Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ሓንቲ ጓል-ኣነስተይቲ እትርከቦም 3 ኤርትራውያን ብ 12 ግንቦት ሞይቶም ተረኺቦም

By   /  May 18, 2016  /  Comments Off on ሓንቲ ጓል-ኣነስተይቲ እትርከቦም 3 ኤርትራውያን ብ 12 ግንቦት ሞይቶም ተረኺቦም

    Print       Email

images (8)ኣብ ከባቢ ሓምዳይት ናይ ሱዳን ሓንቲ ጓል-ኣነስተይቲ እትርከቦም 3 ኤርትራውያን ብ 12 ግንቦት ሞይቶም ከምእተረኽቡ ካብቲ ከባቢ ዝበጸሓና ዜና ኣረዲኡ። እቶም ግዳያት ፥ ናብ ሱዳን እንዳሰገሩ ካብ ኣባላት ሓለዋ ዶባት መንግስቲ ኤርትራ ብዝተተኮሶሎም ጠያይቲ ተወጊኦም ድሕሪ ነዊሕ ጉዕዞ ኣብ ሓምዳይት ምስ በጽሑ ደሞም ወዲኦም ሞይቶም ከምእተረኽቡ እዩ ዝግለጽ ዘሎ።

እቶም ግዳያት ኣብ ኣካላቶም ናይ ጥይት መቚሰልቲን በቲ መቚሰልቲ ብዙሕ ከምዝደመዩን ዘነጽር ተርእዮታት ከምዘሎ ዘመልከቱ ናይ ዓይኒ መሰኻክር፥ ኣባላት ወተሃደራዊ ስለያ መንግስቲ ሱዳን ነቶም ሬሳታት ንቀጻሊ መርመራ ኣብ ከባቢ ሓምዳይት ናብ ዝርከብ ማእከል ጥዕና ከምዝወሰድዎ ኣፍሊጦም።

ብፍላይ እታ ጓል ኣነስተይቲ ብኣርባዕተ ጥይት ዝተሃርመት ከምዝኾነት`ዩ ተረጋጊጹ ዘሎ። ከምዚ ዝበለ ተርእዮ ኣብ ከባቢ ሓምዳይት ልሙድ እንዳኾነ ይመጽእ ከምዘሎ ዝሕብሩ ነበርቲ እቲ ከባቢ ፥ ካብ ኣባላት ሓለዋ ዶባት ኤርትራ ብዝኽፈተሎም ተዂሲ ተወጊኦም ብምምላጥ ጉዕዞኦም ዝቕጹሉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብጽምእን መድመይቲን ሞይቶም ከምዝርከቡ እዮም።

እቶም ግዳያት ኣብ ሰዓታት ወጋሕታ ናይታ ዝተጠቕሰት ዕለት እዮም ብነበርቲ ሓምዳያት ተረኺቦም።

    Print       Email

You might also like...

mideast

ሓድሽ ዓለማዊን ዞባውን ስርዓት (order)፤ ንኤርትራ ብኸመይ ይጸልዋ ኣሎ።

Read More →