Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ቊጽሪ ናይቶም ብብረታዊ ስጒምቲ ኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ከተማ ኣስመራ ዝሞቱ ንጹሃት መንእሰያት ይዛይድ ።

By   /  April 7, 2016  /  Comments Off on ቊጽሪ ናይቶም ብብረታዊ ስጒምቲ ኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ከተማ ኣስመራ ዝሞቱ ንጹሃት መንእሰያት ይዛይድ ።

    Print       Email

ቊጽሪ ናይቶም ብብረታዊ ስጒምቲ ኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ከተማ ኣስመራ ዝሞቱ ንጹሃት መንእሰያት ይዛይድ ከምዘሎ ምንጭታትና ካብ’ታ ከተማ ሓቢሮም።

ብመሰረት ሓበሬታ እቶም ምንጭታት ፥ በቲ ናይ 3 ሚያዝያ ፍጻሜ 11 ዜጋታት ሻቡ ሂወቶም ክስእኑ እንከለዉ ልዕሊ 20 ካልኦት ብኸቢድ ከምዝቖሰሉ፥ ገለ ካብቶም ቆሲሎም ናብ ሕክምና ኣምሪሖም ዘለዉ ግዳያት እዉን ሂወቶም ይስእኑ ከምዘለዉ እዩ ተረጋጊጹ ዘሎ።

በቲ ብረታዊ ስጒምቲ ብከቢድ ቆሲሎም ናብ ሆስፒታል ሓሊበት ካብ ዘምርሑ መንእሰያት ድሮ ሰለስተ ሞይቶም ከምዘለዉ ፥ እቲ ሓደ ኣብ ቀጽሪ እቲ ሆስፒታል ምስ በጽሐ ጥራይ ሂወቱ ክስእን እንከሎ እቶም ክልተ ግና ኣብ ውሽጢ ክፍሊ ጽዑቕ ክንክን ማለት ICU እንከለዉ ከምዝዓረፉ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

እቶም ብ 3 ሚያዝያ ብረታዊ ስጒምቲ ዝተወስደሎም መንእሰያት ኣካል ናይቶም ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ተገፊፎም ናብ ኮርመናዕ ተመሓላሊፎም ዝጸንሑ ኮይኖም፥ ከባቢ ዓሰብ ናብ ዝርከብ ኪሎማ ዝተባህለ ቦታ ክሰግሩ ኣብ ከባቢ ሹቕ ናይ ከተማ ኣስመራ ምስ በጽሑ ካብ ተጻዒኖሙለን ዝነበሩ መካይን ከምልጡ ኣብ ዝሃቀኑሉ እዋን እዩ ቶኽሲ ተኸፊቱሎም፥

እቶም 150 ደቂንስትዮን 600 ደቂተባዕትዮን ኣብ ኮርመናዕ ኣብ ዝተባህለ 5 ኪሎሜትር ሰሜን ካብ ኣቑርደት ታዕሊም ክወስዱ ዝጸንሑ ኮይኖም፥ ኣብ 10 ኣውቶቡሳትን ክፉታት ናይ ጽዕነት መካይንን ተሳፊሮም ዝጓዓዙ ዝነበሩ እዮም። ኣብ ነብሲ መኪና ድማ 10 ሓለውቲ ኔሮሞዋ።.

እቲ ናይ ቅትለት ፍጻመ  ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ከባቢ ሓደን ፈረቓን ዘጋጠመ ኮይኑ፥ እተን መካይን ኣብ ከተማ ምስበጽሓ ፍጥነተን ስለዝቐነሳ መንእሰያት ነዚ ኣጋጣሚ ተጠቒሞም ከምልጡ ኣብ ዝጀመሩሉ እዋን ዝተኸሰተ ናዕቢ ሙኻኑ ዝገለጹ ምንጭታትና፥ ኣብቲ ኩነታት እቶም ሓለውቲ ነቶም ዝተረፉ ተሳፈርቲ ኣብተን መካይን በጥ ክብሉ እንዳኣዘዙ ብበትሪ ክሃርሙዎም ምስጀመሩ ካልእ እምባጋሮ ከምዝተኸፈተ ይሕብሩ።

ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ ህዝቢ ነቲ ግፍዕታት ክቃወም ብምጅማር ኣብ ልዕሊቶም ብበትሪ ንመንእሰያት ዝኽትክቱ ዝነበሩ ወተሃደራት ኣእማን ምድርባይ ድሕሪ ምጅማሩ፥ ኣዛዚ ናይቶም ሓለውቲ ነቲ ተኣኪቡ ዝነበረ ህዝቢ ንኽብትን ቶኽሲ ብምኽፋት ክልተ ሰባት ከምዝቐተለ ዝሓበሩ ነቲ ፍጻመ ብቐረባ ዝተኸታተሉ ምንጭታት ሬድዮ መድረኽ፥ ብድሕሪ እዚ እቲ ኣዛዚ ነታ መወዳእታ መስርዕ ዝነበረት ኣውቶቡስ ፍጥነት ወሲኻ ብጃልያ ኣቢላ ናብ ማእከል ከተማ መንገዳ ክትቅይር ብዝኣዘዞ መሰረት ብፍጥነት ህዝቢ ጥሒሳ ኣብዝተጓዕዘቱሉ እዋን ንሓንቲ ሰበይቲ ከምዝረገጸት ሓቢሮም።

ምሉእ ጸብጻብ ናይቶም ዝሞቱን ዝቖሰሉን እኳ ዛጊት እንተዘይበጸሓና፥ እቶም ብጥይት ዝቖሰሉን ዝብዱላታት ተደብደቡን መጀመርያ ኣብ ካልኣይ መደበር ፖሊስ ክእከቡ ከምዝተገበረ ፥ ብድሕሪዚ ነቶም ብኸቢድ ዝቖሰሉ ናብ ሆስፒታላት ኦሮታን ሓሊበትን ምዝተወሰዱ ይኹን ግን ኣዝማዶም ከይበጽሕዎም ከምዝተኸልከሉን ክርዳእ ተኻኢሉ ኣሎ።

ኣብቲ ናይ 3 ሚያዝያ ኣጋጣሚ ዛጊት 150 መንእሰያት ከምልጡ ክኢሎም ከምዘለዉ ይኹን ግን ብትእዛዝ መንግስቲ ነቶም ዘምለጡ ንምትካእን ሕነ ንምፍዳይን ብኣልማማ ማእሰርቲን ግፋን ተጀሚሩ ምህላዉ ዝሓበሩ ምንጭታትና ፥ ኣብቲ ከባቢ ንዝነበረ ህዝቢ ኣቐዲምኩም ዝወደብኩሞ ዲብያ እዩ ብምባል ይኣስሮም ምህላላዉ ገሊጾም።

እቶም መንእሰያት ስገረዶብ ፈቲንኩም ወይ ውን ኣሰጋገርቲ ኔርኩም ተባሂሎም ካብ 1 ዓመት ክሳብ 10 ዓመት ተኣሲሮም ዝነበሩ ኮይኖም፥ ኣብ ኮርመናዕ ታዕሊም ተዋሂቦም ናብ ዓሰብ ይሰጋገሩ ዝነበሩ እዮም። ገለ ካብቶም ተዓለምቲ ቅድሚ ምብጋሶም ብኣስመራ ክሓልፉ ንስድራቤቶም ሓቢሮም ስለዝነበሩ ፥ መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ህዝቢ ኣቀዲምኩም ዝወደብኩሞ ናዕቢ እዩ ብምባል’ዩ ዝኣስር ዘሎ።

ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ልዕሊ ነብሱን መንእሰያቱን ዘጋጥም ዘሎ ግፍዕታት ዓው ኢሉ ክቃወምን ገለ ንግበር ክሳብ መዓስ መወዳእታ ዘይብሉ ግፍዕታትን ስቅያትን ኢሉ ክለዓልን ጀሚሩ ምህላዉ ምንጭታትና ይሕብሩ።

    Print       Email

You might also like...

mideast

ሓድሽ ዓለማዊን ዞባውን ስርዓት (order)፤ ንኤርትራ ብኸመይ ይጸልዋ ኣሎ።

Read More →