Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ሃገራዊ ኣገልግልት ዘይፈጸመ ሰብ ዝቖጸረት ትካል ንግዳዊ ፍቓዳ ክትምንዛዕ ሙኻና ተሓቢሩ

By   /  May 12, 2016  /  Comments Off on ሃገራዊ ኣገልግልት ዘይፈጸመ ሰብ ዝቖጸረት ትካል ንግዳዊ ፍቓዳ ክትምንዛዕ ሙኻና ተሓቢሩ

    Print       Email

17672102261_d403cdb93a_bኣብ ኤርትራ እትርከብ ዝኾነት ንግዳዊት ትካል ሃገራዊ ኣገልግሎት ዘይፈጸመ/ት  ሰብ ቆጺራ እንተተረኺባ ፍቓድ ንግዳ ብዘይ ወዓል ሕደር ክምንዛዕ ሙኻኑ ዘጠንቅቕ ዘዋሪ መልእኽቲ ናብ ኩለን ትካላት ተመሓላሊፉ።

እዚ ብሚኒስትሪታት ዞባዊ ምምሕዳር፥ ሚኒስትሪ ቱሪዝም፥ ሚኒስትሪ ንግድን እንዳስትርን ዝወሃሃድ ዘሎ ወፈራ ብዕለት 9 ግንቦት 2016 ናብ ኩለን ትካላት ንግዲ ኣብ ዝተላእከ መጠንቀቕታ ከምዝሓበሮ፥  ካብ ባሕቲ ሰነ ጀሚሩ ዝኾነት ንግዳዊት ትካል ሃገራዊ ኣገልግሎት ዘይፈጸመ/ት ሰራሕተኛ ብዘይወዓል ሕደር ክትሰጉግ፥ ከምኡ ምስዘይትገብር ድማ ንግዳዊ ፍቓድ ተሳሒቡ ክትዕጾ ሙኻና ዘጠንቅቕ መልእኽቲ ተላኢኹላ ኣሎ።

እዚ ሓድሽ መምርሒ ነቲ ድሮ ሰማይ ዓሪጉ ዘሎ ሽቕለተ ኣልቦነትን ባይታ ዘቢጡ ዘሎ ደረጃ መነባብሮን ከብእሶ ከምዝኽእል ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት፥  ሃገራዊ ኮንፈደረሽን ሰራሕተኛታት ኡኹን ሚኒስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን ንመሰል ናይዞም ሰባት ንምጥባቕ ክንቀሳቐሱ ኢዩም ኢልካ ከምዘይሕሰብ ይገልጹ።

    Print       Email

You might also like...

mideast

ሓድሽ ዓለማዊን ዞባውን ስርዓት (order)፤ ንኤርትራ ብኸመይ ይጸልዋ ኣሎ።

Read More →