photographed_cling-a-83_1433929832763ሓይሊ ባሕሪ ግብጺ፡ ኣስታት 160 ዝኾኑ ዜጋታት ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ኣይቨሪኮስትን፡ ሶማልን ሱዳንን ተጓዓዝቲ  ጽዒና ካብ ኣለክሳንደርያ ግብጺ ተበጊሳ  ንማእከላይ ባሕሪ ተቋርጽ ዝነበረት ጃልባ ኣብ ትሕቲ ቑጽጽር ብምእታው ነታ ጃልባ ዝመርሑ ዝነበሩ 3 ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ከምዘእተዉ መደብር ቴሌቪዥን ቢቢሲ ኣብ ናይ 1 ግንቦት 2016  ፈነውኡ ገሊጹ።

እቶም ሓይሊ ባሕሪ ግብጺ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ዘእተዎም ዜጋታት ኤርትራ ዝርከቡዎም ስደተኛታት ኣፍሪቃ ኣበይ ከምዝሓዞምን እንታይ ክገብሮም ምዃኑን ዝተፈልጠ የለን።

ኣብዚ ቅንያት እዚ መንግስቲ ግብጺ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ መንግስቲ ኤርትራ ኣሕሊፉ ናይ ምሃብ ስጉምቲ ይወስድ ስለዘሎ ናይቶም ኤርትራውያን ጉዳይ ኣተሓሳሳቢ እዩ።

ኣብዝሓለፈ ቀረባ መዓልታት መብዛሕትኦም ዜጋታት ሶማል ዝኾኑ፡   ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን  ዝርከቡዎም 400 ሰባት ዝጸዓነት ጃልባ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብምጥሓላ ኣስታት 27 ሰባት ጥራሕ ብህይወት ከምዝደሓኑ፣ ብማዕከናት ዜና ዓለምን ሬድዮታትን መርበባት ሓበሬታን ደለይቲ ፍትሒ ተቓለስቲን ተቓሊሑ ምንባሩ ይዝከር።

 

 

    Print       Email

You might also like...

mideast

ሓድሽ ዓለማዊን ዞባውን ስርዓት (order)፤ ንኤርትራ ብኸመይ ይጸልዋ ኣሎ።

Read More →