Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

15 ኣመንቲ ጴንጠኮስት ካብ ሓዝሓዝ ተኣሲሮም

By   /  April 20, 2016  /  Comments Off on 15 ኣመንቲ ጴንጠኮስት ካብ ሓዝሓዝ ተኣሲሮም

    Print       Email

pentecostalኣብ ምምሕዳር ከባቢ ሓዝሓዝ ከተማ ኣስመራ ኣብ ዝርከብ ገዛ ኮይኖም ዝጽልዩ ዝነበሩ 15 ዜጋታት ተኸተልቲ እምነት ጴንጠኮስታል ብዕለት 16/04  ሰዓት 9 ምሸት ብኣባላት ሃገራዊ ድሕነት ናብ ማእሰርቲ ተወሲዶም።

እዞም ደቂ ግዛውቲ ኮይኖም ብሓባር ጾምን ጾሎትን ዘዕርጉ ዝነበረ 4 ዓበይቲ ኣቦታት ዝርከብዎም መንእሰያት ኣባላት ሃገራዊ ድሕነት ሰዓት 9 ናይ ምሸት ብሓይሊ ናብቲ ዝጽልዩሉ ዝነበሩ ገዛ ድሕሪ ምእታው ንኩሎም ኮብኪቦም ድሕሪ ምውሳድ ኣብ ክልተ ቶዮታ ፒክኣፕ  ዝዓይነተን ማካይን ጽዒኖም ናብ ዘይተፈለጠ ቦታ ወሲዶሞም ኣለዉ።

ሓንቲ ካብዞም ብኣባላት ጸጥታ ሃገራዊ ድሕነት  ብሰንኪ እምነቶም ጥራይ ተኣሲሮም ዘለዉ ዜጋታት ነፍሰጾር  ኣደ እያ። ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ብሃገራዊ ድሕነት ዝፍጸም ዘሎ ናይ ምእሳር ስጉምቲ ብሓፈሻ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ብፍላይ ድማ  ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ ልዒሉ ምህላዉ ዝሓበሩ ምንጭታትና፥  ካብ ኦርተዶኪሳዊት ቤተክርስታያን  ብርክት ዝበሉ መራሕትን ኣካየደቲ ስራሕን ከም ተኣሰሩ ውን ተፈሊጡ ኣሎ።

 

    Print       Email

You might also like...

ሃንደበታዊ ምቅይያር ኣዘዝቲ በራጊድን ቦጦሎኒታትን ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ይካየድ ምህላዉ ተሓቢሩ።

Read More →