Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ደሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ-ባሕሪ ኣብ ካልኣይ ዋዕላ ሃገራዊ ምምኽኻር ክሳተፍ ከምዝኾነ ኣረጋጊጹ

By   /  April 12, 2016  /  Comments Off on ደሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ-ባሕሪ ኣብ ካልኣይ ዋዕላ ሃገራዊ ምምኽኻር ክሳተፍ ከምዝኾነ ኣረጋጊጹ

    Print       Email

rsadoደሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ-ባሕሪ ኣብቲ ንዝመጽ ወርሒ ነሓሰ 2016 ክቃናዕ ኩሉዓይነታዊ ምድላዋት ዝካየደሉ ዘሎ ካልኣይ ዋዕላ ሃገራዊ ምምኽኻር ክሳተፍ ከምዝኾነ ኣረጋጊጹ።

ኣቦ-መንበር እቲ ውድብ ኣቶ ኢብራሂም ሃሮን ዝመረሖ ልኡኽ ምስ ልኡኻት ግዝያዊት ሓባራዊት ሽማግለ ንሃገራዊ ምምኽኻር (ኣድሆክ-ኮሚቲ) ብ 8 ሚያዝያ ተራኺቡ ኣብ ዝተመያየጠሉ ፥ ደሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ኣብ’ቲ ዝመጽእ ካልኣይ ዋዕላ ክሳተፍ ከምዝኾነ ሓቢሩ ኣሎ።

እቲ ልኡኽ፥ ዉድቡ ኣብ መጻኢ ንዝገዝፍ ተራ ዋዕላ ሃገራዊ ምምኽኻር ከስተብህለሉ ስለዝኸኣለ ኣብ’ቲ ዝመጽእ ካልኣይ ዋዕላ ክሳተፍ ምውሳኑ ድሕሪ ምግላጽ፥ ነቲ ዋዕላ ንምዕዋት ዝሕተት ኣበርክቶ ውድቡ ብኣወንታ ክምልሶ ድሉው ምህላዉ ኣስሚሩሉ።

ግዝያዊት ሓባራዊት ሽማግለ ንሃገራዊ ምምኽኻር ፥ ኣብ’ቲ ካብ 2 ክሳዕ 3 ሚያዝያ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዘካየደቶ ናይ ርብዒ ዓመት ገምጋማዊ ኣኼባ፥ ምስ ዝተፈላለያ ፖለቲካውያን ሓይልታትን ውድባትን ብተናጸልን ብሓባርን ድሕሪ ዘማሕደረቶም ዝርርባትን ርክባትን፣ እቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ዝቃናዕ ካልኣይ ዋዕላ ሃገራዊ ምምኽኻር ብብዝሒ ተሳተፍቱን ዘንቅሎም ነጥብታትን ክዓቢይ ዘኽእል ባይታ ተነጺፉ ከምዘሎ ተገሊጹ ነይሩ።

ኣብ’ቲ ኣብ ከተማ ናይሮቢ ዝተቃንዐ ቀዳማይ ዋዕላ ክሳተፋ ዘይጠዓመን ውድባት ኣብ’ቲ ዝመጽእ ካልኣይ ዋዕላ ክሳተፋ ከምዝኾና ይሕብራ ከምዘለዋ እትጠቅስ እታ ግዝያዊት ሓባራዊት ሽማግለ ፥ ናብቲ ዋዕላ ከምርሓ ናይ ዝዳለዋ ሲቪካውያን ማሕበራትን መጽናዕታዊ ጽሑፋት ንኸቕርቡ ናይ ዝምድቡ ኤርትራውያን ምሁራትን ቊጽሪ ይዛይድ ከምዘሎ እያ እትሕብር።

 

    Print       Email

You might also like...

ኢዮብ መድሃኔ ዝተባህለ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ስርዋ ንልዕሊ 10 ዓመት ተኣሲሩ ዝጸንሐ ኮንትራክተር; ካብ ማእሰርቲ ምስ ሓለውቱ ኣምሊጡ።

Read More →