Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ካብ ቤት ማእሰርቲ ሻካት ክሃድሙ ዝፈተኑ 3 መንእሰያት ተቐቲሎም 4 ቆሲሎም።

By   /  May 9, 2016  /  Comments Off on ካብ ቤት ማእሰርቲ ሻካት ክሃድሙ ዝፈተኑ 3 መንእሰያት ተቐቲሎም 4 ቆሲሎም።

    Print       Email
images (5)ብ 2 ግንቦት 2016 ኣብ ሻካት ካብ ዝርከብ ብክፍለ ሰራዊት 57 ዝመሓደር ቤት ማእሰርቲ ክሃድሙ ዝፈተኑ ኣስታት 10 ዝኾኑ መንእስያት ሻቡ ብኣባላት ክፍለሰራዊት 57 ቶኽሲ ስለዝተፈነወሎም 3 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ 4 ካልኦት ዲማ ብኸቢድ ቆሲሎም።
እዞም  ክሃድሙ ዝፈተኑ  እሞ ብኣዘዝቲ ቲ ክፍለሰራዊት ንኢትዮጵያ ክሃድሙ ይኽእሉ እዮም ኢሎም ስለዝተገምገሙ ተኽሲ ምስተፈነወሎም እዮም ግዳያት ሞትን ሞቕሰልትን ኮይኖም። እቶ ቶኽሲ ኪኽፈት ዝኣዘዙ መራሕቲ ክፍለሰራዊት ነቶም ዝቆሰሉ መንእሰያት ውን ብኣረመናዊ ተግባር  ከጋፍዕዎም ከም ዝተራእዩ ተፈሊጡ ።
እዚ ኣብ ሻካት ዝበሃል ቦታ ተደኩኑ ዝርከብ ብክፍለ ሰራዊት 57 ዝመሓደር እስርቤት ብምሉኡ ትሕተ ባይታዊ ክፍሊ ማለት ኣንደርግራውንድ ምስ ምኻኑ ኩነታት እሱራት ኣዚዩ ኣስካሕካሒ ይገብሮ ።
እዞም ብዕለት 02/05/2016 ካብ ሽንቲ ምስ ወጹ  ክሃድሙ ኣብ ዝፈተንሉ እዋን ብኣስካሕካሒ ኣገባብ ዝተቀዝፉ መንእሰያት ልክዕ ኣብ ወርሒ ናይቲ ኣብ ኣሰመራ ዘጋጠመ ቅትለት ጸላም ሰንበትሙዃኑ’ዩ ።
ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ኤርትራ ካብ ዝርከቡ ኣብያተማእሰርቲ ብእኩብ ናይ ምህዳምን ካብዚ ንላዕሊ እንታይ ከጋጥመና እዩ ብምባል ተቓውሞታት ምልዓልን ልሙድ እንዳኾነ ይመጽእ ኣሎ።
    Print       Email

You might also like...

    ምእንቲ ስልጡንን ሉዓላዊን ተቓውሞ

Read More →