Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ዓለማዊ ባንክ ንኤርትራ ምስተን ቊጠባዊ ወፍሪ ከተካይደለን ዘይምቸኣ ቀዳሞት 3 ሃገራት ሰሪዑዋ ።

By   /  April 28, 2016  /  Comments Off on ዓለማዊ ባንክ ንኤርትራ ምስተን ቊጠባዊ ወፍሪ ከተካይደለን ዘይምቸኣ ቀዳሞት 3 ሃገራት ሰሪዑዋ ።

    Print       Email

accrareport_the-world-bank-praises-ghanas-economic-growth-over-the-past-10-yearsዓለማዊ ባንክ ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን ኣብ ዝዘርገሖ ጸብጻብ ፥ ኤርትራ ምስተን ቊጠባዊ ወፍሪ ከተካይደለን ዘይምቸኣ ቀዳሞት 3 ሃገራት ሰሪዑዋ ኣሎ። በቲ ባንክ ካብ ዝተገምገማ 189 ሃገራት ኤርትራ ናይ መወዳእታ ማለት 189 ተርታ ኢያ ሒዛ ዘላ።

ዓለማዊ ባንክ ኣብዚ ን-ንጹህ ወፍርኣዉን ፊናንሳዉን ኣሰራርዓ ሃገራት ኣመልኪቶም ዝተሰርዑ 10 ቅጥዕታት ከም መምዘኒ ተጠቒሙ ዘርጊሑዎ ዘሎ ጸብጻብ፥ ኤርትራ ብ ደቡብ ሱዳንን በታ ብኲናት ሓድሕድ እትሕመስ ዘላ ሊብያን ተበሊጻ ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ትርከብ ምህላዋ ኣነጺሩ ኣሎ።

መንግስቲ ኤርትራ ዝኽተሎም ናይ ወፍሪ ፖሊስታት ተቐያይርቲን ውሕስነት ዝውሕዶምን ከምዝኾኑ ብሓያሎ ኣህጉራውያን ፊናንሳውያን ኣካላት ወቐሳታት ይቕጽል ምህላዉ ይፍለጥ።

እብ’ዚ እዋናዊ ጸብጻብ ዓለማዊ ባንክ ፥ ኬንያ መበለ 108, ኡጋንዳ 122, ኢቲዮጵያ 146፣ ሱዳን ድማ መበል 160 ደረጃ ሒዘን ኣለዋ። ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝመቸአ ናይ ወፍሪ ባይታን ውሕስነትን ዘለዋ ሃገር ሞውሪሸስ ክትከዉን እንከላ ኣብ መበል 31 ደረጃ ትርከብ።

    Print       Email

You might also like...

_106539_eritrea300

ንኡስ ምልክታት ናዕቢ ኣብ ሰራዊት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ

Read More →