Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ህዝቢ ኤርትራ ውራያቱ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ከሕልፎ ይግደድ ከም ዘሎ ተፈሊጡ

By   /  May 27, 2016  /  Comments Off on ህዝቢ ኤርትራ ውራያቱ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ከሕልፎ ይግደድ ከም ዘሎ ተፈሊጡ

    Print       Email

ገንዘቡ ኣብ ባንክ ተሓይሩ ካብ ዝኾነ ማሕበራዊ ንጥፈታት ተኾሊፉን መነባብሮኡ ሓሲሙን ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ ውራያቱ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ከሕልፎ ይግደድ ከም ዘሎ ተፈሊጡ ።

ብፍላይ ኣብዚ ግዜ`ዚ ኣብ ደገ ዝቅመጡ ዜጋታት ድግሳት መርዖኦምን ሕጸኦምን  ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ሱዳንን ኢትዮጵያን የሕልፍዎ ብምህላዎም ቀጥታዊ ኣብነት ናይዚ ጉዳይ እዩ ።

እዚ ብሰንኪ ምቕያር ወረቐት ናይ ባጤራ ናቅፋ ተፈጢሩ ዘሎ ኣሻቃሊ ጉዳይ ዜጋታትና ኩነታት መርዖኦምን ካልእ ውራዮምን ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ክሕልፍዎ ይቅሰቡ ምስ ምህላዎም ስድራቤታት ፍርቂ ፍርቂ ብምኻን ኣብ ኣይ ሓጎስ ኣይ ሓዘን ኩነት ከምዝርከባ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ ።

ብተመሳሳሊ እዉን ህዝቢ ንሕክምና ዘድሊዮ ዘቤታዊ ባጤራ ኣብ ኢዱ ብዘይምህላዉ ልዕሊ ካልእ እዋን ናብ ጎረባብቲ ሃገራትን ሃገራት ስግር ባሕሪን እንዳኸደ ነቲ ኣገልግሎት ክረክብ ይጽዕት ከምዘሎ፥ እዚ እዉን ነቶም ስድራን መቕርብን ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዘለዉዎም ወገናትና ጥራይ ዝኽፈት ብምዃኑ እቲ ዝበዝሐ ስኡን ኣብ ከቢድ ጸገም ወዲቚ ምህላዉ እዩ ዝግለጽ።

ካብ ወጻኢ ጽንብል በዓል ናጽነት ከሕልፉ ንዝመጹ ዜጋታት ክሳዕ 20 ሽሕ ዶላር እንዳእትአዉ ዝድላዮም ክዝርዝሩ  ክፍቀደሎም ምዃኑ ንግዳዊ ባንክ ኤርትራ ዘይወግዓዊ ኣሰራርሓ ክዉን ገይሩ ምህላዉ ምግላጽና ዝዝከር ኮይኑ፥ እቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝርከብ ህዝቢ ግና ካብ ባንክታት ከውጽኦ ዝፍቀደሉ መጠን ገንዘብ ኣዝዩ ድሩትን ብዝተሓላለኸ መስርሕ ዝካወንን ኮይኑ እዩ ዝቕጽል ዘሎ።

ህዝቢ ነቲ ብመሃያን ብሓዋላን ዝረኽቦ ባጤራ ናቕፋ ከም ቀደሙ ኣብ ገዝኡ ከቐምጦ መሪጹ ከምዘሎ፥ ናይዚ ሳዕቤን ድማ ፊናንሳውያን ትካላት ብሕጽረት እቶም ዝገዘፉ መጠን ማለት ነናይ 100ን 50ን ናቕፋ ክጣርዓ ጀሚረን ምህላወን ይሕበር።

ንመበል 25 ዓመት ንምግያጽ ዘይተኣደነ ማል ብምፍሳስ  ዝጸንበለ ስርዓትን ፥ እቲ ነታ ዕለት  ክሳዕ ሕጂ ሓርነቱ ዘይረኣየላ ህዝቢ ኤርትራን ኣብ በበይኖም ክልተ ጫፍ ይርከቡ ኣለዉ።

    Print       Email

You might also like...

_106539_eritrea300

ንኡስ ምልክታት ናዕቢ ኣብ ሰራዊት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ

Read More →