Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ኣርባዕተ ኣባላት ስለያን ክልተ ኣባላት ርክብን ተኣሲሮም

By   /  May 3, 2016  /  Comments Off on ኣርባዕተ ኣባላት ስለያን ክልተ ኣባላት ርክብን ተኣሲሮም

    Print       Email

ቅድሚ 4 ዓመታት ብትእዛዝ ጠቐላሊ ሓለቃ ስታፍ ምክልኻል ጀነራል ፊሊጶስ ወልደየዉሃንስ ደስኪሎም ኣብ ገዛኦም ኮፍ ኪብሉ ዝተነግሮም 4 ሞኮንናት ብ 23 ሚያዝያ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኪዳጎኑ ከምእተገብረ ምንጭታትና ካብ ውሽጢ ሃገር ሓቢሮም።

ብመሰረት ሓበሬታ እቶም ምንጭታት ፥ ሜጀር ኪዳነ (ወዲ ፈንጂ) ፣ምክልተ ኮብራል መዓሾ ሓድጉ፣ ኣብ ምኽዛን ሰነዳት ኣሃዱ ስለያ 05 እትሰርሕ ዝነበረት ሜጀር ምሕረት ኣስፋሃለ፣ ከምኡ’ውን ኣባል ስለያ እዚ ምዕራብ ሌ/ኮሎኔል ሰመረ ኪዳነ (ወዲ-ኪዳነ) ናብ ግዳም ምስጢራት ተውጽኡ ትህልዉ ትኾኑ ኢዂም ብዝብል ጥረጠራ ብትእዛዝ ጀነራል ፊሊጶስ ኣብ ገዛኦም ኮፍ ኪብሉ ዝተሓበሮም ኮይኖም ፥ ሕጂ ድሕሪ 4 ዓመታት ንዓዂም ዝምልከት ኣኼባ ኣሎ ተባሂሎም ናብ ቤት ገርግሽ ድሕሪ ምጽዋዖም ሻቡ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

እቶም 4 መኮንናት ካብ ስራሖም ምስ ተኣሊዩ ሲቪላዊ ሂወቶም ከካይዱ ዝጸንሑ ኮይኖም ፥ ጠንቂ መደስከሊኦም ከይተነግሮምን ኣብ ልዕሊኦም ዝተጻዕነ ጠቐነ መርትዖ ከይተረኽበሉን እዮም ድሕሪ 4 ዓመታት ዝእሰሩ ዘለዉ።

ኣብ ክፍሊ ርክባት ክሰርሑ ዝጸንሑ ጀበል ሓምድን ምክትል ተለንተ የውሃንስ ተወልደብርሃንን ዝተባህሉ እዉን ምስቶም 4 መኮንናት ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ከምእተቐየዱ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ሚኒስትሪ ምክልኻል ካብ ፕረዚደንት ኢሳያስ ተረኪብዎ ብዘሎ ሓድሽ መምርሒ ስራሕ መሰረት ፥ ምስ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዘዳውቡ ከባቢታት ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ወተሃደራዊ ኮለላን ተፍትሽን ከእቱ ፥ ስግኣት ክፈጥሩ ይኽእሉ እዮምን ተነቀፍቲ ሓበሬታታት ንግዳም ከውጽኡ ቅሩብነት ኣለዎምን ዝበሃሉ ላዕለዎትን ታሕተዎትን ወተሃደራዉያን ሓለፍቲ ክቅይድ፥ ኣብ ዝሰፍሐ ከባቢታት ሃገር ኣለመምቲ ግፋታት ከካይድ ፡ ከምኡ’ውን ሃብታማት ነጋዶ ብምእሳር ንብረትን ገንዘብን ክዘምት ይረአ ምህላዉ እዩ ዝግልጽ።

    Print       Email

You might also like...

ኩሎም ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናብ ታዕሊም ዘይወረዱ መማህራን ናብ ታዕሊም ክወርዱ ሚኒስትሪ ምክልኻል ትእዛዝ ሂቡ። 

Read More →