Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ልዕሊ 50 ዜጋታት ሱዳንን ኢትዮጲያን ብኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ኤርትራ ተኣሲሮም

By   /  May 21, 2016  /  Comments Off on ልዕሊ 50 ዜጋታት ሱዳንን ኢትዮጲያን ብኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ኤርትራ ተኣሲሮም

    Print       Email

Satellite-Dishes orangeኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ኤርትራ ዜጋታት ሱዳንን ኢትዮጵያን ምዃኖም ዝተነግረሎም ልዕሊ 50 ሰባት ኣሲሮም ከምዘለዉ ምንጭታትና ኣቃሊዖም።

እዞም ኣብ ከተማታት ኣስመራ ፣ ባጽዕ፣ መንደፈራ ከምኡ`ውን ከረን ክቕመጡ ዝጸንሑ ዜጋታት ጎረባብቲ ሃገራት ፣ ብቚዕ ናይ መንበሪ ወረቐት ኣይሓዝኲምን ብዝብል ክሲ`ኳ እንተተቐየዱ፣ ዝተኣሰሩሉ ቀንዲ ምኽንያት ግና ኣብ ቅንያት ናጽነት ጸጥታዊ ስግኣት ከይኮኑ ካብ ዝብል ጠቐነ እዩ።

ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ጎረባብቲ ሃገራት ዝትግበሩ ቀይዲታትን ማእሰርቲታትን ይቕጽል ብምህላዉ እዉን ቊጽሪ ግዳያት ክተዓጻጸፍ ዘሎ ተኽእሎ ልዑል ከምዝኾነ ምንጭታትና የረድኡ።

ኣብ ቅንያት ናጽነት ዜጋታት ጎረባብቲ ሃገራት ብፍላይ ድማ ኢትዮጵያውያን ብሕላፍ ሰዓትን ፍሕሹው እንተታትን ከምዝቕየዱን ዝግፈፉን እዩ ዝግለጽ። ኣብ ቅንያት ናጽነት ተገፊፎም ዝሕበሱ ዜጋታት ጎረባብቲ ሃገራት ክሳዕ ጽንብል ናይ`ቲ ቅንያት ዝዛዘም ከምዘይፍትሑ እዉን ይሕበር።

ኣብ ኤርትራ ንነዊሕ ዓመታት ዝነበሩን ንነብሶም ከም ካልእ ዜጋ ዘይጠቕሱን ኢትዮጵያውያንን ሱዳናውያንን ብቊጽሪ ኣዚዮም ብዙሓት ከምዝኾኑ ዘመልክቱ ጸብጻባት፣ ግንቦት መጸ ብኣባላት ጸጥታ ክብደሉን ክጓነዩን ስለዝረአ ካብ`ቲ ከም ሓዎም እምበር ጎረቤቶም ዘይሓስብዎ ኤርትራዊ መቓምጥቶም ግልል ክብሉ ይመርጹ ምህላዎም የገንዝቡ።

    Print       Email

You might also like...

ኢዮብ መድሃኔ ዝተባህለ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ስርዋ ንልዕሊ 10 ዓመት ተኣሲሩ ዝጸንሐ ኮንትራክተር; ካብ ማእሰርቲ ምስ ሓለውቱ ኣምሊጡ።

Read More →