Loading...
You are here:  Home  >  Columns  >  Current Article

ህግደፍ፡ ንዘይበደሎ ህዝቢ ሕነ ዝፈዲ ጉጅለ

By   /  May 6, 2016  /  Comments Off on ህግደፍ፡ ንዘይበደሎ ህዝቢ ሕነ ዝፈዲ ጉጅለ

    Print       Email

Ink3ገንዘብ ነጋዶ ተሃጊሩ፡ ንብረት ከይኣቱ ተኸልኪሉ፡ ኣሽረፍትን ተቐበልቲ ሸርፍን ተኣሲሮም፡ ኣስገርቲ ዶብን ተሳገርትን ተታሒዞምን ተኣሲሮምን ዝብል ወረታት ንህዝቢ ኤርትራ መናብርቱ ዀይኑ’ዩ። ብመሰረት ቅዋም ዘፍቅዶ ይኹን ቅድሚ ቅዋም ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ሕጊ ዘፍቅዶ ኣሰራርሓን፡ ሃይማኖታዊ ሕግታት ይኹን ሕግታት እንዳባ፡ ዝዀነ ይኹን ካብዚ ን15 ዓመታት ህግደፍ ንህዝቢ ኣሳቕዩሉ ዘሎ ሕግታት ከም ሕጊ ቕቡል ኣይኰነን። እቲ ሕግታት ህዝቢ ተቐርቂሩ ካብ ገበን ናጻ ክዀነሉ ዘይክእለሉ ሃዋህው ብምፍጣር፡ ንዝደለኻዮ ንምጽላም፡ ንምዝማት፡ ንምሕያርን ንምቕታልን ክጥዕም ተባሂሉ ዝእወጅ’ዩ። በዚ ዘሎ ኣገባብ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሃገሩ ኽነብር ኣየፍቀዶን’ዩ።

ኩሉ’ዚ ኣብ ንግዲ፡ ምንቅስቓስ ገንዘብ፡ ሸርፊ፡ ኣህጉራዊ መገሻ ዘሎ ንህዝብን ንሃገርን ክዕንቅፍ ዝወጸ ማዕቀባት እንተዘይህሉ፡ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ከም ገበነኛ ተሓሲቡ ኣብ ፍርሕን ራዕድን ኣይምነበረን። ትርጉም ናይዚ ዓንቃጺ ሕግታት ንምትግባሩ ኣሸጋሪ ዘይኰነ ዘይምኽኑይን ኣንጻር ረብሓ ህዝቢ ዝኸይድን ሕግታት ብምሕንጻጽ ዝዀነ ይኹን ዜጋ ስጉምቲ ክውሰደሉ ዝኽእል ገበነኛ ከምዝኸውን ምግባር’ዩ። ብመሰረት ኩምራ ኣፈራራሒ ኣዋጃት ህግደፍ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ኤርትራ ይኹን ኣብ ወጻኢ ዝቕመጥ ኣብ ኤርትራ ብገበን ክሕተት ዘይክእል እኹል ዕድመ ዝበጽሐ ኤርትራዊ ዜጋ የለን።

ብ9 ሚያዝያ ካብ ሱዳን ዋጋ 7 ሚልዮን ናቕፋ ዝበጽሕ እኽሊ ዕፉን ሒዞም ናብ ኤርትራ ዝኣትዉ ዝነበሩ መራሕቲ መካይን ብሓይልታት ህግደፍ ምስተወስዱ ክሳዕ ሕጂ ደሃዮም የለን። ብ 16ን 17ን ሚያዝያ ክልተ ኣዴታት ዝርከብዎም 7 ሽማግለታት ካብ ኣሽረፍቲ ገንዘብ ተቐቢልኩም ተባሂሎም ኣብ ዓዲ ኣበይቶ ተዳጒኖም ኣለዉ። ብ18 ሚያዝያ፡ ንጽጉማት ብዝገብርዎ ደገፍ ብዝቕርብዎ መንፈሳዊ ምጽንናዕን ዝልለዩ፡ ሓደ ወንጌላውን ሓደ ቐሽን ናይቲ እምነት ክርስቶስ ብዝል መለለዪ ዝጽዋዕ ማሕበር ኣብ ደቀምሓረን ኣብ ዓድቐይሕን ብኣባላት ጸጥታ ህግደፍ ተጨውዮም ናብ ዘይተፈልጠ ቦታ ተሰዊሮም ኣለዉ።

ህዝቢ ኤርትራ ካብታ ኽነብረላ ዘይተፈቕደትሉ ሃገሩ ኽገይሽ’ውን ኣይክእልን’ዩ። ቅድሚ ኽልተ ሰሙን ብ 18 ሚያዝያ ካብቲ ኣብ ከባቢ ናቕፋ ዝርከብ መቕጽዒ መዓስከር ዘምለጡ እሱራትን ሓለውቶምን ኣብ ሱዳን ተታሒዞም ኣብ ቤትማእሰርቲ ስዋኪን ተሓይሮም ኣለዉ። ካብ 13 ክሳብ 17 ሚያዝያ ኣብ ዝነበረ መዓልታት፡ ብኸባቢ ጾሮና ኣቢሎም ዶብ ክሰግሩ ዝፈተኑ ካብ ደቂ 8 ዓመት ህጻናት ክሳዕ ኣረጋውያን ዝርከብዎም 467 ዜጋታት ኣብ ከባቢ ዓላ ኣብ ኣሰካፊ ዀነታት ተኣሲሮም፡ ገለ ኻብኦቶም ብመግረፍቲ ሞይቶም ኣለዉ።

ምስናይ’ዚ ኹሉ ህዝቢ ኩለን ከተማታት ኤርትራ፡ ነቲ ህግደፍ መንጢልዎ ዘሎ ናጽነት ከብዕል፡ ካብቲ ተመንጢልዎ ዘሎ ብስም ምቕያር ባጤራ ዝተዘምተ ገንዘቡ ዝተረፎ ክኸፍል ዝግድድ ሓድሽ ኣዋጅ ወጺኡ ኣሎ። እዚ ዝሓደሰ ዓማጺ ኣዋጅ፡ ኣብ ወርሓት ሚያዝያ፡ ግንቦትን ሰነን ተቐማጦ ኣብ ዓበይቲ ኸተማታት ኩለን ዞባታት ዝቕመጥ ህዝቢ ዕጽፊ ናይቲ ልሙድ ንማይን ንኤለክትሪክን ዝኽፈል መጠን ክኸፍል ዘስገድድ’ዩ። እዚ ቁጠባ ደስኪሉ፡ ብሰንኪ ዓጋቲ ኣገባብ ባንክታት ስራሕ ደቂሱ፡ ህዝቢ ገንዘቡ ተመንጢሉ፡ 1.2 ሚልዮን ካብ ህዝቢ ኤርትራ ሓደጋ ጥሜት ኣንጸላልይዎ ኣብ ዝርከበሉ እዋን ዝወጽእ ዘሎ ሓድሽ መቕጻዕቲ’ዩ።

እቲ ካብ ሃገር ክእለ ዝኸኣለ ዜጋ ኣብቲ ዝነብረሉ ሃገር ስደት ብቕሳነት ክነብር ኣይሕደግን’ዩ። ስንሰለት ናይቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጸም ገበናት ኣብ ሓጺር ኣየብቅዕን። ናብራ እናኸፍአ ምስከደን ሃገራዊ ኣገልግሎት ናብ ባርነት ምስተቐየሮም፡ ካብ ሃገር ክገሹ መሰሎም ዝዀነ ሰነዳት ዝተኸልኡ ዜጋታት ከም ገበነኛታት ይቝጸሩ። እቶም ኣማኢት ኣሽሓት ሕጋዊ መሰል መገሻ ተኸልኪሎም ብዝመሰሎም ዝገሹ ዜጋታት ብመሰረት ሕግታት ህግደፍ ገበነኛታት’ዮም። ኣብ ወጻኢ እናተቐመጡ ናብ ማሕፉዳ ወነንቲ ህግደፍ ዝኣቱ ከውጽኡ ዝግደዱ ዜጋታት ኣብ ኤምባሲታት ኣታዊታቶም ልዕሊ’ቲ ዝጠቕስዎ ምዃኑ እናተነግሮም ክጽረፉን ክዋረዱን ገንዘቦም ከፊሎም ሕስረቶም ተማሊኦም ይከዱ።

እቶም ንሕሱም ኣተሓሕዛ ህግደፍ ተጻዊሮም ኣብ ሃገር ዝጸንሑ፡ ኣብ ዘለውዎ ኣሃዱታት ሓይልታት ምክልኻልን፡ ኣብ ትካላት ኮርፖረሽን ቀይሕ ባሕርን ኣብ ቤትጽሕፈታት መንግስትን ካብ ናይቶም ሃገር ዝለቐቑ ዜጋታት ዝበዝሕ ስክፍታታት ተሰኪሞም ይነብሩ። ገንዘብ ስለዘይክፈሉ ዓርኪ መሓዛን ቤተሰብን ካብ ደገ ፈውሲ ሞት ዝኸውን ገንዘብ ክልእከሎም ከሎ እቶም ተቐበልቲ ይእሰሩ። ንሰብኣዊ ኽብረቶም ዘሕስር ኣዝዩ ኽፉእ ስቓይን ውርደትን ምስበርትዖም፡ ካብ ማእሰርቲ ምስወጹ ዝብላዕ ዘየሎ፡ መግዝኢ ዝብላዕ ዝኸውን ገንዘብ ምቕባልውን ሓደገኛ ምስኰኖም ኣብ ስደት ሰሪሖም ክነብሩ ክገሹ ኸለዉ ይቕተሉን፡ እቶም ዝደሓኑ ብዘይፍርዲ ናብ ሕሱም ማእሰርቲ ይድርበዩ።

እቶም ዘምለጡ ልኡኻት ህግደፍ እናጨወዩ ሚልዮናት ናቕፋ ክኸፍሉ ንስድራቤቶም የገድድዎም። ብዙሓት ካብቶም ዝጭወዩ ገንዘብ ተኸፊሉሎም ክነሱ፡ ብዛዕባ ልኡኻት ህግደፍ ሓበሬታ ከይልምልቑ ምእንቲ ይቕተሉ። ካልኦት ናብ ነጋዶ ውሽጣዊ ኣካላት ሰባት ይሽየጡ። ውሑዳት ዘምለጡ፡ ናብ ኤውሮጳ ክሰግሩ ኸለዉ ኣብ ኣጻምእ ምድረበዳ ይሞቱ። እቶም ብደሓን ኣብ ገማግም ግብጽን ሊብያን በጺሖም ጃላቡ ዝጸዓኑ ኸኣ ንትንፋሶም ኣብ ኢዶም ሒዞማ ይብገሱ። ንልዕሊ 10 ዓመታት ኤርትራውያን ስደተኛታት ንማእከላይ ባሕሪ ኽሰግሩ ብዓሰርተታትን ብኣማኢትን ኣብ ባሕሪ ጥሒሎም ኣለዉ። ሬሳታት ናይቶም ኣብ ባሕሪ ህይወቶም ዝሰኣኑ ውጹዓት ኤርትራውያን ዜጋታት ኣብ ጐድኒ ስድራቤቶምን ፈትወቶምን ክቕበር ምስተባህለ፡ ህግደፍ ንቡር ከይረኽቡ ይኽልክሎም።

እቶም ብህይወት ኣብ ዝመደብዎ ሃገራት ክበጽሑ ዝኸኣሉ፡ ወከልቲ ህግደፍ ገበናኛታት ከምዝዀኑ ከእምንዎምን፡ ኣምሳያ ናይቲ ዝተበደልዎ ግብሪ ክኸፍሉን፡ ተበዲሎም ክነሶም ንህግደፍ ይቕሬታ ክሓቱን ብዝተፈላለየ መገዲ የፈራርሕዎም። ካብዚ ሓሊፎም፡ ኣብ ኤርትራ ዓመጽ ከምዘየሎ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብኽብሪ ከምዝመሰሎ ከምዝነብር ኣንጻር’ቲ ንመሰላቶም ክጣበቕ ዝቘመ ኣህጉራዊ ሽማግለ ክምስክሩ ይግደዱ።

ህዝቢ ኤርትራ ናብ ሃገሩ ኽምለስ’ውን ኣይፍቀደሉን’ዩ። ብዙሓት ዜጋታት ኣብ ሃገር ምስኣተዉ ከምብሓድሽ ከይወጹ ዝኽልከሉ፡ ካልኦትውን ካብ መዕርፎ ነፈርትን ካብ ብሎኮታትን ተጨውዮም ዝሕየሩ’ዮም። ብ26 ሚያዝያ ንኣብነት፡ ኣብ ካርቱም ዝርከብ ኤምባሲ ህግደፍ ሓደጋ ኸምዘይወርዶም ዝተማባጽዓሎም በዓልት ትንሳኤ ምስ ቤተሰቦም ከብዕሉ ናብ ኣስመራ ዝጕዓዙ ዝነበሩ 18 መንእሰያት ኣብ ከባቢ ተሰነይ ብልኡኻት ህግደፍ ብዘይመኽንያት ተወሲዶም ኣብ ተሰነይ ተኣሲሮም ኣለዉ። ድሕሪ ሳልስቲ፡ ብ28 ሚያዝያ ካብ እስራኤል ናብ ሃገሮም ዝኣትዉ ዝነበሩ ኽልተ መንእሰያት፡ ካብ መዕርፎ ነፈርቲ ምስተወስዱ ክሳዕ ሕጂ ደሃዮም ኣይተሰምዐን ዘሎ።

ዜጋታት ኣብ ስደት ኰይኖም ጽዒሮም ዝሰድዎ ገንዘብ ናብ ኢድ ስድራቤቶምን ፈተውቶምን ክበጽሕ ኣይፍቀድን። እቲ ብመገዲ ህግደፍ ብተመሳሳሊ ኣገባብ ዝኣተወ ገንዘብ ካብ ባንክታት ክወጽእ ኣይፍቀድን። መንፈሳዊ ምጽንናዕ ዝቕርቡ ሽማግለታት ብዘይደሃይ ይእሰሩ። ነጋዶ ነቲ ዝጠሚ ዘሎ ህዝቢ እኽሊ እንተቐረቡሉ ይህደኑ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብቲ ከብድኻ ገዲፍካ ንመብራህቲ ጐደና ኽፈል ዝበሃለሉ ዘሎ መበል 25 ዓመት ዝኽሪ ናጽነት፡ ዘለዎ ኹነታት ኣብ ዝዀነ ህዝቢ ተራእዩ ዘይፈልጥ’ዩ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሃገሩ ኽነብር ውርደት ኰይንዎን ምኽኣሉ ስኢኑን’ዩ። ክገይሽ እንተተበገሰ ይቕተልን ይሕየርን። መገዲ እንተቐንዖ ክሕሱን ንበደልቱ ኽግብርን ይግደድ። ካብ ስደት ናብ ሃገሩ እንተተመልሰ ኸኣ መሰላቱ ይግፈፍን ይእሰርን’ዩ ዘሎ። ናብ ስደት ዝኸዱ ኣብ ስዋኪን ይእሰሩ፡ ካብ ስደት ዝተመልሱ ኣብ ተሰነይ ይእሰሩ ኣለዉ። ከምቲ ኽሳዕ ሎሚ ዝተራእየ፡ ተንኰላት ህግደፍ ይኸፍእ፡ ንበደላቱ ብሓድሽ ምርቓቕ እናዓጠቐሉ’ዩ ዝቕጽል ዘሎ። ካብዚ ዝኸፍአ ከይመጸ፡ ዝተጨውየት ናጽነት ህዝቢ ኤርትራ፡ ብውሳኔን ተበግሶን ኩሎም ደቂ ሃገር ናብ ቦትኣ እትምለሰሉ መዓልቲ ሎሚ’ዩ።

    Print       Email

You might also like...

Human brain research and memory loss as symbol of alzheimer's concept with missing pieces of the puzzle

ምድዕሳስ ኣእምሮ (Senility) መራሕቲ፡ሓደገኛ ክስተት ንሃገራት

Read More →