Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

18 እሱራት ምስ 8 ሓለውቶም ብምርድዳእ ካብ ቤትማእሰርቲ ኣምሊጦም ሱዳን ኣትዮም።

By   /  April 21, 2016  /  Comments Off on 18 እሱራት ምስ 8 ሓለውቶም ብምርድዳእ ካብ ቤትማእሰርቲ ኣምሊጦም ሱዳን ኣትዮም።

    Print       Email

TORTUREኣብ ቤት ማእሰርቲ ናቅፋ ‘እንዳቦይ ሩጉም’ ተባሂሉ ካብ ዝፍለጥ ቤትማእሰርቲ ብዕለት 18/04 እሱራት ዕንጭየቲ  ንምእራይ ኣብ ዝወፈሩሉ እዋን 18 እሱራት ምስ 8 ኣባላት ሓለዋ  ብምርድዳእ ከምዘምለጡን ናብ ሱዳን ብሰላም ከም ዝኣተዉን ተፈሊጡ።

እዞም ኣብ ሱዳን ዝኣተዉ እሱኣራትን ሓለውቶምን ምስ ብረቶም (ዕጥቆም) ብምዃኖም ኣብ ሰዋኪን ና
ብ ዝርከብ ናይ ጸጥታ ቤት ማእሰርቲ ከም ተወሰዱን  መንግስቲ ሱዳን ነዞም ንዓመታት  ብዘይ ዝኾነ በደል ዝተኣሰሩ ዜጋታት ኣሕሊፉ ከይህቦም ተጣበቅቲ መሰላት ኣስማቶም ንኽፈልጥዎ ሬድዮ መድረኽ ኣስማቶም ብዝርዝር የቕርብ።

ኣስማት ኣብ ሱዳን ሰዋኪን ተታሒዞም ዘለዉ እሱራት
ሲራክ ኪዳነ
የማነ ግብርድንግል
ማሓሪ ኣተሽም
ሓምድ በያን
ኣሉላ በየነ
ጸገዛኣብ ይዕብዮ
ማቱሰላ ግርማይ
እዮብ ምስግና
ኣማኔል ኣለም
ዳኒኤል ገብረ
ሳምሶም ኢሳቅ
ሓምድ ኢብራሂም
ሱሊማን ማሓመድነጋሽ
ብስራት ሃብቶም
ክዳነ ኣረፋይነ
ምክትል ተለንተ ዮናስ ኣርኣያ
ኣምባሳጀር ተክለ
ሳሚ ተክለገርግሽ
እልልታ ተስፋይ (ኣጋር ሓኪም )
ሳልሕ ዓብደላ
እንድርያስ ብርሃኑ
ኣቤል እምሃ
ዮናስ ባይሩ
ክፍላይ  ገርላሰ
ፍርዝጊ ኣውዓሎም
ፍሊሞን ግብረኣምላክ
    Print       Email

You might also like...

_106539_eritrea300

ንኡስ ምልክታት ናዕቢ ኣብ ሰራዊት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ

Read More →