Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ባንክ ኤርትራ ሓድሽ ናይ 100 ናቕፋ ኖት ንዑደት ከውርድ ይዳሎ ምህላዉ ተሓቢሩ

By   /  May 16, 2016  /  Comments Off on ባንክ ኤርትራ ሓድሽ ናይ 100 ናቕፋ ኖት ንዑደት ከውርድ ይዳሎ ምህላዉ ተሓቢሩ

    Print       Email

asmara59ባንክ ኤርትራ ሓድሽ ናይ 100 ናቕፋ ኖት ንዑደትከውርድ ይዳሎ ምህላዉ ተሓቢሩ።

ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ድሕሪ ነዊሕ እዋን ዝወሃቦ ናይ ገንዘብ መሳርፍ ድሕሪ ምውሳዱ ኣብ ባንክታት እምነት ስለዘይብሉ ገንዘቡ ብናይ ባዕሉ መንገዲ ይዕቅቦ ስለዘሎ ንምትሓዙ ክጥዕሞ ድማ ናብ ናይ 10 ኖት ስለዝቕይሮ ፥ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ባንክታት ኤርትራ ናይ 100 ዶላር ኖት ተወዲኡ ኣሎ።

በዚ መሰረት ባንክ ኤርትራ ካልኣይ ዙርያ ምዝርጋሕ ኖት 100 ናቕፋ ንምግባር ይዳሎ ምህላዉ ዝሓበሩ ምንጭታት፥ እዚ ተኣታትዩ ዘሎ ናይ ትእዛዝ ቁጠባ ንመነባብሮ ህዝቢ መሊሱ ይሓላልኾ ሙኻኑ ይግምቱ።

ኣብዚ እዋን እዚ ዝበዝሐ ህዝቢ ካብ ነንሕድዱ እንዳተለቓቐሐ ዝነብር ዘሎ ኮይኑ ገለ ኣብ ብልሽውና ዝተቖማጥዑ ሓለፍቲ ሰራዊት ድማ ናይ ሓረጣ መስርሕ ብምጅማር ልቓሕ እንዳለቅሑ ካብ ህዝቢ መኽሰብ ክገብሩ ጀሚሮም ምህላዉ ይሕበር።

    Print       Email

You might also like...

ብፕረዚደንት ኢሳያስን ስድራቤቱን ዝውነን ኣብ ቀጠር ዝርከብ ገንዘብን ጥረ ወርቅን  ናብ ቻይናን ደቡብ ኣፍሪቃን ንምግዓዙ ሃቐነ ይካየድ ኣሎ።

Read More →